ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከምእተብል ገሊጻ

ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ንኣባላት ባይቶ ሃገራ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንዋሕዚ እቶም ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ደው ከተብሎ ምዃና ገሊጻ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ነተን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሰን ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ሃገራ ዝኣትዋ ጀላቡ ደጋጊማ እናጠቐሰት “ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር ደቂ ሰባትን ደው ከነብሎ ኣለና” ኢላ።

ኢጣልያ ንዓመታት መረገጽ-እግሪ ናይቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ እትኸውን ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ።

ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ጥራይ ልዕሊ 77 ሽሕ ስደተኛታት ውሕስነተን ብዘይተረጋገጸ ጀላቡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ጓል 45 ዓመት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ንሰልፊ ‘ብራዘርስ ኦፍ ኢታሊ’ ብምምራሕ’ያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ክኢላ።

ጆርጅያ ሜሎኒ “ካብ ኵናትን መጥቃዕትን ሃዲሞም ዝመጽኡ ዕቑባ ክሓቱ መሰል ከምዘለዎም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን” ብምባል ሃገራ ዝያዳ ነቶም ኣሰጋገርቲ ብምቁጽጻር ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክትሰርሕ ምዃኑ ንባይቶ ሃገራ ኣብሪሃ።

እዛ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝኸኣለት ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ኣብቲ ንኽትመረጽ ትገብሮ ዝነበረት ጐስጓስ ዋሕዚ ስደተኛታት ክትንክዮ ምዃና ብተደጋጋሚ ትገልጽ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ መደረ ቅድሚ ምስምዓ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማትዮ ፕያንተዶሲ፡ ሃገሩ ነተን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት [ካብ ምጥሓል] ንምድሓን ክሰርሓ ዝጸንሓ ኦሽያን ቪኪንግ ከምኡ'ውን ሁማኒቲ 1 ዝተበሃላ ክልተ መራኽብ ህይወት ኣድሕን፡ ሕጊ ኣየኽብራን ብምባል ኣብ ወደባት ሃገሩ ከይዕሸጋ ክኽልከላ ምዃነን ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ሚኒስተር ማትዮ ፕያንተዶሲ፡ ኣብ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ወደባት ሃገሩ ከይጽግዓ ዝኽልክል ፖሊሲ ኣብ ምንዳፍ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 2019፡ 147 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ሲሲሊ ከይተራግፎም ብኸቢድ ካብ ዝሞጐቱ ምንባሩ’ውን ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣስታት 1350 ካብ ሊብያ ብኽልተ ጀላቡ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኰይኖም ናይ ርድኡና ጻውዒት ምስ ኣስምዑ፡ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ከምዝራገፉ ተገይሮም ኣለዉ።

ንመርከብ ሁማኒቲ 1 ዘመሓድር ኤስኦኤስ ዝተበሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኰይኑ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኢጣልያ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ [ሁማኒቲ 1 ኣብ ወደባት ኢጣልያ መልሕቓ ከይትድርቢ ዝኽልክል ሕጊ] ከምዘይተሓበሮም ብምግላጽ፡ እዚ እንተዀይኑ ግን ኣንጻር ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ባሕሪ ምዃኑ ኣብሪሁ።