ሕልሙ ከተግብር 4ሽሕ ኪሎ ሜትር ብብሽክለታ ዝተጓዕዘ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, NAHLA ELSEIDY/FACEBOOK
ኣብ ዝሓልሞ ዩኒቨርሲቲ ቦታ ንምርካብ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 4000 ኪ.ሜ ብብሽክለታ ዝተጓዕዘ ሓደ ተመሃራይ፡ ማእሰርትን ብርቱዕ ሙቐትን ተጻዊሩ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ በጺሑ።
ማማዱ ሳፋዩ ባሪ፡ ኣብቲ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ግብጺ ኣልኣዝሃር ተቐባልነት ንኽረክብ ተስፋ ብምግባር ኣብ ግንቦት ካብ ጊኒ ተበጊሱ።
እዚ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ በተን ብእስላማውያን ዕጡቓትን ዕልዋ መንግስትን ዝተሃስያ ሃገራት ብብሽክለታ ተንቀሳቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ካይሮ ምስ በጽሐ፡ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ብምርካቡ “ኣዝዩ ኣዝዩ” ከም ዝተሓጐሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።
በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቈልዓን ባሪ፡ ዋላ'ውን ነቲ ኣብ ኣልኣዝሃር ዝወሃብ እስላማዊ መጽናዕቲ ይዅን ዋጋ ናብ ግብጺ ዝግበር በረራ ክኸፍል ዓቕሚ እንተዘይሃለዎ፡ ዝና ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ቶጎ፡ ቤኒን፡ ኒጀርን ጫድን ቈሪጹ ክጓዓዝ ደሪኽዎ እዩ።
ኣልኣዝሃር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ማእከላት ትምህርቲ ሱኒ እስልምና እዩ።
ብተወሳኺ እዚ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዓመተ 670 ድሕሪ ልደተ ክርስቶት ካብ ዝተመስረቱ ጥንታውያን ትካላት ይጥቀስ።
ባሪ፡ “እስላማዊ ፍልጠት ደልዩ” ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ካብተን ብብሽክለታ ዝሓለፈን ሃገራት ግን ጥርጣረን ጸገምን ኣጋጢምዎ።
ኣብ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን፡ ብእስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ርእዩ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ዕልዋታት እውን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ፈጢሮም እዮም።
“በዘን ሃገራት ምጕዓዝ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ጸጥታ የብለንን” ይብል።
“ብዙሕ ጸገማት ኣለዎም፤ ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ኣመና ፈሪሖም’ዮም ዘለው፣ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ሰባት ክፉእ ሰብ ገይሮም ይጥምቱኒ ነይሮም። ኣብ ኵሉ ቦታታት ወተሃደራት ምስ ዓበይቲ ጠበንጃታቶምን መካይኖምን ይርኢ ነይረ” ኢሉ።
ንሱ፡ ብዘይርጡብ ምኽንያት ሰለስተ ግዜ - ክልተ ግዜ ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቶጎ - ከም ዝተኣሰረ ገሊጹ።
ኣብ ጫድ ምስ በጽሐ ግን ዕድል ናብኡ ገጻ ገይራ።
ሓደ ጋዜጠኛ ንባሪ ቃለመሕትት ብምግባር ታሪኹ ኣብ ኢንተርነት ብምዝርጋሕ ገለ ሕያዎት ሳምራውያን ናብ ግብጺ ዝኸይድ በረራ ክምውሉሉ ደሪኽዎ።
እዚ ማለት ድማ፡ ብሽክለታ ዘዊሩ ናብ ብሱዳን ኣቢሉ ካብ ምኻድ ኣድሒኑዎ፤ ሱዳን ኣብዚ እዋን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብ5 መስከረም ናብ ካይሮ ኣትዩ።
ቈራጽነቱ ምስ ዲን መጽናዕቲ እስልምና ዶክተር ናህላ ኣ'ሰይዲ ክራኸብ ኣኽኢልዎ።
ዶክተር ናህላ ምስ ባሪ ድሕሪ ምዝርራባ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስተምህሮ እስላማዊ መጽናዕቲ ክወስድ ምሉእ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ሂባቶ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተምሃሮ ፍልጠቱ ከቕርብ ድሌት ከም ዘለዎን፤ እዚ ፍልስፍና፡ “ኣብ ግብጺ ንዝርከቡ ዓለምለኻውያን ተምሃሮ ዝሽፍን ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ወጻኢ ሃገራት እውን ዝዝርጋሕ እዩ።
"ኣልኣዝሃር ካብ ኵለን ሃገራት ዝመጽኡ ተምሃሮ ይቕበል፤ ይከናኸኖም ከምኡ'ውን ድጋፍ የቕርበሎም” ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታታ ጽሒፋ።
ባሪ ብወገኑ፡ ነቲ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ብምርካቡ “ኣዝዩ ኣዝዩ ሕጕስ” ምዃኑ ገሊጹ።
“ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሓጐስኩ ክነግረካ ኣይክእልን እየ፤ ንኣምላኽ ኣመስጊነዮ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







