ን17 ዓመታት ኣብ ጫካ ዝተረሰዐ ሰባኺ

ምንጪ ስእሊ, Michael Hayes
ወዲ 75 ዓመት እዩ፤ ፓስተር ዋይ ሂን ኒ ይብሃል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሰሜን ካሮላይና ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ወንጌል ይሰብኽ።
እዋን ንእስነቱ ግን፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ጫካ እዩ ኣሕሊፉዎ።
ኣብኡ፡ ንወተሃደራት ቬትናም ንዝዋግኡ ብጾቱ ስብከታት ይህብ ነይሩ።
እታ ኤኬ-47 ብረቱ ክኣ ካብ ጐኑ ተፈልያ ኣይትፈልጥን።
እቶም ሃዲሞምን ካብ ዓለም ተቖራሪጾምን ዝነበሩ ሂን ኒን ኣሃዱኡን መግቢ ክምእርሩን ንዴሳዊ ሰልፊ ክሜር ሩጅ ንምኽፋል ቈርበት ነብሪ ክሃድኑን ይወጽኡ ነይሮም።
ክሳብ ሂን ኒ ንናጽነቶም ዝደራደር እዚ ኣብ ጸምጸም በረኻ “ዝተረሰዐ ሰራዊት" ክሳብ 1992 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዕጥቂ ኣየውረደን ነይሩ።
ዋይ ሂን ኒ (Y Hin Nie) ምሸት 30 ጥሪ 1868 ዓ.ም ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍ ሞት በጺሑ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሰሜን ቬትናም ዝቃለስ ዝነበረ ዴሳዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ቬትኮንግ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ጽምብላት ሓድሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ ብኣሜሪካ ተታሒዘን ዝነበራ ከባቢታት ብርቱዕ ሮኬታት ብምትኳስ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይፍጽም።
ሂን ኒ ኣብ ቬትናም እዩ ዓብዩ።
ኣብ ከበሳታት ማእከላይ ቬትናም ዓባይ ከተማ ኣብ ዝዀነት ቡኦን ማ ቱኦት ምስ ኣመሪካውያን ክርስትያን ሚስዮናውያን ይነብር ነይሩ።
ኣቡኡን ኣዲኡን፡ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ዝሓሸ ህይወት ንክህልዎ ብዝብል ጌና ወዲ ሸሞንተ ዓመት እንከሎ ምስቶም ሚስዮናውያን ገዲፎምዎ ከም ዝኸዱ ይዛረብ።
እቲ ዝዓበየሉ ገዛ በቶም ዝትኰሱ ዝነበሩ ሮኬታት ክህረም እንከሎ፡ እታ ዘዕበየቶ ኣደ ካሮሊን ግሪስዎልድ ደቂሳ’ያ ነይራ።
ገለ ሚስዮናውያን ብምጥቃስ ዝወጽኡ ጸብጻባት ድማ፡ ሰራዊት ኮሚኒስት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ’ውን ነታጒ ከም ዘፈንጀሩ ይሕብሩ።
ኣቦ ካሮሊን ሊዮን ብኡንብኡ ሞተ።
ሂን ኒ - ብኣጋጣሚ ኣብታ ለይቲ ኣብ እንዳ ዓርኩ’ዩ ሓዲሩ - ተጓይዩ ናብ ገዝኡ ብምኻድ ንካሮሊን ካብቲ ፍርስራስ ከውጽእ ጻዕሪ ገይሩ።
ድሕሪኡ ግን ነዊሕ ከይጸንሐት ሞተት።
"ኣደይ ተሳቕያ እያ ሞይታ። ኣምላኽ ንዓይ ብህይወት ኣትሪፉኒ”።
ካልኦት ብዙሓት ሚስዮናውያን ክቕተሉን ክትሓዙን እንከለው፡ ሂን ኒ ንመሕብኢ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ድፋዕ ተሓቢኡ።
ስድርኡ ተቐቲሎም፤ ኣብ ውሽጢ ሓዘን ኰይኑ ርእሱ ከድንን ኣይፈቐደን።
