ራፋ፡ እቲ እንኮ መትኒ ህይወት ቓዛ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ፍልስጤማውያን ኣብ ምስ ግብጺ ዝዳወብ ኣፍደገ ራፋሕ ይእከቡ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ምስ ግብጺ ኣብ ዝዳወብ ኣፍደገ ራፋ ይእከቡ ኣለዉ

እስራኤል እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ መጥቃዕቲ መሬት ቅድሚ ምጅማራ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ዝደለዩ ፍልስጤማውያን ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ኣፍደገ ራፋ ይእከቡ ኣለዉ።

ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ሒዙ ደሃይ በዓልቲ ቤቱ ዝሰኣነ ኣቦ፡ 24 ሰዓታት ዘይበራበረሉ ዘስካሕክሕ ሕልሚ ይነብር ኣሎ።

ብሰንኪ ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ቍጽሪ ነበረታ ብዕጽፊ ዝወሰኸ ከተማ ከሃን ዩኒስ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተጨናኒቓ ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተጸበየት ትርከብ።

እዋናዊ ኵነታት እስራኤል-ቓዛ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

ኣፍደገ ራፋ እንታይ እዩ? ስለምንታይከ ሕጂ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ኣፍደገ ራፋ

ኣፍደገ ራፋ ካብ ቓዛ ዘውጽእ ደቡባዊ ኬላ’ዩ፤ ምስ በረኻ ሲናይ ግብጺ ድማ ይዳወብ።

ካብን ናብን ምድረበዳ ቓዛ ዘሳግሩ ካልኦት ክልተ ዶባት እዮም ዘለዉ - ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ምስ እስራኤል ዝዳወብ ኣፍደገ ዕረዝን ኣብ መንጐ እስራኤልን ቓዛን እንኮ ንግዳዊ መተሓላለፊ ዝዀነ ከረም ሻሎምንክልቲኦም ድማ ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

ሓይልታት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ዕረዝ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም።

ድሕሪ መዓልታት እስራኤል ዕረዝ ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ከም ዝተዓጸወ ኣዊጃ። ስለዚ ሲቪላት ናብ ቓዛ ዝኣትዉሉን ዝወጹሉን እንኮ መሳገሪ ኣፍደገ ራፋ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ራፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ መንገዲ’ውን እዩ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ብዛዕባ ኵነታት መሳገሪ ዶብ ራፋ ተጋራጫዊ ጸብጻባት ይዝርጋሕ ኣሎ።

ሓማስን ግብጽን መን ክሓልፍ ከም ዝኽእል ይቈጻጸሩ፤ እንተዀነ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ብቦምባታት ብምድብዳብ ነቲ መስርሕ ምስጋር ክትዘርግ ትኽእል’ያ።

ማዕከናት ዜና ግብጺ፡ እስራኤል ብ9ን 10ን ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ራፋ ድሕሪ ዘካየደቶ ሰለስተ መጥቃዕቲ እቲ መሳገሪ ከም ዝተዓጽወን ብወገን ግብጽን ፍልስጤምን ኣብቲ መሳገሪ ዕንወት ከም ዝወረደን ገሊጸን።

ግብጺ፡ ብ12 ጥቅምቲ እስራኤል ኣብ ጥቓ ራፋ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር ደው ከተብል ሓቲታ፤ እዚ ድማ ምእንቲ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ከም "ናይ ደገፍ መስመር ህይወት" ኰይኑ ከገልግል’ዩ።

ወሲኻ’ውን ክሳዕ ድሕነት ሰራሕተኛታታ ውሑስ ዝኸውን ከም ዘይትኸፍቶ ኣፍሊጣ።

ምዕራባውያን ሃገራት እውን ራፋ፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ዘለዎም ሰባትን ንሰብኣዊ ሓገዝን ውሑስ መሕለፊ ክኸውን ንምርግጋጽን ይጽዕራ ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ "እቲ መሳገሪ እንተተኸፊቱ ኣዝዩ” ንውሱን ግዜ ጥራይ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ዜጋታታ ናብ ራፋ ገጾም ክጽግዑ ከም ዝተነግሮም ገሊጹ።

እቲ መሳገሪ ክኽፈት ይኽእል እዩ ዝብሉ ወረታት ዝሰምዑ ነበርቲ ቓዛ ክሰግሩ ተስፋ ብምግባር ናብቲ ዶብ ይግዕዙ ኣለዉ።

ብሰኑይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ራፋ ንግዚኡ ክኽፈት ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም ህዝቢ ኣብቲ ኣፍደገ ተኣኪቡ ነይሩ።

እስራኤልን ሓማስን ግን ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብቕልጡፍ ነጺጐሞ’ዮም።

ኣፍደገ ራፋ ስለምንታይ ተዓጽዩ ዝቕጽል ኣሎ?

