ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ደው ክብል ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, DW INTERNATIONAL
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለዉ ፆታዊ ጥቕዓትን መጭወይትን ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ዓዲ ግራትን መቐለን ተኻይዶም።
እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ዘካየደኦ ሰለማዊ ሰልፊ እቲ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት እናገደደ ዝመፅአ ጥቕዓት፣ መቕተልትን መጭወይትን ደው ንኽብልን ግዳያት ግቡእ ፍትሒ ክረኽባን ብዓውታ ድምፀን ኣስሚዐን።
ከምኡ ድማ፡ እቲ ጥቕዓት ደው ኣብ ምባል ኩሉ ትግራዋይ ሓላፍነቱ ክፍጽምን ብገበን ዝተጠርጠሩ ድማ መምሃራይ ስጉምቲ ክውሰዶምን ከምዝሓተታ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ብሰልኪ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ዓድዋ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣሰራ ጠፊኡ ዝነበረት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐቲላ ድሕሪ ምርካባ፡ ኣስከሬና ካብ ዝተቐብረሉ ጉድጓድ ተፋሒሩ ብስርዓት ክዓርፍ ተገይሩ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክልተ ተመሳሳልቲ ዘስካሕኽሕ ቅትለት ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታን ፍትሕን ሕቶታት ክለዓል ይገብር ኣሎ።
እተን ኣብ መቐለ ዝወፅኣ ሰልፈኛታት፡ ካብ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ተበጊሰን ናብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘምረሓ ዀይነን፡ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ክረኽባ ፃዕሪ ምግባረን ተሓቢሩ።
ኣብ ክንዲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ኣይተ ሓዱሽ ተስፋ ነተን ሰልፈኛታት ዘዘራረበ ኰይኑ፡
ንሱ ነቲ ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣፍልጦ ሂቡ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ምዝራቡ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀቢፂቡ።
"ሕግን ስርዓትን ንምዕቃብን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ክንሰርሕ ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ካብተን ተሳትፍቲ ሓንቲ ዝዀነት ብርኽቲ ሃይለ፡ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዝወርድ ዘሎ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስንባደ ከቢድ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ሕብረተሰብ ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ክከላኸል ከምዘይከኣለ’ እውን ሞጒታ።
እቶም ሰልፍታት ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝተወደበ ዝተዛረበት ብርኽቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እንተዀነ' ውን ኣብ መላእ ከተማታት ትግራይ ክካየድ ከምዝተፀወዐ ኣዘኻኺራ።
ኣብቲ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሎማዓንቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፋ ሰፈኛታት፡ ኣብ ኣውራ ጎደናታት እታ ከተማ እናዘራ ድምፀን ዘስመዓ ዀይነን፡ እቲ ኣነዋሪ ተግባራት፡ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝግህዝ ከምዝዀነ ድምፂ ወያነ ካብቲ ከባቢ ፀብፂቡ።
እቲ ‘ሻራዊ’ ተባሂሉ ዝሕመ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ መጥቃዕቲ ክከላኸልን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክደፍእን ኣይረአን ተባሂሉ ክንቀፍ ፀኒሑ እዩ።
ካብተን ሰልፈኛታት 'መን'ያ ትግራይ'፣ 'ትግራወይቲ እኖ ክሳብ መዓስ እያ ክትነብዕ'፣ 'ይኣክል፡ ትግራወይቲ ኣደ መዓስ እያ ፃዕዳ ትኽደን" ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዘን ዝወፅአ ዀይነን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ልዕሊአን ዝተዳዕነነ ግፍዒ ዘንፀባርቑ እዮም።
ገለ እሙናት ፀብፃባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፡ ሰነዳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብ ብኣሸሓት ዝቝፀራ ደቂ ኣንስትዮ ዘስካሕኽሕ ፆታዊ ባርነትን መጥቃዕትን ከምዝተፈጸመን የመልክቱ።
እንተዀነ፡ እቲ ተኹሲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ካብ ዝብል ዓመተን መንፈቕን እንተቑፀረ'ኳ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ትግራይ ዝፍጸም ግፍዕን መጭወይትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







