እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጣልያ፡ ዓሌትነት ማዕረ ክንደይ'ዩ ንጸለምቲ ዝድህል ዘሎ?
ብዙሓት ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ጸለምቲ፡ “ዓሌትነት” ኣብታ ሃገር ብዕቱብ ከም ዘይጥመት እዮም ዝገልጹ።
ኣርያም ተኽለ ዝተባህለት ኢጣልያዊት-ኤርትራዊት ኣፍራይት ፊልምን ፖድካስተርን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ጐደና ዝሽቅጥ ስንኩል ናይጀርያዊ ኣሊካ ኦጐርቹኩዉ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ "ዓሌታዊ ቅትለት" ምዃኑ ኣይትጠራጠርን።
ፖሊስ ግን፡ ምኽንያት እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲቪታኖቫ ማርቸ ዝተፈጸመ ቅትለት እቲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓሌትነት ዝተደረኸ እዩ ንዝብል ሓሳብ ይነጽግ።
ኣሊካ፡ መንዲል ይሸይጥ ከምዝነበረን ተሃንዲዱ ብዝሰዓቦ ኢጣልያዊ ተሃሪሙ ከምዝሞተን’ዩ ዝንገር።
ነቲ ብብርሃን ቀትሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይርእዩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ግን፡ ዋላ ሓደ’ኳ ክገላግል ክፍትን ኣይተራእየን።
እቲ ጕዳይ ቅትለት ኣብ ዝምርመረሉ ዘሎ እዋን፡ ፊሊፖ ክላውድዮ ጁሰፐ ፈርላዞ ዝተባህለ ጻዕዳ፡ ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ።
ሓደ መርማሪ ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ ኦጎርቹኩዉ መናዲል እናሸያየጠ ነቲ ጥርጡርን መጻምድቱን ማልስ ክሓድጉሉ "ኣጥቢቝ" ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ፡ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ዘስካሕክሕ ቅትለት ጸሊም ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ኢጣልያ ንዘሎ ዓሌትነት ልዑል ትዅረት ክረክብ ደሪኹ እዩ።
ኣብ 2016፡ ኣማኑኤል ቺዲ ናምዲ ዝተባህለ ካልእ ናይጀርያዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፈርሞ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ካብ ዓሌታዊ ግህሰት ድሕሪ ምክልኻሉ ከም ዝተቐትለ ይፍለጥ።
ድሕሪ’ዚ ፍጻመ ድሕሪ ክልተ ዓመት - 2018፡ ካብዚ ሕጂ ሚስተር ኦጎርቹኩዉ ተቐቲሉሉ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓደ ኣኽራሪ- ሕሉፍ የማናዊ፡ ካብ መኪናኡ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ተዅሲ፡ ሽዱሽተ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብጥይት ተሃሪሞም።
ፈጻሚ’ቲ ገበን ብፖሊስ ኣብ ዝተታሕዘሉ፡ "ቪቫ ኢጣልያ" እናበለ፡ ንነብሱ ብባንዴራ ኢጣልያ ጠቕሊሉ፡ "ንዅሎም ክቐትሎም" ከም ዝደሊ ነጊሩ።
ብርግጽ፡ እዚ ዞባ ‘ለ ማርቸ’ ካብ 2020 ጀሚሩ በቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ‘ፍራተሊ ዲ ኢጣልያ (ኣሕዋት ኢጣልያ) እዩ ዝመሓደር ዘሎ።
እቲ ሰልፊ፡ ብጆርጅያ ሜሎኒ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ እንተተዓዊታ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ክትከውን ትኽእል እያ።
እቲ ሓደ ዝዓበየ ሰልፊ ኰይኑ ክቕልቀል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሰልፊ፡ ኣካል ናይቲ ብማትዮ ሳልቪኒ ዝምራሕ ሰልፊ የማናዊ ሊግን ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ዝምራሕ ‘ፎርዛ ኢጣልያ’ ን ዝሓቘፈ ሰፊሕ ዓቃባዊ ግንባር ክኸውን እዩ።
ኣርያም ተኽለ፡ ኣብ ኢጣልያ ጸለምቲ ሰባት ብቐጻሊ ዓሌታዊ ዓመጽ፡ ምግፋዕን ኣድልዎን ፖሊስ የጋጥሞም፡ ምምጻእ የማናውያንን ጸረ ስደተኛታት ዝዀኑ ውድባትን ድማ ዓሌትነት "ንቡር" ከምዝኸውን ገይሮምዎ እዮም፡ ክትብል ትዛረብ።
ንሳ ወሲኻ፡ መብዛሕትኦም ኢጣልያውያን ግን፡ ዓሌትነት ኣብ ሃገሮም ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ኣይኰነን ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዞም እዮም ዝዓብዩ፡ ትብል።