እስራኤል፡ ዕጡቓት ሓማስ ካብ ቓዛ ከይወጹ ክትከላኸል ትደሊ። ኵለን ናብ ቓዛ ዝጓዓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ድማ ኣጽዋር ከም ዘይጸዓና ንምርግጋጽ’ውን ትደሊ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ግብጺ፡ ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ንዘለዎም ሰባትን ንሰብኣዊ ሓገዝ ክበሃል እቲ ዶብ ንክኽፈት ምስ ካልኦት ሃገራት ትተሓባበር ዘላ ትመስል።

ይዅን’ምበር መንግስቲ ግብጺ፡ ፍልስጤማውያን ናብ ሲናይ ከይግዕዙን እስላማውያን ዕጡቓት’ውን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ’ውን ስክፍታ ኣለዎ።

ስለዚ እቲ ዶብ፡ ንዝዀነ ሰብ ይዅን ክሃድሙ ንዝደልዩ ነበርቲ ቓዛ ክኸፍት ድሌት ክህልዎ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ።

'ኣይበልዕ፡ ኣይድቅስ'

ጓል 32 ዓመት ሴሊን ቤን ደቪድ ናጋር፡ ንሽዱሽተ ሕጕሳት ኣዋርሕ ኣብ ዕረፍቲ ወሊድ እያ ጸኒሓ። ዝሓለፈ ሰንበት፡ ዕረፍታ ወዲኣ ናብ ስራሕ ክትምለስ ክትዳሎ ነይርዋ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ቓዛ፡ ኣብ ኢድ ሓማስ ከም ዘላ’ያ ትሕሰብ።

ቀዳም ንግሆ ምስ ክልተ ኣዕሩኽታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል ሙዚቃ ኖቫ ክትሳተፍ ተበጊሳ’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ ድምጺ ሮኬት ምስ ሰምዑ ግን ንድሕሪት ተመሊሶም።

ኣብ ከባቢ ስደሮት ናብ ዝርከብ ህዝባዊ መዕቆቢ ከይዶም። ካብኡ እያ፡ ሰሊን ንመወዳእታ ግዜ ናብ በዓል ቤታ ኢዶ ናጋርን ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ጓሎም ኤሊን መልእኽታ ዝሰደደት።

ኢዶ ሽዑ ናብቲ መዕቆቢ ገጹ ብፍጥነት እኳ እንተኸደ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግን ክሓልፍ ኣይፈቐደሉን።

ሰንበት ኢዶ፡ ዕጡቓት ሓማስ ናብቲ መዕቆቢ ቦምባታት ከም ዝደርበዩን ኣዕሩኽቲ ሰሊን ከም ዝቐተሉን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ነጊርዎ። ሰሊን ግን ብህይወት ከም ዝተረፈት’ውን ካብቲ ሰብ ፈሊጡ።

ኣብተን ዝሓለፋ ሽዱሽተ መዓልታት ኢዶ ዝፈለጦ ነገር እንተሃልዩ ሬሳ በዓልቲ ቤቱ ከም ዘይተረኽበ ጥራይ እዩ።

ሕጂ ኣብ ሓያል ጭንቀት 24 ሰዓታት ምሕላፍ ካብ ዝጅም ሰሙን ገይሩ’ሎ።

ሴሊን ቤን ዴቪድ ናጋር ምስ በዓል ቤታ ኢዶን ህጻን ጓሎም ኤሊን (ስእሊ ካብ ኢዶ ናጋር ዝተረኽበ)

ምንጪ ስእሊ, Ido Nagar/BBC

መግለጺ ስእሊ, ሰሊን ቤን ደቪድ ናጋር ምስ በዓል ቤታ ኢዶን ህጻን ጓሎም ኤሊን (ስእሊ ካብ ኢዶ ናጋር ዝተረኽበ)

