ትግራይ፡ ቀዳድ መጽሓፍን ለማጽ እምንን ሒዙ ዝምህር ዘሎ መምህር ጽገ

መምህር ጽገ ኣበራ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ነበለት መምህር ሒሳብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Desta Girmay

ኣብ ትግራይ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ካብ ዝጅምር ድሮ ሓደ ሰሙን ገይሩ፤ መምህር ጽገ ኣበራ’ውን ዝበለየ ክዳኑ ተኸዲኑ፡ ኮንጐ ጫማኡ ወድዩ ናብ ስርሑ ተመሊሱ'ሎ።

ዝምህረሉ መጽሓፍቲ፡ ብርዒ ይዅን ጸሊም ሰሌዳ ግን የብሉን።

“ክዳን ዘይብሉ፡ ገዛኡ ገዛ ዘይመስል መምህር ኣለና’ዩ፤ ግን ምስ ጸገምና እቲ ስራሕ ክንሰርሖ ኢና።”

መምህር ጽገ፡ ድሕሪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ ደማዊ ኲናት፡ ናብቲ ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ክምህረሉ ዝጸንሐ መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ነበለት ምምላሱ ኣዝዩ ሕጕስ እዩ።

ንዅነታት እቲ ቤት ትምህርቲ “ከምቲ ኣቦን ኣደን ዝነበርዎ ገዛ፡ ክልቲኦም ሓሊፎምስ (ሞይቶም) ብኽያትን ኣውያትን ዘይፈልጥ ህጻን ኣብ ገዛ በይኑ እንትቐሪ እዩ ዝመስል” ብምባል ይገልጾ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ'ኳ እንተኣቝጸረ፡ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ንክኸዱ ስለ ዘየፍቀደ መምህር ጽገ ካብቲ ዘለዎ ወረዳ ነበለት ብቴሌፎን ኢና ኣዘራሪብናዮ።

መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ነበለት ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ እምባ-ሰነይቲ እዩ ዝርከብ።

እቲ ከባቢ ካብቶም ጽዑቕ ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ወተሃደራት ዝዓስከሩሉ፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት ከም ድፋዕ'ውን ዝተጠቐምሉ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብርክት ዝበሉ ናውቲ ትምህርቲ ዓንዮም፡ ተቓጺሎምን ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኰይኖም ኣለው።

“ቤት ትምህርትና፡ ሃብታም፡ መርኣያ፡ ሓድጊ እምባ ሰነይቲ’ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ንብረት’ውን ነይሩዎ። ሕዚ ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ድጋፍ ተባሂሎም ዝውሰዱ ዝነበሩ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኖም፡ ስባርን ዝተቓጸለን ንብረት ጥራይ’ዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኮምፒዩተራት የለዋን።”

ኣብ እዋን'ቲ ኲናት ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምምልላስ ከም ዘየብኰረ ዝገልጽ መምህር ጽገ፡ “ሓዚንና፣ በኺና ንወጽእ ነይርና፤ ክነግልሶ ንኽእል ኣቕሓ ኣይነበረን” ብምባል ኣብቲ ትሕዝቶኡ ዝዓነዎ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ ብተሌፎን የዋግዕ።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ዓንዩ፤ ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ህጻናትን መናእሰይን ድማ ትምህርቲ ኣቋሪጾም’ዮም ተባሂሉ ይግመት።

‘መጽሓፍ’ኳ ዘይብለይ’

መምህር ጽገ ኣበራ፡ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ነበለት ንተመሃሮ ሓምሻይ ክፍሊ ቍጽሪ ይምህር።

እታ ቤት ትምህርቲ መሊኣ መምሃራና ስለ ዘይተቐበለት ግን፡ ንራብዓይን ሻብዓይን ክፍሊ’ውን ቍጽሪን ስነህይወትን ክምህር ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኣሎ።

ተመሃሮኡ’ውን ብርዕን ደብተርን የብሎምን። ገሊኦም ዓሪቘምን ጠምዮምን’ዮም ዝመጽኡዎ።

ከምቲ ንሱ ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝተቓጸሉን ብጥይት ዝተሃርሙን መምሃሪ ክፍልታት ይርኣዩ፤ መምህር ናብ ተመሃሮኡ ሒዙዎም ዝኸይድ መጽሓፍቲ ኰነ ዝምህረሉ ሰሌዳ ምሉእነት የብሎምን።

እዚ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰዶ መማረጺ ግን ንብዙሓት ዘዘራረበ ኰይኑ። እዚ ድማ፡ እቶም ብዝግባእ ከጽልልሉ ዝኽእል መምሃሪ ዘይብሎም ተመሃሮኡ ኣብ ለማጽ እምኒ እናጽሓፈ ይምህሮም ምህላው'ዩ።

እቲ ትምህርቲ፡ “ኣብ እምኒ ይዅን ኣብ ጽላል ክንምህር ኢና ብዝብል ጀሚርናዮ” ዝብል መምህር ጽገ፡ “ተመሃሮ ጽሒፍኩም ኣርእዩኒ ኣብ ዝብለሉ ግዜ መጽሓፊ ደብተርን ቢሮን ኣይነበሮም። እታ ኣብ ትግራይ ዝተረፈት’ውን እምኒ እያ ዘላ፤ ካልእ ኵሉ ተወሲዱ እዩ፤ እታ ዝረኸብኩዋ እምኒ ተጠቒመ ግን እታ ክምህሮም ዝሓሰብኩዋ ይምህር ኣለኹ” ኢሉ።

