ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 32 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ግብጺ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 32 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም።
ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከም ዝተጋጨዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ግጭት ካብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ኣስታት 131 ኪ.ሜ ንሰሜን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር በሄይራ ካብ ካይሮ ናብ ኣሌክሳንድርያ ኣብ ዝወስድ መንገዲ’ዩ ኣጋጢሙ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ብውሕዱ 63 ሰባት ከም ዝቖሰሉ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
አልጀዚራ ከም ዝጸብጸቦ፡ ናብ ካይሮ እትኸይድ ዝነበረት ናይ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ምስ ዝነበረት መኪና ከም ዝተላተማ ማዕከናት ዜናን ሰብመዚን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
እቲ ሓደጋ፡ ሓንቲ ናይ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስን ሓያሎ መካይንን ዘሳተፈ ከም ዝነበረ መንግስታዊ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ጸብጺባ።
ብተወሳኺ፡ ገለ ካብተን መካይን ሓዊ ከም ዝተቓጸለን’ውን ሓቢራ።
ብመሰረት ጸብጻብ እታ ጋዜጣ፡ “ብውሑዱ 18” ካብቶም ግዳያት ብሓዊ ተቓጺሎም’ዮም ሞይቶም።
ካብ ሓንቲ መኪና ዝፈሰሰ ነዳዲ ምስ ገለ ካብተን መካይን ምግጫው ከስዕብ ከሎ ድሕሪኡ ሓዊ ከም ዝተለዓለ ጋዜጣ ኣል-ኣህራም ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ብድምር 29 መካይን ኣካል ናይቲ ሓደጋ ምዃነን፡ ሓንቲ ናይ ተሳፈርቲ ኣውቶቡስ እትርከበን ሽዱሽተ መካይን ከም ዝተቓጸላ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብውሕዱ 20 ኣምቡላንሳት ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ከም ዝተዋፈራ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ካልድ ዓብደል ጋፋር፡ ብዙሓት ካብቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኣብ ዋዲ ኣል-ናትሩን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ ገሊጹ።
እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኣል-ኑባርያ ተወሲዶም ኣለዉ።
ኣብ ግብጺ፡ ሓደጋ ትራፊክ ልሙድ እዩ። ኣብ 2021 ብሓደጋ ጽርግያ 7 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ወግዓዊ ኣሃዛት ይሕብሩ።
ጽርግያታት እታ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’ዮም ዝርከቡ።
ብተወሳኺ ድማ ዕሽሽነት ገናሕቲ መካይንን ከም ዘሎን ሕጊ ትራፊክ ብዙሕ ከም ዘይኽበርን ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግብጺ ሓፈሻዊ ጽሬት ጽርግያታታ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሓደስቲ መስመራት ትሃንጽ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







