ኣብ ዝጸደፈት መኪናኡ ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝተቐርቀረ ሰብ ብህይወት ተረኺቡ

ወዲቓ ዝተሓምሸሸት መኪና

ምንጪ ስእሊ, INDIANA STATE POLICE

ኣብ ኣመሪካ ኢንዲያና ድሕሪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ትራፊክ ንሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ድልድል ኣብ ጋቤና ተዓጽዩ ዝነበረ ውልቀሰብ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኺቡ።

ማሪዮ ጋርስያን ወዲ ሓሙኡ ኒቫርዶ ደ ላ ቶረን ገፈፍቲ ዓሳ ክዀኑ ከለዉ ኣብታ ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ መንእሰይ ዝበጽሑሉ መዓልቲ ከኣ ንኣንስቶም እናተጸበዩ ግዜ የሕልፉ ምንባሮም ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እናሃለዉ ድማ ንወዲ 27 ዓመት ማቲው ሪዩም ኣብ ውሽጢ ጋቢና እታ ብ20 ታሕሳስ ናብ ትሕቲ ድልድል ዝወደቐት መኪናኡ ረኣይዎ።

ሽዑ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ሪዩም ሓንቲ እግሩ ክትቍረጽ እንከላ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሪዩም፡ በዓል ሞያ ብየዳ (ምልሓም ሓጺን) ኰይኑ ዝሰርሓሉ ‘ቦይለርሜከርስ ሎካል 374’ ዝተበሃለ ማሕበር፡ ኣባሉ ብረቡዕ ንግሆ ጸጋመይቲ እግሩ ከምዝተቘርጸት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

ማሪዮ ጋርስያ ነታ ወዲቓ ዝተጨፍለቐት መኪና ምስ ረኣይዋን ዘዋሪኣ ማቲው ሪዩም "ካብ ውነኡ ምስሓት" ምስ ተበራበረን ነቲ ንመራሒ መኪና ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘገልግል ቦርሳ ‘ኤይርባግ’ ናብ ደገ ከም ዘውጽኦ ገሊጹ።

ሽዑ እቲ መራሒ መኪና ኣብ ትሕቲ እቲ ድልድል ኣብ ጋቤና ተዓጽዩን ተቐርቂሩን ምቕናዩ ከምዝነገሮም ፖሊስ ኣብ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

"ከእውን ብዓውታ ሓገዝ ክሓትትን ፈቲኑ ግን ዝሰምዖ ሰብ ኣይነበረን" ክብል ጋርስያ እቲ ካብ ሞት ዝተረፈ መንእሰይ ዝነገሮ ዘኪሩ።

"ጸጥታ ጥራይ እዩ ነይሩ፤ ድምጺ ማይ ጥራይ እዩ ዝስማዕ።"

ሪዩም ኣብ መኪናኡ መግቢ ኣይነበሮን፤ ማይ ዝናብ እናሰተየ ግን ብህይወት ጸኒሑ።

መኪና ሪዩም ኣብ ትሕቲ ድልድል

ምንጪ ስእሊ, INDIANA STATE POLICE

ፖሊስ "እቶም በቲ ሩባ ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ ሰባት እንተዘይረኽብዎ ነይሮም እዚ ፍጻመ ዝተፈላለየ ውጽኢት ምሃለዎ ነይሩ" ኢሉ።

"እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ነታ መኪና ቅድሚ ምርካቦም ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዝሕብር ዝዀነ ጸብጻብ ኣይነበረን" ክብል’ውን ኣፍሊጡ።

እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ውልቀሰብ ብምርካቦም ኣዝዮም ከም ዝተሓጐሱ ገሊጾም።

"ሎሚ ምሸት ቍሪ'ዩ ዘሎ፤ ነዛ ምሸት ብህይወት ምተሳገራ ነይሩ ዝብል እምነት የብለይን" ይብል ሳጅን ፖሊስ ኢንዲያና ግለን ፊፊልድ።

ሓደ ካብቶም ዝረኸብዎ ዝዀነ ጋርስያ "[ማቲው ሪዩም] ኣብኡ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሐ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ሰብ ስለ ዘይነበረ ዳርጋ ተስፋ ከም ዝቐበጸ እዩ ነጊሩኒ" ኢሉ።