መምህር ጽገ ምስ ተመሃሮኡ

ምንጪ ስእሊ, DW TIGRAY/FB

መምሃራን እታ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ብሰንኪ ኲናት ካብ ትምህርቲ ቦዂሮም ንዝተፈላለዩ ስነ ልቦናዊ ጸቕጥታት ዝተቓልዑ ተመሃሮ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ብምግባር ሕውየት ክረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ቀልቦም ናብ ትምህርቲ ንኽምለስ ክንሕግዞም ኢና ኢሎም ተስፋ ይገብሩ።

“እቲ ካብ ገዛ ዝመጽእ ዘሎ ተመሃራይ ደብተር፡ ርሳስ፡ ቢሮ ጥራይ ዘይኰነ ዝኽደኖ ክዳን፡ ዝምገቦ መግቢ’ውን የብሉን። ብርክት ዝበለ ቍጠባዊ ጸገማት ዘለዎ ተመሃራይ እዩ ዘለና። እቲ ተመሃራይ ቀልቡ ናብ ንቡር ንኽምለስ ግን ንረባረብ ኣለና” ክብል መምህር ጽገ ይገልጽ።

መብዛሕትኦም መጽሓፍትን ካልኦት መምሃሪ ሓገዛትን ተቐዲዶም ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፈቘዶኡ ተደርብዮም ከም ዝርኣዩ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዝበጽሑዎ ውልቀሰባት ይዛረቡ።

መምህር ጽገ’ውን እንትርፎ ዝሰነቘ ተስፋ ምጅማር ትምህርቲ ዝውከሰሉ እኹል መጽሓፍ የብሉን።

“ኣነ ሕዚ ሒዘያ ዘለኹ መጽሓፍ ቅዳድ’ያ፤ መጽሓፍቲ ፍጹም ዘይተረኸቦም ክላሳት ኣለው። እንተዀነ፡ ኣነ መጽሓፍ የብለይን፣ ሰሌዳ የብለይን ዝብል ካብ ርእስና ሓኺኽና ንእቶ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ንውዓል፤ ብኸምኡ ተመሃራይ ንኽመጽእ ግንዛበ ንፍጠር” ብዝብል ናብ ስርሑ ከም ዝተመለሰ የረድእ።

'ሬሳ ሓወይ ኣይረኸብኩን'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰብ መዚ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ህወሓትን ተጻብኦታት ብዘላቕነት ደው ንምባል ኢድ ንኢድ ድሕሪ ምጭብባጦም፡ ቅሉዕ ኲናት ደው እንተበለ’ውን ብዙሓት ግዳያት ስድራቤታት ገና ኣይቀሰኑን ዘለው።

ኣብ መፋርቕ ጥሪ እዚ ዓመት (2023) ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ተዛሪቡ’ዩ።

ኣብዚ ኲናት፡ ብዅሉ ሸነኻት እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ሓያሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ከም ዝተሰነዱ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ይገልጹ።

ኣቦ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ስድራ ዝዀነ መምህር ጽገ፡ ብሰንኪ ደብዳብ ከበድቲ ብረት ካብ መንበሪ ገዛኡ ርሒቝ ምስ ደቁ እናጠመየ ዘሕለፎ ጽንኩር ግዜ ምዃኑ ይዝክር።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣባላት ስድራኡን ብርክት ዝበሉ መቕርባቱን’ውን ስኢኑ።

ሕጂ፡ “ብህይወት ዘየለው ልዕሊ ሸሞንተ ቤተሰበይ ኣለዉ። ብኸቢድ ብረት ተደብዲቦም ዝሞቱ ቤተሰብ ኣለዉ፤ ኣብ ዓድዋ ከባቢ እንዳባገሪማ ብግፍዒ ካብ ዝተቐትሉ ገዛ ከም ገዛ ዝጸነቱ ኣዝማድ ኣለዉኒ። ሰኣን ሕክምና ኣብ ሕክምና ዝሞቱ፡ ኣብ ውግእ’ውን ዝሞቱ ኣለውኒ። ሬሳ ሓወይ ኣይረኸብኩን . . . ስምዒታዊ ስለ ዝገብረኒ ናብኡ ክኣቱ ኣይደልን . . .” ክብል ሕንቕንቕ ኢሉ ዘረባኡ ኣቋሪጹ።

ድሕሪ ናይ ካልኢታት ስቕታ፡ “ኣብ ስርሐይ ኣብነታዊ፡ ምስጉን መምህር’የ ነይረ፤ ሕዚ’ውን ኣብ ስርሐይ መርኣያ ኰይነ ክሰርሕ ጥራይ’የ ዝደሊ” ብምባል ነቲ ኲናት ዝሃሰዮ ስነ ልቦና ተመሃሮኡ ክፍውስ ከተኩር ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።

ክንዮ ደብተር፡ መጽሓፍን ካልእን ተመሃሮን መምሃራንን ስነ ልቦናዊ ሓገዝ፡ መግብን ክዳንን ከም ዘድልዮም ድማ ኣስሚሩሉ።