ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሮቦት ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሮቦት ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ

ምንጪ ስእሊ, ABUGIDAROBOTICS

ሎረንስ ቴክኖሎጂያዊ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዘዳልዎ ዓመታዊ ውድድር ሮቦቲክስ ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተዓዊቶም።

እቶም ሽልማቶም ሒዞም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኰይኖም፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ማእከል ቴክኖሎጂ ሮቦቲክስ ኣቦጊዳ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ከሰልጥኑን ከቕርቡን ጸኒሖም።

ማእከል ቴክኖሎጂ ሮቦቲክስ ኣቡጊዳ ምስ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብርሆትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ዝሰልጠኑ እዞም ተምሃሮ፡ ዝሰርሕዎም ሮቦታት ሒዞም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ውድድር 'ሮቦፌስት ተሳቲፎም።

እቶም ኣብዚ ውድድር ዝቐረቡ ተምሃሮ ትሕቲ 12 ክፍሊ፡ ንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እዮም ተሳቲፎም።

እቶም ተዓወትቲ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዕድል ትምህርቲ ከምዝረኸቡን ብተወሳኺ መዳልያን ዋንጫን ከምዝተሸለሙ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቦጊዳ ሮቦቲክስ ቴክኖሎጂ ምሕረት ዋልጋ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብርሆት፡ ኣቦጊዳ ንዘሰልጥኖም ተምሃሮ ዝኸውን ናውቲ ስልጠና ከምዘቕረበን፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ነቶም ተምሃሮ ከም ዝመወለን ገሊጻ።

እቲ ውድድር 16 ምድባት ከም ዝነበሮ ዝገለጸት ምሕረት፡ ኣብቶም ሓሙሽተ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ጕጅለታት ከም ዝተሳተፋ ኣብሪሃ።

ካብቶም ዝተወዳደሩሎም ምድባት ድማ ኣብ ሰለስተ ተዓዊቶም ሽልማት ተቐቢሎም።

ኣብቶም ካልኦት ክልተ ውድድራት ድማ ሓምሻይን ሻድሻይን ደረጃ ረኺቦም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መስራቲትን ዳይረክተርን ማእከል ሮቦቲክስን ቴክኖሎጅን ኣቡጊዳ ምሕረት ዋልጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብቶም ተምሃሮ ሻብዓይን ሻሙናይን ክፍሊ ዝሰርሕዎም ምህዞታት፡ ዋዒን ቍሪን ዘመጣጥን ጃኬት ከም ዝርከቦ ጠቒሳ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ መካኒካል ኢንጅነሪን መምህር ዝዀነት ምሕረት፡ "እቶም ተምሃሮ ዝሰርሕዎ ጃኬት ሙቐት ዝዕቅን ብኡንብኡ ድማ ግቡእ መጠን ሙቐት ወይ ዛሕሊ ክህሉ ዝገብር’ዩ" ኢላ።

ነዚ ጃኬት ንምስራሕ፡ ዝተፈላለዩ ቀመራትን ሞዴላትን ማተማቲክስን ፊዚክስን ኣማዕቢሎም’ዮም።

እዚ ጃኬት ሓሚሞም ዓራት ዝሓዙ፡ ንምግልባጥ ዝሽገሩን ሰባት ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ወሲኻ ሓቢራ።

“እቶምዓራት ዝሓዙ ሕሙማት፡ ከይተገልበጡ ነዊሕ ግዜ ስለዝጸንሑ ቃንዛ ሕቘ ኣለዎም፤ እዚ ጃኬት ግን ሙቐት ኣካላቶም ብምዕቃንን ዘድልዮም ሙቐት ብምሃብን ይሕግዞም።"

ኣብ ዝተፈላለየ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ዝሰርሑ ሰባት እውን ክጥቀምላ ከምዝኽእሉ ኣመልኪታ።

"ንኣብነት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኣብ ተለዋዋጢ ኵነታት ኣየር ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም" ትብል።

ካልእ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ካብ 10ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝምሃሩ መንእሰያት እዮም።

ንሳቶም፡ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ኢንዳስትሪ ዝፍጠር ብከላ ኣየርን ሓደጋ ባርዕን ንምክልኻል ዝሕግዝ ሮቦታዊ ስርዓት ክሰርሑ ክኢሎም’ዮም።

ብኢንዱስትሪታት ዝፍኖ በከልቲ ጋዛት ክዕቅንን ክሕብርን ዝኽእል ፈጠራዊ ስራሕ ካልእ ተምሃሮ ዝተወዳደሩሉን ዝተሸለምሉን ምዃኑ ምሕረት ሓቢራ።

እቲ ሮቦታዊ ስርዓት ካብቲ ኢንዱስትሪ ክንደይ ዝኣክል ትኪ ናብ ኣየር ይለቅቕ ከምዘሎ ክምዝግብ ዝኽእል’ዩ።

ነዚ ሓበሬታ ናብ ኮምፒዩተር ብምእታው ካብቲ ኢንዱስትሪ ክንደይ ዝኣክል ብከላ ጋዝ ናብ ኣየር ከምዝተፈነወ ክሕብር ከምዝኽእል’ውን ገሊጻ።