እንታይ ድኣ፤ ንነብሱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣዕቒሉ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል ጀመረ።
ክሳብ እቲ ወሳኒ ኲናት ተኻይዱ ብኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረ ሰራዊት ደቡብ ዓንዩ ካብ ከተማ ቡኦን ማ ቱኦት ንድሕሪት ክምለስ ዝግደድ ኣብ ዘሎ 1975 ዓ.ም፡ ኒ ኣብቲ ኲናት ኣይተጸንበረን።
ቦምባታት እንትዘንብ፤ ሂን ኒን ካልኦት 32 ተማሃሮ ቅዱስ መጽሓፍ ሓያሎ ኪሎሜተራት ብእግሮም እናኸዱ ከምልጡ ይፍትኑ።
ኣብዚ ግዜ እዮም ተጋደልቲ ስሙር ግንባር ሓርነት ውጹዓት ዓሌታት (Fulro) ንሂን ኒ ረኺቦምዎ።
እዞም ተጋደልቲ፡ ንርእሰ ምሕደራ ‘ሞንታግናርድስ’ ዝብሃሉ ውሑዳት ብሄራት ዝቃለሱ ዝነበሩ ዕጡቓት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም ኣብ ከበሳ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ቬትናም ንነዊሕ እዋን ብክርስትያናዊ እምነቶም ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ግፍዕን ስቅያትን ክበጽሖም ጸኒሑ።
ሂን ኒ ምስ ኣመሪካውያን ሚስዮናውያን ዘለዎ ጥቡቕ ርክብን ዝዛረቦ እንግሊዝኛን ምስቶም ኣብ 1973 ካብቲ ኲናት ቅድሚ ምውጽኦም ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ከበሳ ከም ተጋደልቲ ቅድመ ግንባር መልሚሎም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ዳግማይ ንምትእስሳር ክሕግዞም ከም ዝኽእል ተስፋ ገበሩ።
ሂን ኒ፡ ምስቶም ከማኡ ውፉያት ክርስትያን ዝዀኑ ተጋደልቲ ክጽንበር ድልየት ሓዲሩዎ።
“ኣማራጺ ኣይነበረንን፤ ልበይ ተንኪፉኒ።"
ብ10 መጋቢት 1975 ዓ.ም ክኣ ምስኦም ናብ ጫካ ሃዲሙ።
ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ዓመታት ብቐጻሊ እናሃደሙ፣ ካብ ሰራዊት እናተሓብኡ ኣብ ውሽጢ ቬትናም ጸንሑ።
"ተኲስካ ጉያ፤ ተኲስካ ጉያ እዩ። ብርቱዕ ኣጽዋር ኣይነበረናን" ይብል።
ንሱ፡ ኣብ ቀጥታዊ ውግእ እኳ እንተዘይተሳተፈ ንነብሱ ንምክልኻልን ንሃድንን ዝኸውን ኤ.ኬ-47 ከም ዝሓዘ ይዛረብ።
ኣብ 1979 ወተሃደራት ቬትናም ንዕጡቓት ‘ፉልሮ’ ንምሓዝ ስርሒታቶም የስፍሑ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ጉጅለ ናብ ካምቦድያ ሃዲሙ፤ ናብ ምዕራብ ቬትናም ማለት’ዩ።
"ኣብኡ ክንጸንሕ ስለ ዘይከኣልና፡ ዶብ ሰጊርና። ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ" ይብል።
ካብ ቬትናም ምውጻእ ግን ሓድሽ ሓደጋታት ኣምጺኡ።
ደባይ ተዋጋእቲ ፖል ፖት (ቀዳማይ ሚኒስትር ካምቦዲያ ነበር) ዝመርሖ ዝነበረ ጨፍጫፊ ክመር ሩጅ ንገለ ከባቢታት ምብራቓዊ ዶብ ካምቦድያ ተቘጻጺሮም ነይሮም።
ተረፍ መረፍ እቲ ስርዓት - ኣብ ካምቦድያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ራዕዲ ተሓታቲ ሞት ኣስታት 1.7 ሚሊዮን ሰባት ምዃኑ ይንገር - ብቬትናም ብዝድገፉ ሓይልታት ድሕሪ ምውዳቖም ናብኡ’ዮም ሃዲሞም።