"ኣይድቅስ፡ ኣይትበልዕ” ክብል ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ዝርከብ ገዛኡ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ፍጹም ረዳኢ ከም ዘይብሉ ከም ዝስምዖ ገሊጹ።

በዓልቲ ቤቱ ኣብ ፈረንሳ ዝዓበየትን ፈረንሳዊት እስራኤላዊት ዜጋን እያ።

"እትገርም፡ ብፈተውትን ብፍቕርን ዝተኸበበት ሰብ እያ" ይብል እናበኸየ።

"መስተንክር ኣደ እያ። ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ኣላትና። [እቲ ፈስቲቫል ሙዚቃ] ናብ ስራሕ ቅድሚ ምምላሳ ከተስተማቕሮ ዝግባእ ናይ መወዳእታ ድግሳ ክኸውን ነይርዎ።”

ኣዕሩኽቱን ኣዝማዱን ነታ ሰሊን ጡብ ተጥብዋ ዝነበረት ኤሊ ንምምጋብን ንምእላይን ክሕግዙ መግብን ጸባን ሒዞም ይመጹ ኣለዉ።

ኢዶ መብዛሕትኡ ግዜኡ፡ ንጸገም እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምጕላሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዘውዕሎ ዘሎ። ምስ ካልኦት ኣዝማዱ ኣብ ናይ ዋትስኣፕ ጕጅለ ሓበሬታ እናካፈሉ ይርከቡ።

ብዛዕባ ኵነታት እቶም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ዝእመነሎም ኣስታት 150 ጅሆ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣበይ ከም ዘለዉ’ውን ኣይፍለጥን።

ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ "ውሑስ ቦታታትን ጉሕጓሓትን" ከም ዝሓብኦም እኳ እንተገለጸ፡ ኣባይቲ ሲቪል ሰባት ብደብዳብ እስራኤል እንተተደብዲቦም ግን ብዘይ መጠንቀቕታ ከም ዝቐትሎም ኣፈራሪሑ።

ከም ኢዶን ንዝኣመሰሉ ሰባትን ኣማኢት ናይ ቀረባ ኣዝማድን፡ እዚ ዘይበራበሩሉ ዘስካሕክሕ ሕልሚ እዩ።

ምስ ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ኣብ ሓደጋ ዘላ ከተማ ከሃን ዩኒስ

ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ሰሜን ናብዛ ከተማ ሃዲሞም መጺኦም’ዮም።

ነዳዲ ዝረኸቡ ብመካይን፡ እንተዘይኰይኑ ብፈረስን ዓረብያን፡ ኣማራጺ ዘይረኸቡ ድማ ብእግሮም ናብ ከተማ ካን ዩኒስ ግዒዞም።

ምስ መጹ ግን ብዝሒ ህዝባ ቃል ብቓሉ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዕጽፊ ንኽውስኽ ምድላዋት ዘይገበረት ከተማ እዮም ረኺቦም።

ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ጐደና፡ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ብኣቦታት፡ ኣደታት፡ መንእሰያትን ህጻናትን ኣዕለቕሊቝ’ዩ፤ ካልእ ክኸድዎ ዝኽእሉ ቦታ ድማ የለን።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ሰሜን ቃዛ ሃዲሞም

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ሰሜን ቓዛ ሃዲሞም

ሓማስ ከም ዝበሎ፡ እስራኤል ንኽወጹ ድሕሪ ዝሃበቶ ትእዛዝ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ካብ ዝርከቡ 1.1 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም 400 ሽሕ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ብመንገዲ ሳላሓዲን ንደቡብ ኣንፈቶም ከይዶም’ዮም።

ሓማስ ሰባት ከባቢኦም ገዲፎም ከይወጹ ትእዛዝ ሂቡ’ኳ እንተነበረ፡ ስግኣት ቦምባታትን ወራርን እስራኤል ግን ብዙሓት ትእዛዝ’ቲ ጕጅለ ከይሰምዑ ገይርዎም’ዩ።

ኣብዛ ብዅሉ ወገን ተዓጽያ ካብ ዓለም ዝተቘርጸት ጸባብ ወሽመጥ ግን፡ ሰባት መዕለቢኦም ክረኽቡ ዘለዎም ኣማራጺታት ድሩት እዩ፤ ድሕነት ፈጺሙ ውሕስነት የብሉን።