ካብዚ ወጻኢ እቲ ባርዕ ዘጥፍእ ሮቦት እውን ምህዞ እቶም ተምሃሮ እዩ።

እዚ ሮቦት ብኸመይ ከምዝሰርሕ ክትገልጽ እንከላ፡ ምሕረት፡ "ኣብ ኢንዱስትሪታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደርቢ ትኪ ከለሊ ዝኽእል መሳርሒታት ይትከሉ። እዚኦም ትኪ ከምዘሎ ምስ ኣለለዩ፡ ናብቲ ሮቦት ብቐሊሉ መልእኽቲ ይሰዱ። እቲ ሮቦት መልእኽቲ ምስ በጽሖ ብቐጥታ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምቕናዕ ባርዕ እንተሃልዩ ናይ ምጥፋእ ስራሕ ይፍጽም” ኢላ።

እቲ ባርዕ ምስ ጠፍአ፡ እቲ ትኪ ከምዘሎ ዝሕብር መሳርሒ ብኡንብኡ መጠንቀቕታ ምሃብ ደው የብል።

ኣብቲ ውድድር ዝተረኸበ ሽልማት

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሎረንስ ዘዳለዎ ውድድር፡ ካብ 33 ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ፈጠራዊ ስርሓት ተሳቲፎም እዮም።

"ክንዕወት ኢና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን" ትብል ምሕረት።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፈጠራዊ ስርሓቶም ሒዞም ዝመጹ ተወዳደርቲ ምዕቡል ቴክኖሎጂታት ተጠቒሞም እዮም።

"ንሕና በቲ ዝነበረና ንዋት ኢና ንሰርሕ ነይርና" ብምባል ክንዕወት ኢና ዝብል እምነት ከምዘይነበራ ትገልጽ።

እቶም ዝተዓወቱ ተምሃሮ ካብታ ኣአንጋዲት ዩኒቨርስቲ መዳልያ፡ ዋንጫን ናጻ ዕድላት ትምህርቲን ረኺቦም እዮም።

"ዓቢ ዓወት እዩ ነይሩ" ብምባል ካልእ ዝሓሸ ፈጠራዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘተባብዕ ምዃኑ ተብርህ።

ተምሃሮ ኣብ ጸገም ዝፈትሑ ምህዞታት ከተኵሩ እተተባብዕ ምሕረት፡ “ተምሃሮ ናብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣብ ማእከልና ብፈጠራዊ ኣተሓሳስባ ስልጠና ይወሃቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸገም ዝፈትሑ ዝበልዎም ፈጠራዊ ሓሳባት ኣቕሪቦም ስራሕ ይጅምሩ" ትብል።

እቶም ተመሃሮ ንምህዞኦም ከቕርቡ እንከለው

ምንጪ ስእሊ, ABUGIDAROBOTICS

መጻኢ መደብ

ምሕረት፡ ማእከል ሮቦቲክስን ቴክኖሎጅን ከፊታ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ መሰል ዋንነት ዝረኸበትሎም ምህዞታት ኣለውዋ።

“ናይ መጀመርታ ፓተንተይ ንምርካብ ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ከለኹ እየ ኣመልኪተ። 12 ክፍሊ ቅድሚ ምውድአይ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ንግዲ ዝጅምረሉ ነገር ክፈጥር እየ ዝብል እምነት ነይሩኒ” ትብል።

ምሕረት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንኣቦጊዳ ክትምስርት ከላ ዕላማኣ፡ ነቶም ሕጂ ዘለዉ መንእሰያት ንሳ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ክትፍጽሞ ዘይከኣለት ነገር ንኽፍጽሙ ንምሕጋዝ ምዃኑ ትዛረብ።

"ብዘይካ’ዚ፡ ኣፍሪቃ ብምህዞ ቴክኖሎጅን ሮቦቲክስን ውሑስ መጻኢ ንኽህልዋ ሕልሚ ሒዝና ኢና ተላዒልና።"

ኣብዚ እዋን ዘለዉ መንእሰያት ናብ ስራሕ ዓለም ክጽንበሩ እንከለዉ ሓደሽቲ ስርሓት ቴክኖሎጂ ተፈጢሮም ከምዝጸንሕዎም ትገልጽ ምሕረት፡ ነዚ ዕድላት ብቝዓት ዝዀኑ ኢትዮጵያውያንን ኣፍሪቃውያንን መንእሰያት ንኽህልዉ ብኣጋኡ ምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ትዛረብ።

ምሕረት ኣብ ማእከል ኣቦጊዳ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ካብ መስከረም ክሳዕ ሰነ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ንመንእሰያት ተምሃሮ ስልጠና ትህብ።

ኣብቲ ትካል ቍጽሪ ናይቶም ብነጻ ስልጠና ክረኽቡ ዝሓቱ ተምሃሮ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ምሕረት ትገልጽ። እንተዀነ ብቕዓት እቶም ተምሃሮ ኣብ ግምት ብምእታው ንዝተወሰኑ ተምሃሮ ጥራይ ዕድል ምሃብ ከምዝከኣል ተረድእ።

ኣብቲ ትካል ንዝርከቡ ተምሃሮ ወጻኢታት ዝሽፍኑ ውልቀ ሰባት ወይ ትካላት እንተሃልዮም ግን ብዙሓት ተምሃሮ ብምቕባል ምምሃር ከምዝከኣል ትጠቅስ።

ኣቦጊዳ ሮቦቲክስ ካብ ዝምስረት ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኬንያን ሩስያን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ዝተዓወቱ ተምሃሮ ከምዘፍረየት ትዛረብ።