ምንቅስቓስ ‘ፉልሮ’ ኣብቲ ከባቢ ንኽጸንሕ ካብ 'ክመር ሩጅ' ፍቓድ ስለ ዘድለዮ፡ ሂን ኒ ኣብ ጫካታት ዞባ ሞንዱልኪሪ ምስ ኣዘዝቲ ናይቲ ከባቢኦም ተራኸበ።
" 'ሓደ ጸላኢ ኣለና' ኢለዮም - እታ እንኰ ዝተሰማማዕናላ ነገር እያ ነይራ። እቶም ኮሚኒስት ካብ ቬትናም ናብዚ ሸነኽ እንተመጺኦም፡ ሽዑ ክንነግሮም ንኽእል ኢና" ይብል።
ክመር ሩጅ (Khmer Rouge) ሂን ኒን ጋንትኡን ክጸንሑ ፈቐደሎም።
ግን ክኣ፡ ወርሓዊ ብብዝሒ ቆርበት ነብሪን ገበልን ከምኡ'ውን ቀርኒ ሓራምዝ ወርሓዊ "ግብሪ" ክትከፍሉ ኢኹም ኢሉዎም።
ሂን ኒ፡ ኣሃዱኡ ነብሪ ኣብ መጻወድያ ከም ዝሓዘት ይዛረብ። ነብሪ ኣብቲ መዓስከር ሰለስተ ሰባት ቀቲሎም ስለ ዝነበሩ በዓል ሂን ኒ ኣዝዮም ዝፈርሑዎ እንስሳ እዩ።
እንተዀነ፡ ዚያዳ ‘ክመር ሩጅ’ ኣይነበረን።
"ኣዝዮም ተቖጢዖም፡ ንኩሉ ይቘጽሩዎ። ብዙሕ ግዜ 'ግብሪ እንተዘይከፊልኩም ክትከዱ ኢኹም' እናበሉ የፈራርሑና ነይሮም”።
ፉልሮ፡ ካብ ሓደ ጫካ ናብ ካልእ እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ ስለ ዝነበሩ ምስ ሓይልታት ቬትናም ኣብ ረጽሚ ዝኣተውሎም ኣጋጣሚታት ነይሮም’ዮም።
ተጋደልቲ ፉልሮ ልክዕ ከም እንስሳታት እናተንቀሳቐሱ ዝነብሩ፣ ቈጽሊ ኣግራብ ሓዊሱ ዝረኸብዎ ይበልዑ ከም ዝነበሩ ሂን ይዛረብ።
"ብእግርና ከይድና ከይድና . . . ከይድና . . . ከይድና ሓራማዝ ወይ ዝዀነ ክንርእዮ እንኽእል ነገር ንሃድን"።

ምንጪ ስእሊ, NATE THAYER COLLECTION
ኣብ ሞንጐ እዚ፡ ኣባል እቲ ጕጅለ ምስ ዝነበረት ኤች ቢዩህ ተመርዕዩ።
ኣብ ጫካ እንከለው ሰለስተ ቈልዑ ወሊዶም፤ እቲ ሓደ ግን ሞይቱ።
ኣብቲ እዞም ተጋደልቲ ዘለው መዓስከር፡ ሃይማኖት ቀጻሊ እዩ።
ሂን ኒ፡ ኣብ ሓድሽ ቦታ ብዝበጽሑ ቑጽሪ ዝገብራ ናይ መጀመርታ ነገር መስቀል ምትካል እዩ።
ብድሕሪኡ ንወተሃደራት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ስብከት የካይድ።
በዓል ልደት ፈጺሙ ዘንጊዑዎ ኣይፈልጥን።
ብ1982 ሓደ ለይቲ ተኣኪቦም ይዝምሩ ነበሩ፣ ገለ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ‘ክመር ሩጅ’ ድማ ካብ ርሑቕ ሰሚዖምዎም።
ሰሚዖም ስቕ ኣይበሉን፤ ናብቲ ዘለውሉ እዮም መጺኦም።
"ሓደ ጀነራል እቶም ደርፍታት ኣዝዮም ጽቡቓት ስለ ዝዀኑ ክንጽንበረኩም’ዶ ኢሉ ሓቲቱ፤ ተጸምቢሮምና። ዘሚርና። ድሕሪኡ ብኽልቲኡ ቋንቋታት - ክመርን ቡኖን ግን ሰቢኸ" ብምባል ይዝክር።
ቬትናማውያን ዴሳውያን’ውን ነቲ ደርፊ ሰሚዖም ናብኦም ቀሪቦም፤ ፉልሮን ክመር ሩጅን ግን ሰጒጎምዎም።
ሂን ኒየ ፓስተር ፉልሮ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ መራሒ መኮንን እዩ ነይሩ።
እዚ ማለት ምስ ናይቲ ከባቢ ክመር ሩጅ ዘራኽቡ ጉዳያት ይከታተል።
ብተወሳኺ ኣብታ ዝረስዓቶ ዓለም እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ሓበሬታ ንምርካብ ወትሩ ንጉሆ ቢቢሲ፣ ድምጺ ሬድዮ ኣሜሪካን ቬትናምን ሓዊሱ ብሓጺር ማዕበል ዝፍነው ፈነወታት ይሰምዕ።
