ጽግምቲ ጓላ ንኽትሕግዝ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓመታት ዘሕለፈት ኣደን ብልዑል ነጥቢ ዝተመረቐት ጓላን

ምንጪ ስእሊ, AAU
ዮርዳኖስ፡ ሰረብራል ፓልሲ ብዝተባህለ ሕማም እያ ተጠቒዓ።
ብሰንኩ ኸኣ ኢዳን እግራን ከም ድልየታ ክትእዝዝ፡ ሚዛና ክትሕሉ ከምኡ'ውን ክትዛረብ የጸግማ፤ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልያ ተምሃሪት እያ።
ዮርዳኖስ ካብ መውዐሊ ህጻናት ጀሚሩ፡ ሞግዚታት ምስኣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ኮፍ ኢለን እናሓገዛኣ እያ ትምህርታ ተኸታቲላ።
እንተዀነ እዚ ጸገም ካብ ዓወት ኣየትረፋን። ኣብ ዝሓለፈቶም ደረጃታት ትምህርቲ ዕዉትቲ ኰይና ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ በጺሓ።
ኣብ ሻምናይ ክፍሊ መጠቓለሊ ክልላዊ ፈተና 91.3 ሚእታዊት፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 10ይ ክፍሊ 3.8 ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና 458 ውጽኢት ብምርካብ እያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ።
ካብ መንፍዓታ ብተወሳኺ ናይ ቤተሰባ "ትኽእሊ ኢኺ" ዝብል ማዕዳ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝዀነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ኣደኣ ወ/ሮ እህተ ትገልጽ።
"ኣብ ከባቢና ዝነበሩ መውዓሊ ህጻናት ኣይንቕበልን ስለዝበሉና፡ ካብ ኣለም ባንክ ናብ ካዛንቺስ ወሲድና ኢና ኣምሂርናያ" ትብል።
ዮርዳኖስ ናይ መዋእለ ህጻናት (ኬጂ) ትምህርታ ምስ ወደአት እያ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክትመሃር ጀሚራ።
ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ሞግዚታታ እያ እትኸይድ፤ እዚ ድማ ሓደ እዋን ጥርጣረ ፈጢሩ ሕቶ ተላዒልዋ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EBS TV
ትምህርታ ነፊዓ ብምክትታል ውጽኢታ ኣመሓይሻ ሳልሳይ ደረጃ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን፡ እቲ ውጽኢት ናታ ዘይኮነስ ናይ ሞግዚታ እዩ ብዝብል ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህር ነቲ ውጽኢት ወዱቕ ገይርዎ።
ጓሎም ብምትብባዕ ዕዉትቲ ክትከውን ከምእትኽእል ዝሕግዝዋን ኣብኣ እምነት ዘለዎምን ቤተሰባ ግን ውሳነ እቲ ርእሰ መምህር ብምቅዋም፡ ባዕሉ ክፍትና ሓቲቶም ደጊማ ተፈቲና።
እቲ ውጽኢት ከምቲ ዝሓሰቦ ከምዘይኮነ ባዕሉ ከረጋግጽ ክኢሉ። ዝቐደመ ውሳነኡ ዘይቅኑዕ ከምዝነበረ ዝኣመነ እቲ ርእሰ መምህር፡ ንዮርዳኖስን ቤተሰባት ይቕረታ ሓቲቱ ትምህርታ ክትቅጽል ከምዝፈቐደ ኣደኣ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ዮርዳኖስ በዚ ኵነታት ትምህርታ እናቐጸለት፡ ሓምሻይ ክፍሊ ምስበጽሐት ደርቢ - ኣስካላ - ኣብ ዘይብሉ ቤት ትምህርቲ ከም ትምዝገብ ተገይሩ።
"ኰይኑ ግን እቲ ዝረኸብናዮ ቤት ትምህር ኣይቅበልን ኢሉና። ውጽኢታ ምስኣርኣናዮ እውን ናታ ኣይኮነን፤ እተን ሞግዚታት ዝሰርሓኦ እዩ" ኢሎምና ትብል ወ/ሮ እህተ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ክትፍተን ሓቲቱ፤ ዮርዳኖስ ድማ ተፈቲና ብጽቡቕ ነጥቢ ሓሊፋ።
ዮርዳኖስ ብሰንኪ እቲ ዘለዋ ጥዕናዊ ጸገም፡ ዝሕግዛኣ ሞግዚታ ምሉእ ሰዓተን ምስኣ እየን ዝዀና። ክትመሃር፡ ክትምገብ፡ ናብ ሽቓቕ ክትከይድ ካብ ጐድና ኣይፍለያን።
ኰይኑ ግን ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ብትኵርነት ትከታተል፤ ዝወሃባ ዕዮ ክፍልን ገዛን ባዕላ ትሰርሕ፤ ብዘይ ትህኪት ተጽንዕን ፈተናኣ ብዘይ ሓጋዚ ትሰርሕን። በዚ ጕዕዞኣ ድማ ዕዉትቲ እያ። መሰረት ናይዚ ድማ ብቐንዱ ቤተሰባ ዝህብዋ ድጋፍ እዩ።
"ትኽእሊ ኢኺ ኢና እንብላ፤ ፍቕሪ ነርእያ፤ መጻሕፍቲ ነንብበላ ኢና። ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታ ብዙሕ ነገር ጌርናላ ኢና" እትብል ወ/ሮ እህተ "ኣእምሮኣ ብሩህ ስለዝነበረ ቀልጢፋ እያ እትርዳእ" ብምባል ትገልጽ።