ስለዚ ድማ ብዙሓት ነበርቲ ቓዛ ድሮ ካብ ገዛኦም ውሒዞም፡ ጠፊኦም፡ ኵሎም ፈሪሖም፡ ኵሎም ብዛዕባ ዝቕጽል ነገር ዋላ ሓንቲ ከይፈልጡ፡ ኣብዛ ከተማ ተኣኪቦም።

ቅድሚ’ቲ ፍጻመ 400,000 ሰባት ዝነበራ እዛ ከተማ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ ትርከብ።

ፍልስጤማውያን ኣብ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ማይ ዝርከበን ቦታታት ካን ዩኒስ ማይ ክመልኡ ይጽበዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ኣብ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ማይ ዝርከበን ቦታታት ካን ዩኒስ ማይ ክመልኡ ይጽበዩ

ነፍሲ ወከፎም መጽለልን መግብን የድልዮም እዩ፤ ኣብ ከምዚ ኵነታት ንኽንደይ ግዜ ከም ዝጸንሑ ድማ ዝፈልጥ የለን።

እቶም ድሮ ውሑዳት ዝነበሩ ጸጋታት ብቕልጡፍ ይውድኡ ኣለዉ። ከሃን ዩኒስ ድሮ ተዳኺማ ዝጸንሐት ከተማ እያ። እቲ ዋሕዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ ነገራት ክዝረጉ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ትሑት ኣገደስቲ ነገራት ዝሓዘ ቀንዲ ሆስፒታል፡ ሕጂ መዕቈቢ ኰይኑ ኣሎ።

ሓካይም ብቦምባታት እስራኤል ዝተጐድኡ ሓደስቲ ቍሱላት ንምሕካም ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ሆስፒታል ብስደተኛታት ተመሊኡ ይርከብ።

ሰባት ናብዚ ብምምጽኦም ክውቀሱ ኣይክእሉን።

ኣብ እዋን ኲናት፡ ሆስፒታላት ካብተን ውሑዳት ውሑሳት ቦታታት እየን - ብዓለምለኸ ሕጊ ስለ ዝሕለዋ።

"ውሑሳት" ዝዀና ኣብ መላእ እታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ብብዙሓት ስድራቤታት መሊአን እየን - ምናልባት ዓሰርተታት ኣሽሓት።

ኣብ ሓንቲ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ረድኤት እትመሓደር ቤት ትምህርቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ መሊኡ፡ ነፍሲ ወከፍ በረንዳ ብጨርቂ ተሸፊኑ ይርከብ።

ኣደታትን ኣብ መረባ ምግቢ ይሰርሓ፡ ዝጠመዩ ደቀን ብዓቕሊ ጽበት ይጽበይወን።

ገለ ካብቶም ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝሃድሙ ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ተዓቚቦም ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ካብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝሃድሙ ኣብ ከሃን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ተዓቚቦም ይርከቡ

ደጊም ቦታ እንተዘይሃልዩ፡ የለን’ዩ - ደቂ ሰባት ናብ ጐደናታት፡ መንገድታትን ትሕተ-መገድታትን ክፈሱ ግድን እዩ፤ ዝሓሸ ነገር እናተጸበዩ ኣብ ሓመድ፡ ዶሮናን ፍርስራስን ክድቅሱን ክነብሩን ዘይተርፍ ይኸውን።

መግቢ ውሑድ፡ ነዳዲ ውሑድ እዩ። ኣብ ድኳናት ማይ የለን። ብሓፈሻ ዘስካሕክሕ ኵነታት እዩ ዘሎ።

እታ ከተማ ካብ መጥቃዕቲ’ውን ውሑስቲ ኣይኰነትን። ብቐጻሊ ብቦምባ ትድብድብ - ሕጂ’ውን ኣብ ዞባ ኲናት እያ ትርከብ። ዝፈረሱ ህንጻታትን ኣብ ጐደናታት፡ ኵምራ ፍርስራስ ምርኣይ ልሙድ’ዩ።

ቀጻሊ ዒላማአን ዝደልያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ድምጸን ወትሩ ይስማዕ።

ቦምባታት ይወድቍ፡ ህንጻታት ድማ ይዓንዉ፡ ሆስፒታላትን መካነ-ሬሳታትን ዝያዳ ይመልኡ።

ሰባት ከምዚ ኢሎም ክነብሩ ኣይክእሉን። እቲ ወራር ድማ ገና ኣይተጀመረን ዘሎ።