ኣብ ዘፍረዮ ባኒ ተረፍ ኣካል ኣንጭዋ ዝተረኸቦ ፋብሪካ ፍርያቱ ክእክብ ተገዲዱ

ባኒ ፖስኮ - ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Pasco Shikishima Corporation

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትካላት ባኒ ጃፓን ኣብ ፍርያቱ ኣካል ኣንጭዋ ምስ ተረኸቦ ኣሽሓት ዕሹጋት ፍርያቱ ክእከብን ንዓማዊሉ ገንዘብ ክምለሰሎምን ከምዝተገደደ ይግለጽ ኣሎ።

ብኮርፖሬሽን ፓስኮ ሺኪሺማ ዝተሰንከቱ ኣስታት 104 ሽሕ ዕሹጋት ዝተቘርጹ [ስላይስ] ጻዕዳ ባኒ ካብ መደርደሪታት ድኳናት ተኣኪቦም ኣለዉ። ክፋላት ናይቲ ጸሊም ዝዓይነቱ ኣንጭዋ እንተወሓደ ኣብ ክልተ ዕሹጋት ከምዝተረኸበ ይግለጽ።

ባኒ ፓስኮ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ጃፓን ቀንዲ መግቢ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ሱፐርማርኬታትን ድኳናትን ብስፍሓት ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እዚ ተርእዮ ዝዀነ ዝሓመመ ሰብ ምህላዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዘይቀረበ ፋብሪካ ፓስኮ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ኣብ ዓማዊልና፣ መሻርኽቲ ንግድናን ኵሎም ዝምልከቶም ወገናትናን በቲ ዘጋጠመ ዘይምቹእነት ብልቢ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።

ፓስኮ፡ ክፋል ኣካል ኣንጭዋ ብኸመይ ኣብ ፍርያቱ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ኣይገለጸን፤ እንተዀነ "እዚ ዳግማይ ከይፍጸም ምቍጽጻር ጽሬትና ንምሕያል ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ክብል ቃል ኣትዩ።

እቲ ኩባንያ ካብቲ ተርእዮ ንደሓር በቲ ጸገም ዝተጸለዉ ዓማዊሉ ገንዘቦም ንኽምለሰሎም ብኢንተርነት ዘመልክቱሉ ቅጥዒ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑ ኣሎ።

ፍርያቱ ናብ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ኣውስትራልያን ሲንጋፖርን ካልኦት ሃገራትን ይለኣኹ እዮም።

ኣብታ ልዑል ደረጃ ቍጽጽር ጽሬት ዘለዋ ጃፓን ናብ ዓማዊል ዝበጽሐ መግቢ ዳግማይ ክእከብ ሳሕቲ እዩ።

ይዅን እምበር ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመግቢ ዝምልከት ሓያሎ ናይ ጥዕና ስግኣታት ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሚያጊ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተምሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ዝቐርብ ጸባ ምስ ሰተዩ ሓሚሞም ነይሮም።

ኣብ መጋቢት ከኣ ኣፍራዪ መድሃኒት ኮባያሺ ፋርማሲቲካል፡ ኮሌስትሮል ንምንካይ ዝዓለመ መመላእታ መግቢ [‘ሳፕልመንት’] ዓማዊሉ ብወለንታኦም ንኽመልሱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ምስ ፍርያቱ ምትእስሳር ክህልዎም ዝኽእል ጉዳይ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ‘ሰቨን-ኢለቨን’ ብዝብል ዝፍለጥ ሰንሰለት ድኳናት ካብ ሩዝ ኣብ ዘዳልዎ መግቢ ድዱዕ ድሕሪ ምርካቡ ይቕሬታ ሓቲቱ ንፍርያቱ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ ነይሩ።