ዮርዳኖስ ኣብ ህጻንነታ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣየጋጠማን። ብተፈጥሮኣ ሕጕስቲ እያ። ቈልዑ ይፈትውዋ፤ እዚ ድማ ትምህርታ ብዘይዝዀነ ጸገም ክትከታተል ሓጊዝዋ። ክሳብ 10ይ ክፍሊ ኣመና ጽቡቕ ክንክን ይግበረላ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ መምህራን ሕቶ የልዕሉላ፡ ገለ ኣብያተ ትምህርቲታት እውን ክቕበልዋ ብዙሕ ዘይደፍሩ እንተነበሩን ብኣንጻሩ ዝተቐበሉዋን ዝሓገዝዋን እውን ብዙሓት እዮም።
ብፍላይ ሃይለ ልኡል ዝተባህሉ መምህር፡ ብዛዕባ ከቢድ ተፈጥሮኣዊ ጸገም ዝነበሮ ስቲቨን ሃውኪን እናተረኹ የበረታትዕዋን ይሕግዝዋን ከምዝነበሩ ኣደኣ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, EBS TV
ብተወሳኺ እቶም ምስኣ ዝመሃሩ ከቕርብዋን ኣብ ጐድና ክዀኑን ይመኽሩዎም ስለዝነበሩ፡ እቶም ተምሃሮ ኣዝዮም ይቐርብዋ ከምዝነበሩ እውን ትዝክር።
ዮርዳኖስ ድሕሪ 10ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ እንትትቅይር፡ መእተዊ ፈተና እናተውሃባን ተዓዊታ እናሓለፈትን ከምዝቐጸለት ኣደኣ ትገልጽ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ምስወሰደት ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ብምምጻእ ብምርጫኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ።
ዮርዳኖስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይኮሎጂ ንምጽናዕ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ሰባት ንምሕጋዝ ካብ ዘለዋ ድልየት ከምዝዀነ እትገልጽ ወ/ሮ እህተ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣደኣ ኣብ ኵሎም ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ምስኣ ኮፍ ኢላ እያ ተማሂራ።
"ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጻንሒት፡ ኣርባዕተ መዓልቲ መሲሉ እዩ ዝስመዓኒ። ኣዝየ ደስ ኢሉኒ እየ ዝከናኸና። ፈጣሪ ናዓይ እንተሂብዋ፡ ኣነ እዚ ሓላፍነት ደስ እናበለኒ፡ ዝጻወረሉ ጸጋ ክህበኒ እዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ፡ በዚ መንገዲ እየ ተዋጺአዮ" ትብል።
ዮርዳኖስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ጸገም ከምዘይገጠማ እትገልጽ ኣደኣ፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ክፍለ-ግዜ ምስኣ ኮፍ ትብል ኰይና፡ ኣብ እዋን ፈተና ድማ ካልኦት ፈተንቲ መጺኦም ይፍትንዋ ነይሮም።
ኣደን ጓልን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮፍ ክብላ እንከለዋ፡ መማህርቲ ዮርዳኖስን መምህራንን ኣብ ፈለማ ድንግርግር ይብሎም ከምዝነበረ እትዝክር ወ/ሮ እህተ፡ "ነቶም ተምሃሮ ስለዘቕረብክዎም ደስ ኢሉና እናተመኻኸርና ኢና ዓመታት ኣሕሊፍናዮ፡" ትብል።
ወ/ሮ እህተ ብዙሕ ግዚኣ ምስ ጓላ ኣሕሊፋ እያ። ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጓላ ትምህርታ እናተኸታተለት፡ ንሳ ድማ ጓላ ተኸታቲላን ሓልያን እያ።
ንሳ፡ ክእለት ጽሕፈት ጓላ ካብ ኵሎም ተውህቦታታ ጎሊሑ ይረኣያ።
"ነቲ እትጽሕፎ ነገር ከንብቦ ከለኹ ንሳ ዝጸሓፈቶ ምዃኑ ክሳብ ዝጠራጠር ይገርመኒ" ትብል።
ዮርዳኖስ ልዑል ነጥቢ ኣመዝጊባ ብመዓርግ እያ ተመሪቓ። ሕጂ እውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርታ ናይ ምቕጻል ድልየት ዘለዋ ኰይኑ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ናይ ካልኣይ ዲግሪ ዕድል ትምህርቲ ሂብዋ እዩ።
ኣደኣ ከምእትብሎ ድልየት ዮርዳኖስ፡ ሰባት ምሕጋዝ እዩ።
"ዘይመንግስታዊ ትካል መስሪተ ሰባት ክሕግዝ እየ" ዝብል ትልሚ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







