'ቀላሚኖ ክኣቱ ሕልሚ ነይሩኒ፡' ብድሆታት ድሕሪ 3 ዓመት ዝፍተኑ ዘለዉ ተምሃሮ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ፈተና ዝወስዱ ዘለው ተምሃሮ ሻምናይ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, Kindeya Gebrehiwot/Twitter

ኣብ ትግራይ ካብ ረቡዕ 28 ሰነ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ክወሃብ ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ምምሃርን ምስትምሃርን ናብ ንቡር ንምምልስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብሓደ መዳዩ ተስፋ ዝህብ ኰይኑ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ እንክርአ ኸኣ ብዙሓት ዘይተማሉ ነገራት ብምህላዎም እቲ ስክፍታ ገና ኣሎ።

ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ እቲ ፈተና ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ኣስታት 1500 ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብተን 518 ክወሃብ ከም ዘይተኽኣለ ካብቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ወትሩ ተሸላሚት ተምሃሪት ስለ ዝዀነት ኣብቲ ብትምህርቶም ብሉጻት ዝዀኑ ሕሩያት ተምሃሮ ትግራይ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ክትኣቱ ባህጊ ከም ዝነበራ ትገልጽ።

ካብ 4ይ ክፍሊ ጀሚራ ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ክትመሃር ጸኒሓ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት (ብ2012 ዓ.ም) ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ንምውሳድ ትዳሎ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ስሩዕ ትምህርቲ ብሰንኪ ዝርግሐ ለበዳ ኮረናቫይረስ ምቍራጹ ትዝክር።

ድሒሩ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዝተወልዐን ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኲናት ብዝፈጠሮ ጸገም ጸጥታን ንዅለ መዳያዊ ትሕቲ ቕርጺ ትምህርቲ ስለ ዘሰናኸሎን ጠቕሊላ በዂራ።

“ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ከቢድ ዝበሃል ግዜ ኢና ኣሕሊፍና፤ እቲ ዝነበረ ኵነታት ብዛዕባ ትምህርቲ ክትሓስብ ኣይገብረካን። ኣብ ክንድኡ ሎምስ እንታይ ክበልዕ እንታይ ክሰቲ ይኸውን? ብህይወት ክጸንሕ ድየ ክመውት? ኢልካ እትሓስበሉ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ትምህርቲ ክፍተን ከጽንዕ ኣይሓስብን ነይረ” ትብል።

ኣዶናይ ሃይለሚካኤል’ውን፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዝሽለም ንፉዕ ተመሃራይ እዩ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ብመምሃራን ሓገዝ ተገይሩሎም እቲ ሃገራዊ ፈተና ንምውሳድ ከም ዝመጽእ ይዛረብ።

“ሰለስተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ተፈሊኻ ጸኒሕካ ኣብ ክልተ ወርሒ ፈተና ክትወስድ ከቢድ እዩ፤ ግን እዚ ንትምህርቲ ዘለና ፍቕሪ’ዩ ዘርእየኒ። ኣብ ኲናት ወይ ጸገም ዝነበረ ሰብ ብቐጥታ ናብ ትምህርቲ ኣይተእትዎን፤ መጀመርታ ናይ ስነልቦና ሕውየት ክተካይደሉ ኣለኻ ክብሃል ይሰምዕ’የ። ዕድመና ግን ይኸይድ ኣሎ። ግዜና ንከይባኽን ኢና ንፍተን ዘለና” ይብል።

ተምሃራይ ኣዶናይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ቅድም ኢሉ ኣብ 7ይ ክፍሊ ዝተምሃሮ ትምህርቲ ብምጽናዕ ነዚ ፈተና ምድላው ኣየብኰረን ጸኒሑ።

‘ሓደ ነገር ግን የጣዕሰኒ’ ብምባል ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ስምዒት ዘይፈጥረሉ ኵነታት ኣካፊሉና።

“ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ወዲ 14 ዓመት ኰይነ ሻምናይ ክፍሊ ነይረ። ሕዚ ድማ 17 ዓመት ኰይነ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተመሊሰ ሻምናይ ክፍሊ ኣትየ ኣለኹ። ከም ንቡር ሕዚ 11 ክፍሊ ፈተና ወሲደ ናብ 12 ክፍሊ ዝኸይድ ሰብ ክኸውን ነይሩኒ። መሓዙተይ ተመሂሮም ኣብ ካልእ ደረጃ ክርእዮም ከለኹ፡ ኣነ ግን ድልየት እናሃለወኒ ብስእነት ሰላም ሰለስተ ዓመት ምሉእ ብዘይለውጢ ክርእዮ ከለኹ ሕማቕ ይስምዓኒ።”

ኣብ ትግራይ፡ ስሩዕ ምምሃር ምስትምሃር ለበዳ ኮረናቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ ዓመት ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት እዚ ዓመት ዳግም ከም ዝጀመረ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገሊጹ ነይሩ።

ከም ሓበሬታ እቲ ቢሮ ድማ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ዓንዩ፤ ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ህጻናትን መናእሰይን ድማ ትምህርቲ ኣቋሪጾም’ዮም ተባሂሉ ይግመት።

ተመሃሪት ሸዊት ቀላሚኖ ክትኣቱ ተስፋ ትገብር
መግለጺ ስእሊ, ተመሃሪት ሸዊት ቀላሚኖ ክትኣቱ ተስፋ ትገብር

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 120 ሽሕ ተመሃሮ ሃገራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ይወስዱ ከም ዝነበሩ ካብ ኤጀንሲ ምርግጋጽ ሓፈሻዊ ጽሬት ትምህርቲ እቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ ዓርቢ ዝዛዘም ፈተና እዚ ዓመት ግን፡ ኣስታት 60 ሽሕ ተምሃሮ ጥራይ’ዮም ዝፍተኑ ዘለው።

ቍጽሪ እቲ ተምሃራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተጓዲሉ’ዩ ዝብል ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናን እቲ ኤጀንሲ ኣቶ ክንፈ ፍስሃ፡ ሕጂ’ውን ሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡሎም ከባቢታት ኣብ ዝርከባ ወረዳታት እቲ ፈተና ክወሃብ ከም ዘይተኽኣለ ሓቢሩ።

እቲ ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ፡ ብስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጠጠው ዝበለ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝነበራ 95 ወረዳታት ኣብዚ ሕጂ እዋን እተን 75 ወረዳታት ጥራይ ተመሃሮ ሻምናይ ክፍሊ መዝጊበን ከፈትና ከም ዝተኻእለ እውን ገሊጹ።

“ኣብ ደቡብ ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተትሓዛ ሓሙሽተ ወረዳታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ትሸዓተ ወረዳታት፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሰለስተ፡ ንኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ኣለዋ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕ ዘይፍተን ተምሃራይ ከም ዘለና ምርዳእ ይክኣልን” ኢሉ።

ኤጀንሲ ምርግጋጽ ሓፈሻዊ ጽሬት ትምህርቲ እቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሕጂ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ክወስዱ ዝተመዝገቡ ተምሃሮ ብ2012 ዓ.ም ንፈተና ተዳልዮም ዝነበሩ ከም ዝዀኑን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ መዘኻኸሪ ትምህርቲ ክወስዱ ዝጸንሑን ምዃኖም ኣረዲኡ።

እዞም፡ ተምሃሮ ዝተገብረሎም ፍሉይ ሓገዝን ቅድመ ምድላውን እንተሎ ዝተወከስናዮ ኣቶ ክንፈ፡ “ናይ መጽሓፍቲ ጸገማት ኣለው፣ መምሃሪ ክፍልታት ዓንዮም ዳርጋ ኣብ ዳስ ኰይኖም’ዮም ነዚ ፈተና ክዳለው ጸኒሖም። እቲ ዝፍተንሉ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ” ብምባል እቶም ተምሃሮ ዕድመኦም እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው ግን ግድን ክፍተኑ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ኢንስቲትዩት ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ልዕሊ 3800 ሽሕ ተምሃሮን መምሃራንን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኲናት ደው ንምባል ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ’ውን እንተዀነ ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም’ዮም ዝርከቡ።

