እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም
ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ብቐዳም ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብ24 ንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
ኣብዚ ወርሒ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት 6,395 በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ዓመተ 2021 ብሓፈሻ 28,461 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቝራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ነይሮም።
ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2022 ግን፡ ቍጽሪ ናይቶም ነቲ መትረብ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ 39,430 ክብ ክብል ክኢሉ'ሎ።
ጉዳይ ስደተኛታት ዝጻረየሉ ማእከል ማንስቶን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሰባት ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ቀዳም ጥራይ 990 ስደተኛታት ነቲ መትረብ ኣቋሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።
ደቪድ ኒል ዝተበሃለ መርማሪ ጉዳይ ዶብን ስደተኛታትን፡ ናብቲ እቶም ስደተኛታት ዝርከቡሉ ማንስቶን ብምብጻሕ እቲ ቦታ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ ሒዙ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ማንስቶን፡ ካብ 1600 ዘይበዝሑ ስደተኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ’ኳ እንተለዎ፡ ኣብዚ እዋን ግን 2800 ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ ደቪድ ኒል ገሊጹ።
ካብቶም ብቐዳም ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኣልባናውያን ምዃኖም ተሓቢሩ።
እቶም ሓተትቲ ዑቕብ ስደተኛታት፡ ኣብ ርዋንዳ ክኸዱን ጉዳዮም ኣብኡ ክርአ ኣለዎ ዝብሉን ሰብ መዚ፡ ነዚ ናይ ቀዳም ክስተት ምርኩስ ብምግባር ሓሳቦም ከትርርዎ ጀሚሮም ኣለዉ።