ትሑት ቁፅሪ ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ሓደጋ በዚሑ?

ኣብ ክልል ኦሮሚያ መምህራን ዩኒቨርሲቲ መደወላቢ ዝሞቱሉ ሓደጋ ትራፊክ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ጋዜጠኛ ፍረሂወት ታምሩ ንብዙሕ ዓመታት OBN (Oromia Broadcast Network) ኣብ ዝተባህለ መደበር ተለቪዥን ክልል ኦሮሚያ ዜና ብምቕራብ እያ ትፍለጥ።

ኣብ 2001 [ግእዝ] ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽባቐ ተዓዋቲት ዝነበረት ፍረሂወት፡ ከም ኣምባሳደር እታ ከተማ ኰይና ኣብ ብዙሕ ናይ ግብረሰናይ ስራሓት ብምውፋር ጽቡቕ ንጥፈታት ኣካይዳ እያ።

ኣብ 2006 ግን ንስራሕ ገይሻትሉ ካብ ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣዳማ ክትምለስ ከላ ዘጋጠማ ዘሕዝን ሓደጋ ንስድራኣን ንዅሉ ዝፈልጣ ሰብን ኣዝዩ ዘሰንበደን ዘሕዘንን ኣጋጣሚ ነይሩ።

"እቲ መራሒ መኪና ምሉእ መዓልቲ መኪና ይዝውር ስለዝነበረ ደኺሙ ድቃስ ወሲድዎ። ካብኡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ መኪናና መንገዳ ስሒታ ስለዝተገልበጠት እዩ" ትብል ነቲ ፍጻመ ብምዝካር።

በቲ ሓደጋ ትራፊክ ሓንቲ እግራ ዝሰኣነት ፍረህይወት ነቲ ዘጋጠማ ኣካላዊ መጕዳእቲ ክትቅበሎ ተጸጊማ ምንባራ ትዛረብ። ኣካላዊ ስንኩልንኣ ኣብቲ እዋን ስነልቦናዊ ፀቕጢ ኣሕዲሩላ ነይሩ።

"ብሰንኪ እዚ፡ ካልእ ሓደጋ ትራፊክ ከምዘጋጠመ ኣብ ዝሰምዕሉ እዋን፡ ነቲ ዘጋጠመኒ የዘኻኽረኒ'ሞ ይስንብድ። ብዘይካ እቶም ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ዝስእኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ሓደጋ ስንኩላን ኰይኖም ኣብ ገዛኦም ዝተረፉ’ውን ብዙሓት እዮም" ትብል።

ጋዜጠኛ ፍረሂወት ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ጸጋማይ እግራ ስለዝተቖረፃ እቲ ክስተት ዘይርሳዕ ኣካላዊ በሰላ ከምዝገደፈላ ትገልፅ። ሓገዝ ስድራኣ ተወሲኽዎ ግን ካብቲ ዘጋጠማ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጉዳእቲ ሓውያ ናብ ስራሕ ተመሊሳ ኣላ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብሰብ-ሰርሖ እግሪ ተሓጊዛ መዓልታዊ ስርሓ ኣብ ምፍፃም ትርከብ።

ካብቲ እዋን ሓደጋ ጀሚራ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፣ መድረኻትን ካልእ ኣጋጣምታትን እናተረኸበት ብዛዕባ ሓደጋታት ትራፊክ ትምህርትን ተመኩሮን ተካፍል ምህላዋ ትዛረብ።

“ካብቲ ሓደጋ ድሒነ ንኻልእ ሰብ መምሃሪት ኮይነ ኣለኹ። ሰባት ግን ሎሚ እውን እንተዀነ ካብ ሓደጋታት ኣይመሃሩን እዮም። ልዕሊ ዓቐን ምጽዓን፣ ፖሊስ ትራፊክ ምስ ረኣኻ ጥራይ መቐነት ዘይምእሳርን ካልእ ጥሕሰታት ሕግታትን እቲ ሓደጋ ከይንኪ ገይርዎ ኣሎ" ትብል።