ኣብ 1991፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሁን ሰን ዝነበሩ ሓይልታት ካምቦድያ - ን38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ስልጣኑ ንወዱ ዘውረሰ- ሂን ኒየ ንክደራደር ሓድሽ ስግኣት ኰይኑዎ።
ብዘይካ ውሑዳት ናይቲ ከባቢ ወተሃደራት ክመር ሩጅን ካምቦድያን፡ ተጋደልቲ ፉልሮ ገና ኣብ ጫካ ከም ዘለዉ ዝፈልጥ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን።
እቶም ናይ ቀደም ብፆቶም’ውን ብህይወት ምህላዎም ኣይፈልጡን። ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣይፈልጥን።
ስለዚ ብ1992 ሂን ኒ ምስ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ድርድር ምስ ጀመረ ሃለዋት እዞም ተጋደልቲ ዓቢ ስግንጢር ኰነ።
ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት ሃገራዊ መረፃ ካምቦድያ ንምምሕዳር ኣካል ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ኰይኖም’ዮም መጺኦም።

ምንጪ ስእሊ, Y HIN NIE
ሂን ኒ፡ ምስ ሓደ ናይቲ ከባቢ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተራኸበን፡ "ፉልሮ ኢና - ናፅነትን ሓገዝኩምን ንፅበን ኣለና" ዝብል ጽሑፍ ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ከም ዘርኣዮምን ይዛረብ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ጉጅለ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ምስ ሂን ኒ ክራኸቡ መጺኦም።
"ስለ ምንታይ ኣብ ጫካ ከም ዝነብር ንምርግጋፅ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል መርመራታት ገይሮም" ይብል።
በዚ ኣገባብ፡ ክመር ሩጅ ድዩ ኣይኰነን ንምፍላጥ ጻዕሪ ይገብሩ፤ ኣይኰንኩን ኢሉዎም።
ድሕሪኡ፡ ዳግም ምስ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ።
ሂን ኒ "ንኮሚኒስት ንምምካት" ተወሳኺ ኣጽዋር ሓቲቱ፤ ግን ከምኡ ከም ዘይከኣል ተነጊርዎ።
"400 [ተጋደልቲ] ጥራይ ኣለዉኻ - ኣብ ቬትናም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣለዉ። ክትሞቱ ኣይንደልን ኢና" ይብል እቲ ዝተዋህቦ መልሲ።
ድሕሪኡ ኣብ ነሓሰ 1992 ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኔት ታየር ናብቲ መዓስከር ብምኻድ ዛንታ ናይቶም ናይ መወዳእታ ተጋደልቲ ፉልሮ ብንዓለም ነጊሩ።
ታየር ኣብ ‘ፍኖም ፔን ፖስት’ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ጉጅለ ገና ካብቲ ቅድሚ 17 ዓመታት (ኣይፈልጡዎን) ብክመር ሩጅ ዝተቐትለ መራሒኦም መምርሒ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
"በጃኻ፡ ፕረዚደንትና ዋይ ባም ኢኑኦል ንምርካብ ክትሕግዘና ትኽእል ዲኻ?" ክብል ዋና ኣዛዚ ፉልሮ ዋይ ፔንግ ኣዩን ሓቲቱ።
"ካብ 1975 ጀሚሩ ካብ ፕሬዝደንትና ርክብን ትእዛዝን ክንጽበ ጸኒሕና። ኣበይ ከም ዘሎ ትፈልጥ’ዶ?"