ተምሃሪ ኣዶናይ ካብቶም ተሸለምቲ ተመሃሮ እዩ ነይሩ

ኣብ እዋን እቲ ኲናት 96 ሚእታዊት መምሃሪ መናብር፡ 95 ሚእታዊት ጸሊም ሰሌዳ፡ 88 ሚእታዊት መምሃሪ ክፍሊ ብኸፊልን ምሉእን፡ 63 ሚእታዊት መምሃሪ መጽሓፍቲ ከም ዝዓነው ጸብጻብ ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ የመልክት።

ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ሃገራዊ ፈተናን ኤጀንሲ ምርግጋጽ ሓፈሻዊ ጽሬት ትምህርቲ ትግራይ ኣቶ ክንፈ ፍስሃ ድማ፡ እቶም ተምሃሮ ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽኡ’ዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ውጽኢት ክንረክብ ኢና ኣይንብል፤ ምኽንያቱ ተምሃሮ ጭንቀት ኣለዎም፣ ስነ ልቦናኦም በሰላታት ኣለዎ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት’ዮም ናይ 7ይን 8ይን ትምህርቲ ዝወስዱ ዘለው” ብምባል ኣብ ውጽኢት እቶም ተምሃሮ ዘለዎ ስክፍታታት ገሊጹ።

ይዅን’ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ እቲ ክልል ኣብ ክሊ እቶም ጸገማት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለስሉ ዕድላት ብምህላው ጥራይ ባህታ ከም ዝስምዖም ቢቢሲ ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

ተምሃሪት ሸዊት፡ እቲ ቦዂሩ ዝጸንሐ ትምህርቲ ተጀሚሩ ፈተና ክወስዱ ምዃኖም ምስ ሰምዐት ክሽርሸር ጀሚሩ ዝነበረ ተስፋታታ ክሕደስ ከም ዝጀመረ ትዛረብ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብዚ ፈተና ጽቡቕ ውጽኢት ብምምጻእ ኣብቲ ብሉጻት ተምሃሮ ተቐቢሉ ዝሓሸ ትምህርቲ ዝህብ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ክትኣቱ ተስፋ ትገብር።

“ኣብ ሕሉፍ ምስቲ ድሌት ትምህርቲ ምንባሩ ቀላሚኖ ክኣቱ’የ ዝሓስብ ነይረ፤ ግን ሽዑ ዘምጽኦ ውጽኢትስ ልዑል’ዶ ክኸውን ይነብር ኢለ ይሓስብ። ሕዚ’ውን ቀላሚኖ ክኣቱ እየ ዝደሊ።”

ኣብ ግዜ ኲናት፡ ኣብ ሻብዓይን ሻምናይን ክፍሊ ዝተምሃርዎም ዓይነት ትምህርቲ ብምጽናዕ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ዲቍና ብምቕባልን ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ብምምሃርን ንነብሱ ኣብ ምህናጽ ጻዕሪ ክገብር ዝጸንሐ ተምሃራይ ኣዶናይ ብወገኑ፡ ኣብዚ ፈተና ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽእ’የ ዝብል እምነት ኣለዎ።

“ኲናት እናሃለወ ናይ 7ይ ክፍሊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ሸምዲደዮ እየ። ግን ግዜ እናነውሐ ክኸይድ እንከሎ ተስፋ ቘሪጸ፤ ንህይወተይ እንታይ እየ ክገብር? ንምንታይ’ዩ እዚ ኵሉ ሰብ ዝመውት ዘሎ? እናበልኩ ስለ ዝሓስብ ጸልሚቱኒ እዩ ነይሩ። ሕዚ ግን እተን ዘጽናዕኹወን ጠቒመናኒ ኣለዋ፤ ፈተና ቀሊል ነይሩ” ኢሉ።

ሰናይ ዕድል!