እዚ ዘሕዝን ዛንታ ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከምኡ ድማ ኣብ ክልላዊ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ሰዓት ኮነ መዓልታዊ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ንህጻናት ብዘይወለዲ ንወለዲ ድማ ብዘይ ጠዋሪ የትርፍዎም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ክልል ኦሮምያ 15 መምህራን ዩኒቨርሲቲ መደዋላቡ ኣካል እቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዝኾነ ቀፅሪ ሻሸመኔ እናተጓዕዙ እንከለዉ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ትራፊክ ከምዝሞቱ ይዝከር።

ሓደጋ ዘጋጠማ መኪና እናተጎተተት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሃዛት እንታይ ይብሉ?

ካብ ቢሮ ድሕንነት ትራፊክ መንገዲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ብማእከላይ 14 ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ክሞቱ እንከለዉ 31 ሰባት ድማ ከቢድ ጕድኣት ይወርዶም።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጥም ሓደጋታት ትራፊክ እቲ ኣስታት 68.3 ሚእታዊት ኣብ ምቹእ ጽርግያታት ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፡ 85.9 ሚእታዊት ሓደጋታት ብሰንኪ ጕድለት መራሒ መኪና፡ 3.3 ሚእታዊት ብሰንኪ ጕድለት ቴክኒካዊ ብቕዓት ተሽከርከርቲ፣ 2.8 ሚእታዊት ድማ ብሰንኪ ጸገም እግረኛታት ይፍጠር።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ትራፊክ እቲ 0.7 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ብሰንኪ ጸገም ጽርግያታት ዘጋጥም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 3,971 ነይሮም፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2013 ዝሞቱ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ ብ190 ከምዝነከየ ይግለጽ።

ኣብቲ ዓመት 5,911 ሰባት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ፈንድ ድሕንነትን መድሕንን ጽርግያ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

መረዳእታ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከምዝበሎ፡ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 15 ሽሕ ሓደጋታት ትራፊክ ዘጋጠመ እንትኸውን ብሰንኪ እቲ ሓደጋታት ድማ 4,161 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ማእኸል ፅርግያ ደው ዝበለት ዝአረገት መኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትሑት ቍጽሪ ተሽከርከርቲ - ልዑል ሓደጋ ትራፊክ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኢትዮጵያ ንድሕንነት መንገዲ ብላዕለዋይነት ዝከታተል ኣገልግሎት ፈንድ ድሕንነት መንገድን መድሕንን ብደረጃ ሃገር ኣብ 2014 [ግእዝ] እዩ ተጣይሹ።

ኣቶ ዮሃንስ ለማ ኣብዚ ትካል ኣፈፃሚ ስራሕ ትምህርትን ህንፀት ዓቕምን ድሕንነት መንገዲ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ቍጽሪ ሓደጋታት ትራፊክ ይውስኽ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ፈጻሚ ስራሕ ግን እቲ ቍጽሪ ከምዝነከየ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሓደጋታት ትራፊክ ናይ ምንካይ ዝንባለ ከምዘሎ ዘመልከተ ኣቶ ዮውሃንስ ከም ሃገር ግን ውሑዳት ቁፅሪ ተሸከርከርቲ እናሃለውዋ ዝለዓለ መጠን ሓደጋ ትራፊክ ከምዝምዝገብ ገሊፁ።

"ንመረዳእታ መሰረት ብምግባር እንተተዛሪብና፡ እቲ ሓደጋ ካብ 2010 ክሳብ 2014 [ግእዝ] ብውሱን መልክዑ ናይ ምንካይ ዝንባለ ከምዘርኣየ ምግንዛብ ይከኣል" ይብል።

ግን ከኣ ወላ’ውን ነክዩ እንተተበሃለ ኣብ ልዕሊ ህይወት፡ ኣካልን ንብረትን ዘጋጥም ሓደጋ ከቢድ ምዃኑ የስምረሉ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ብፍላይ ትሑት ቁፅሪ ተሽከርከርቲ ዘለዋ ሃገር [ኣብ ኢትዮጵያ 1.4 ሚልዮን ተሽከርከርቲ ከምዘለዋ ይእመን] እቲ መጠን ሓደጋ ኣዝዩ ልዑል ብዝበሃል እዩ ዝግለፅ።

