እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጀላቡ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ፈረንሳን ብሪጣንያን እንታይ’ዩ?
ንመትረብ ኢንግሊዝ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣብ "ናይ መወዳእታ ደረጃ" ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
ሪሺ ሱናክ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተራኸበሉ እዩ እዚ መግለጺ ተዋሂቡ ዘሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መራሒ ፈረንሳ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ንብዝሒ እቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ሰባት ንምቁጽጻር "ሓደ ቀሊል ፍታሕ ከምዘየለ" ገሊጹ።
እንተዀነ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ብቐረባ ናይ ምስራሕ ዕድል ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክቐርብ ምዃኑ’ውን ኣአንፊቱ’ሎ።
ቤተ መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ብድሆ ዘይስሩዕ ስደት ንምቅላስ ውህደቶም ንምጥንኻር" ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጡ።
ሪሺ ሱናክን ማክሮንን ብጐድኒ እቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ27 [COP27] እዮም ተራኺቦም።
ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ሱናክ፡ "ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽትና ብሓባር ብምስራሕ ለውጢ ከነምጽእ ከምእንኽእል፡ ነዚ ብድሆ ዘይሕጋዊ ስደት ክንቈጻጸሮን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ሰባት ደው ከም ዝብሉ ንምግባር ከምእንኽእልን ዘረጋግጽ ዝተሓደሰ ርእሰ ተኣማንነትን ተስፋን ሒዘ ይኸይድ ኣለኹ” ኢሉ።
ይዅን እምበር፡ እዚ "ዝተሓላለኸ ጉዳይ ምዃኑ" ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ።
ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ መትረብ ዝሰገሩ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ኣብ 2018 ኣሃዛት ክእከብ ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ።
ብርክት ዝበሉ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ኣብ ዝቐረበ ህጹጽ ሕቶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ስክፍታኦም ኣልዒሎም ነይሮም።
ኣብ ኖቲንግሃምሻየር ንኣሽፊልድ ዝውክል ሊ ኣንደርሰን፡ ብዙሓት ካብ ተወከልቱ መንበሪ ክረኽቡ ኣብ ዘይከኣሉሉ እዋን፡ ን "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት" መንበሪ ኣባይቲ ምቕራብ መሪር ምዃኑ ገሊጹ።
ንፈረንሳን "ጸጋማውያን ጠበቓታትን" ምውቃስ ትርጕም ከምዘይህልዎ ብምሕባር፡ "መዓስ ኢና ምልስ ኢልና ቅኑዕ ነገር ክንገብርን [ንስደተኛታት] ኣብታ ዝኣተዉላ መዓልቲ ንመልሶም?" ክብል ሓቲቱ።
ካልኦት ብዙሓት እውን ኣብተን ዝተመረጹለን ከባቢታት ዝርከባ ሆቴላት፡ ስደተኛታት ንምትእንጋድ ብዛዕባ ብቕዓተን ብምጥቃስ ስክፍታኦም ይገልጹ።
መንግስቲ፡ ቍጽሪ ዝሳገሩ ስደተኛታት ምውሳኹ፡ ኣብ ማንስተን-ኬንት ኣብ ዝርከብ ማእከል መስርሕ ዑቕባ፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ንኽፍጠር ምኽንያት ከምዝዀነ ይሕብር።
እቲ ማእከል ብግዝያውነት 1600 ሰባት ጥራይ ከአንግድ ዝተዳለወ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ኣስታት 4000 ስደተኛታት ኣዕቊቦምሉ ከምዝነበሩ ይእመን።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሮበርት ጀንሪክ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ማንስቶን ዘሎ ቍጽሪ መሊሱ ትሕቲ 1600 ከምዝዀነ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ’ሎ።
መንግስቲ ስደተኛታት ኣብ ሆቴላት ክጸንሑ ምግባር ደው ከብሎ ከምዝደሊ ዘመልከተ ጀንሪክ፡ "እታ ሃገር ኣብ ዓመት ቢልዮናት ፓውንድ ንሆቴላት ከተውጽእ ዘላቒ ኣይኮነን" ክብል ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ።
"ምቾት ዘለዎ" መንበሪ ኣባይቲ ነቶም መትረብ ንምስጋር ዝሓስቡ ስደተኛታት ስሕበት ዝፈጥር ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር፡ መንግስቲ ኣክንድኡ “ኣብ ሰፋሕቲ ቦታታት ምቕሉል ግን ከኣ መሰረታዊ መንበሪ ኣባይቲ ንምሃብ" ክሰርሕ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ቤል ሪቤሮ-ኣዲ ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር "ምቾት" ዝብል ቃል ብምጥቃሙ ነቒፋቶላ።
እተን ዝበጽሐተን ሆቴላት፡ ኣብ "ዝተጻበበ ኵነታት" ዝነብሩን ብወራር ባልዓት ዝሳቐዩን ስድራቤታት ኣብ "ዘስካሕክሕ" ኵነታት ከምዝነብሩለን ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣባላት ኮሚተጉዳያት ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ጣሊባን ንዝሃድሙ ኣፍጋናውያን ዝርከብዎም ሓተትቲ ዕቑባ፡ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ 7 ሚልዮን ፓውንድ ንሆቴላት ከም እተውጽእ ተነጊርዎም ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቐዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኰይና ዝተመዘዘት ሱኤላ ብራቨርማን፡ ነቲ ኣብ ማንስቶን ዝነበረ ጸቕጢ ንምቅላል ብዝብል ነቲ ዝወሃብ ሕጋዊ ምኽሪ ዕሽሽ ምባል ወይ ምቁራጽ፡ ምጥቃም ሆቴላት ተቐባልነት የብሉን ክትብል ነጺጋቶ።
ብራቨርማን ነቲ ኣብ ማንስቶን ዝነበረ ኵነታት ኣጋዲዳቶ ድያ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ሚስተር ሱናክ፡ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ቁጽሪ ከምዝንኪ ክትገብር ከምዝጸንሐት ብምግላጽ፡ "ኣብዚ ድማ ኣዝዩ ዝነኣድ ውጽኢት ነምጽእ ኣለና ኢና" ኢሉ።
ግራንት ሻፕስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓጺር እዋን ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ ማንስቶን "ዘይወግዓዊ መዳጐኒ ማእከል ንምግባር ይስራሕ ነይሩ" ክብል ምንቃፉ ይዝከር።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት "ብዘይ ፍላጥ ይዳጐኑ ኣለዉ" ዝብል ስክፍታታት ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ሕጋዊ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ጸሓፊ ንግዲ ዝዀነ ሚስተር ሻፕስ፡ መንግስቲ ሕጊ ከኽብርን እቲ ቦታ "መዳጐኒ ማእከል ከምዘይኰነ ንምርግጋጽ" ኣብ ኣሰራርሓ ለውጢ ከምጽእን ድልየት ከምዝነበሮ ወሲኹ ሓቢሩ።