ሞዴል መካይን ሃዩንዳይን ኪያን ስለምንታይ ካብ ተጠቀምቲ ይሰሓባ ኣለዋ?

ሃዩንዳይ

ምንጪ ስእሊ, HYUNDAI

ኣብ ደቡብ ኮርያ ትካላት ኣፍረይቲ መካይን ዝዃና ሃዩንዳይ ሞተርን ኪያን ካብ ኣሜሪካ ኣስታት 92 ሽሕ ተሽከርከርቲ ይስሕባ ኣለዋ።

እዚ ምስሓብ ንሓያሎ ሞዴላት እተን መካይን ዝጸሉ እዩ።

ምንጪ እቲ ስግኣት ኣብ ፍንወት ዘይቲ ፓምፕ ዝርከብ ኤሌክትሪካዊ ክፍሊ፡ ልዕሊ ዓቐን ሙቐት ክፈጥር ስለዝኽእል እዩ።

እተን ኩባንያታት፡ ወነንቲ እተን መካይን ክሳዕ ዝምርመራ መካይኖም ኣብ ደገን ካብ ህንጻታት ኣርሒቖምን ደው ከብሉ ተላብዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሃዩንዳይ ን ኪያን ብተኸታታሊ መካይን ከም ዝሰሓባ ይፍለጥ።

ብመሰረት መግለጺ ኩባንያ ኪያ፡ ምስቲ ዳሕረዋይ ምስሓብ ብዝተኣሳሰር፡ ሽዱሽተ ጸብጻባት "ናይ ምሟቕ ኣጋጣሚታት" ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ ዝበጽሐ ሓደጋ ወይ መጉዳእቲ ግን የለን።

ንሃዩንዳይ ዝምለከቱ’ውን ኣርባዕተ ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ኣጋጢሞም እዮም፤ እቶም ፍጻመታት ግን ዝኾነ ሓደጋ፡ መጉዳእቲ ወይ ሞት ኣየስዓቡን።

ካብ ስግኣት ሓደጋ ባርዕ ብተወሳኺ፡ ዕንወት ሙቐት ንኻልኦት መራሕቲ ተሽከርከርቲ ዝጸሉ ፍሽለት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከስዕብ ከም ዝኽእል መግለጺ ሃዩንዳይ የመልክት።

"ወነንቲ ክሳዕ ጽገና ዝውዳእ መኪናኦም ኣብ ደገን ካብ መዋቕራት ርሒቖምን ደው ከብሉ ይምከሩ" ክብል ምምሕዳር ድሕነት ትራፊክ ሃገራዊ መንገድታት ኣመሪካ ተላብዩ ኣሎ።

"እቲ ናይ ዘይቲ ፓምፕ ኣብ ቁጽጽር ኤሌክትሪክ ጌጋ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ነቲ ፓምፕ ካብ መጠን ንላዕሊ ክውዕይን ኣብ ኤሌክትሪካዊ ኣካላት ጉድኣት ከስዕብን ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኩባንያታት ሃዩንዳይ ን ኪያን ንምምሕዳር ድሕነት ትራፊክ ሃገራዊ መንገድታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ድርያት ናይቲ ሓደጋ ከየስዕብ ዝተጠርጠር ክፍሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝተቛረጸ ገሊጸን ኣለዋ።

ዝተሰሓባ ሞዴል ሃዩንዳይ፡

ኤላንትራ፡ 2023

ኮና፡ 2023

ሶናታ፡ 2023

ቱሶንን፡ 2023

ፓሊሴድ፡ 2023-2024

ዝተሰሓባ ሞዴል ኪያ፡

ሲዮል፡ 2023

ስፖርቴጅ፡ 2023

ሰልቶስ፡ 2023-2024

ብተናጸል፡ ምምሕዳር ድሕነት ትራፊክ ሃገራዊ መንገድታት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ሃዩንዳይን ኪያን ልዕሊ 570 ሽሕ መካይን ከም ዝሰሓባ ብምግላጽ፡ "ወነንቲ መካይን እቲ ጌጋ ክሳዕ ዝእረም መካይኖም ኣብ ደገን ካብ ገዛውትን ካልእ መዋቕራትን ኣርሒቖም" ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ባርዕ ከስዕብ ዝኽእል ናይ ሞተር ጸገም ልዕሊ 13,500 ተሽከርከርቲ ሃዩንዳይ ካብ ኣውስትራልያ ከም ዝተሰሓባ ይፍለጥ።

ሃዩንዳይን ኪያን ንገዛእ ርእሰን ክኢለን ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት’ኳ እንተዀና፡ ክልቲአን ኣካል ሃዩንዳይ ሞተር ግሩፕ እየን።