ካብ ኣቶ ዮሃንስ ዝረኸብናዮ ስታቲስቲክስ ኣብ 2010 ዓ.ም [ግእዝ] ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ 5,118 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ የረድእ።

ኣብቲ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝነበረ ቁፅሪ ተሽከርከርቲ ካብ 900 ሽሕ ብዙሕ ዝርሕቕ ኣይነበረን።

ኣብ 2014 ንዝነበረ እንተርኢና ቁጽሪ ተሽከርከርቲ ኣስታት 500 ሽሕ ስለዝወሰኸ ብዝሐን ናብ 1.5 ሚልዮን በጺሑ። ኣብቲ ዓመት ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከኣ ቍጽሮም 3,971 ነይሩ።

"ኣብዚ እንርእዮ ነገር፡ ቍጽረን ካብ 900 ሽሕ ብዙሕ ዘይረሓቐ ተሽከርከርቲ ሒዝና ቍጽሪ ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ብዙሕ እዩ። ኣብ 2014 ድማ ኣስታት 500 ሽሕ መኻይን ተወሲኸን ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ናይ ዝሰኣንናዮም ሰባት ቁፅሪ ብውሱን መልክዑ ምንካይ ዘርእይ እዩ" ይብል ኣይተ ዮውሃንስ።

ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ መካይን ዘጋጥም ሓደጋታት ዝዕቅነሉ ኣካይዳ ኣለዎ።

ነዚ መዕቀኒ መሰረት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩuነታት እንተገምጊምናዮ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም ብዓሰርተ ሽሕ ተሽከርከርቲ 54 ሓደጋታት ኣጋጢሙ።

ኣብ 2014 ዓ.ም ከኣ ብተመሳሳሊ ቍጽሪ ተሽከርከርቲ ዘጋጠመ ሓደጋታት 29.7 ከምዝነበረ እቲ ፈፃሚ ስራሕ የዘኻኽር።

“ነዚ ንዘራረብ ዘለና ኣብ ቁጽሪ ተመርኲስና እዩ። ይዅን እምበር፡ ንሰብ መሰረት ጌርና ክንዘራረብ ከለና እዩ እቲ ጸገም ከቢድ ዝኸውን። እዚ ድማ ‘ሓደ ሰብ ንስድራቤቱ ወይ ንሃገሩ እንታይ እዩ' ናብ ዝብል ሕቶ ይወስደና" ክብል የረድእ።

'ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ተኣታትዩ'

ኣቶ ዮሃንስ ከምዝብሎ መብዛሕትኡ ሓደጋታት ትራፊክ መንቀሊኡ ምስ መራሕቲ መካይን ዝተኣሳሰር እዩ።

መብዛሕትኦም ሓደጋታት ምስ ናህሪ መኻይን ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም፡ ንእግረኛታት ቀዳምነት ዘይምሃብ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብ ባህሪ መራሒ መኪና ዝተመርኮሰ ጸገማት እውን ኣሎ።

“እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ምዝዋር ዓቕሚ ምንኣስ ዘይኮነስ ናይ ባህሪ ጸገም እዩ። ዕሽሽ ምባል ይበዝሕ። ሓደጋ እንዘይበፂሑ ዘይምምሃር ኣሎ። መብዛሕትኦም ሓደጋታት ብሰንኪ መራሕቲ መኪና ዝፈጥርዎም ጌጋታት ዘጋጥሙ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ብባህሪ ይግለፅ" ክብል የረድእ።

እዚ ምስ ባህሪ መራሒ መኪና ዝተኣሳሰሩ ምኽንያታት ከኣ ብለይቲ ምጕዓዝ፡ ብፍጥነት ምዝዋር፡ ሰኺርካ ምዝዋር፡ ቀዳምነት ዘይምሃብን ካልኦትን ከምዘጠቓልል የቐምጥ።