"ኵሉ ግዜ ንሳቶም፡ 'ድንቁርና' ወይ ካልእ'ዩ እዮም ዝብሉ። ኣብ ኢጣልያ ዓሌትነት ከምዘሎ ክእመኑ ኣይደልዩን። ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣንያ ዝኸፍአ ምዃኑ እዮም ዝከራኸሩ።"
ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኢጣልያ፡ ኣፍደገ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ጃምላዊ ስደት ብምዃን ክትፍለጥን፡ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ብብዝሒ ዘረኣዩለን ቦታታት ኤውሮጳን ኰይና ኣላ።
እታ ሃገር ነዚ ታሪኻዊ መቐይሮ ንምጽዋርን ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ጥልያን ብዕዉት ኣገባብ ንምውህሃድን ክትቃለስ ጸኒሓ እያ።
ኣርያም፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ማእከላይ ደርቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ስድራቤታ ኣብ ኢጣልያ ንሓሙሽተ ዕቝድ ዝጸንሑ’ኳ እንተዀኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ [ኢጣልያ] ከም ኣካሉ ከም ዘይወስዳን ከም እትዋሰንን ትዛረብ።
"ብላህጃ ሚላኖ እየ ዝዛረብ፡ ኵሉ ግዜ ግን ካበይ ከም ዝመጻእኩ እዮም ዝሓቱኒ።”
ኢጣልያ፡ ነቶም ካብ ስደተኛታት ወለዲ ዝተወልዱ፡ ብቐጥታ ኢጣልያዊ ዜግነት ምርካብ፡ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ገይራቶ እያ። ብቐጥታ መሰል ዜግነት ዝረኽቡ ዘይኰነስ ንኸመልክቱ ክሳብ 18 ዓመት ዝኣኽሉ ክጽበዩ ኣለዎም። እዚ ድማ ዝያዳ ከም መጻእተኛታት ኰይኑ ክስምዖም ዝገብር እዩ።
ኣሌስያ ረይና ዝተባህለት ተመሃሪትን ኣባል መርበብ ጸረ-ዓሌታውነትን፡ ዋላ'ኳ ኣዝያ ኢጣልያዊት እንተዀነት፡ ጸላም ብምዃና ግን ፈጺማ ኣፍልጦ ከም ዘይረኸበት ትዛረብ።
ሚስ ረይና ካብ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ኣቦን ኣፍሮ-ፔሩቭያዊት ኣደን ኣብ ሮማ ተወሊዳ።
ኣብ ጥቓ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ኸኣ ዓብያን ተማሂራን። እንተዀነ ትምህርታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክትቅጽል'ያ መሪጻ።
ረይና፡ “ኢጣልያ ንጕዳያት መዋቕራዊ ዓሌትነት ክትፈትሖ” ድልውቲ ከምዘይኰነት ትዛረብ።
ንሳ፡ ንጕዳይ ቢዩቲ ዳቪስ ዝተባህለት ናይጀርያዊት ጓለንስተይቲ ትጠቅስ።
ቢዩቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ካላብሪያ ኣብ ዝበሃል ከተማ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ሓጻቢት ሸሓውንቲ ኰይና ትሰርሕ ኰይና፡ ደሞዛ ብምሕታታ ብጽፍዒት ዝተሃርመት እያ።
"ክትክፈል ጥራይ እያ ሓቲታ፡ እንተዀነ ጽፍዒት ወሪዱዋ። ጻዕዳ ጓለንስተይቲ ብኸምኡ ዓይነት ትጥቃዕ ኣይመስለንን፡" ትብል ረይና።
እታ ተዓዋቲት ሽልማት ዝዀነት ኢጣልያዊት-ሶማላዊት ጸሓፊት ልብ-ወለድ ኡባ ክርስቲና ዓሊ ፋራሕ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያኣ ትገልጽ።
ንሳ፡ እቶም ብዛዕባ መግዛእታዊ ታሪኽ ሃገሮምን፡ ኣብ ተመኵሮታት ዘይጸዓዱ ኢጣልያውያን ብኸመይ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእልን ዝፈልጡ ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ትዛረብ።
ኢጣልያ፡ ንኤርትራ፡ ሶማልያን ሊብያን ገዚኣ፤ ኣብ 1930ታት ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ቤኒቶ ሙሶሊኒ እውን ንኢትዮጵያ ጐቢጣ ነይራ እያ።
ስድራቤት ኡባ ዓሊ ፋራሕ ኣብ ኢጣልያ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝነበሩ’ኳ እንተዀኑ፡ "ነቶም ምስ ኢጣልያ መግዛእታዊ ምትእስሳር ዘለና’ኳ ከም ኢጣልያውያን ኣፍልጦ ዘይሃቡናስ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ነቶም ብጀላቡ ባሕሪ ሰጊሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ኣፍልጦ ክህብዎም?" ትብል።