ካብዚ ብተወሳኺ ተሽከርከርቲ ክንቀሳቐሳ ዘኽእለን ቴክኒካዊ ብቕዓት ዘይብለን እናሃለዋ "ኣብፂሓ ክትመልሰኒ እያ" ብዝብል ሓሳብ እተን መኻይን ዝዝውራሉ ኩነታት ይረኣይ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ዘጋጥመሎም ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ኩለን ክልላት እታ ሃገር ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ፀሊም ነጥቢ ዘለዎም ከባቢታት ተለልዮም ኣለዉ።

እዚኦም ብፍላይ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉዕዞ ዝግበረሎምን፣ ለይትን ቅልጡፍ ጉዕዞ ዝካየደሎምን እዮም።

"ደረጃኦም ጥራይ'ዩ ዝፈላለ እምበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልላት ብተደጋጋሚ ሓደጋታት ትራፊክ ዝኽሰተሎም ቦታታት ኣለዉ" ይብል ኣቶ ዮሃንስ።

ኣገልግሎት ፈንድ ድሕንነት መንገድን መድሕንን ከም ትካል ዝተጣየሸሉ እዋን ቀረባ’ኳ እንተኾነ፡ ድሕነት መንገዲ ናይ ምርግጋፅ ስርሃት ግን ቅድሚኡ ይስራሕ ነይሩ እዩ።

መንግስቲ ፀገም ሓደጋ ትራፊክ ንምፍታሕ ብዝብል ብደረጃ ሃገር ትምህርቲ ድሕንነት መንገዲ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክካተት ከምዝገበረ ዝገልፅ እቲ ኣፈፃሚ ስራሕ “ትምህርቲ ድሕነት መንገዲ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳን 12 ክፍሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ተኻቲቶም ክወሃቡ ጻዕሪታት ይግበር ኣሎ” ይብል።

ዕላማኡ ድማ ለውጢ ኣካይዳ ንምምጻእ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ቅድሚ ሎሚ ግን ትምህርቲ ድሕነት ጽርግያ ዝወሃብ ዝነበረ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንምርካብ ኣብ ዝውሰድ ስልጠና ጥራይ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

“ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ፓይሎት (መፈተኒ) ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ቀፃሊ እውን ክጠናኸር እዩ" ይብል እቲ ኣፈፃሚ ስራሕ።

ትምህርቲ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቕሓት ናይ ምዕባይን ቍጽጽርን ስራሕ እውን ጎኒ ንጎኒ ይካየድ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ብራዳር ዝግበር ቍጽጽርን ዓቐን ኣልኮላዊ መስተን ክካየድ እዩ።

ብተወሳኺ ብመራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ ሚድያን ኣቢሉ ናይ ግንዛበ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር “እዚኦም ኵሎም ተደሚሮም ውጽኢት የርእዩ ኣለዉ" ኢሉ።

ምስ ፅዕነታ ዝወደቐት መኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ሕልና ዘይጠፍኡ ሓደጋታት. . .

ሓደ እዋን ካብ መስመር ሞጆ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትኸይድ መኪና መበገሲኣ ካብ ከባቢ ሻሻመኔ ነይሩ። ኣቶ ዮሃንስ ከም ዝበሎ፡ እታ መኪና ብለይቲ ትጓዓዝ ነይራ።

"ኣብ ከባቢ ሞጆ ምስ በጽሐት ምስ ሓንቲ ደው ኢላ ዝነበረት መኪና ስለዝተጋጨወት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ዓሰርተታት ዜጋታት ሞይቶም። ናብቲ ቦታ ስለዝኸድኩ ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ርእየዮ" ክብል ይዝከር።

ካልእ ዘሕዝን ሓደጋ ኣብ ከባቢ ሱሉልታ ዘጋጠመ ኩeይኑ፡ ሓንቲ መኪና ምስ ቦጥ መኪና ተጋጭያ ባርዕ ስለዝተፈጠረ ኣብታ መኪና ዝነበሩ ሰባት ብዘስካሕክሕ ኵነታት ህይወቶም ስኢኖም።