ምሟቱ ምስ ተነግሮም፡ ገለ ካብ ኣባላት እታ ጉጅለ በኽዮም።
ሂን ኒ፡ በታ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ዝከታተለላ ሬድዮ ዜና ሞት ፕረዚደንት ፉልሮ ሰሚዑ ኣይፈልጥን።
ንሱን ብፆቱን እቲ ኲናት ከም ዝተዛዘመ ሰሚዖም እኳ እንተነበሩ ኣሜሪካ ዳግማይ ክትራኸብን ደገፍ ክትገብርን ትኽእል እያ ዝብል ዘይክውንነታዊ ተስፋ ግን ነይሩዎም።
ተጋደልቲ ፉልሮ ዋላ እኳ ኣብ ዶብ ተዓጽዮም እንተነበሩ፡ ነቲ ንዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ ገዲፎም ስደተኛታት ክዀኑ ግን ፍፁም ድልየት ኣይነበሮምን።
ሂን ኒ ብዛዕባ ኣሜሪካ እንታይ ይስምዓካ ተባሂሉ ተሓቲቱ።
"ኣይሓርቕን፤ ግን ኣመሪካውያን ስለ ዝረስዑና ኣዝየ ይሓዝን። ኣመሪካውያን ከም ዓቢ ሓውና ስለ ዝዀኑ፡ ሓውኻ ክርስዓካ እንከሎ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ክብል ንታየር ኣውጊዑዎ።
ተጋደልቲ ፉልሮ መራሒኦም ከም ዘየለ ምስ ፈለጡ፡ ዕጥቈም ከውርዱ ተሰማሚዖም ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ሓቲቶም።

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL HAYES
እቲ ጉጅለ ንቡር መስመራት ስደተኛታት ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ብነፈርቲ ወጺኡ።
ገዳይም ተጋደልቲ ፉልሮ ጋዜጠኛ ታይየር ታሪኽና ንዓለም ዝነገረ ኢሎም ይንእዱዎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዝኦም ክኣ ተፈልዩዎም ኣይፈልጥን።
እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዓሪፉ - ሂን ኒ ንስነ ስርዓት ዝኽሪ ክመርሕ እንከሎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ቀብሩ ተረኸዒቦም።
ኣብ ሕዳር 1992 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ሂን ኒ፡ ሰባት "ዝተረሰዐ ሰራዊት" ብዝብል ባነር እዮም ተቐቢሎሞም።
ንሱን በዓልቲ ቤቱ ኤች ቢዩህን ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቆም ናብ ግሪንስቦሮ ግዒዞም ኣብ ኣሜሪካ ይርከቡ።
ኣብ ቀረባ፡ ሂን ኒ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዛዕባ ዝበጽሐ ግፍዒ ምስክርነት ክህብ ጀሚሩ።
ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ስብከቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ቬትናም ዒላማ ኰይኑ ይርከብ።
መንግስቲ ቬትናም ዕጡቓት ፉልሮ ክሳብ ሕጂ ከም ዘለው ይገልጽ።
ከም በዓል ሂን ኒ ዝኣመሰሉ ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣባላት ነበር ድማ ኣብ ቬትናም ናዕቢ ከካይዱ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ይኸሶም።

ምንጪ ስእሊ, Y HIN NIE
እቲ ጉጅለ ንቡር መስመራት ስደተኛታት ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ብነፈርቲ ወጺኡ።
ገዳይም ተጋደልቲ ፉልሮ ጋዜጠኛ ታይየር ታሪኽና ንዓለም ዝነገረ ኢሎም ይንእዱዎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዝኦም ክኣ ተፈልዩዎም ኣይፈልጥን።
እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዓሪፉ - ሂን ኒ ንስነ ስርዓት ዝኽሪ ክመርሕ እንከሎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ቀብሩ ተረኺቦም።
ኣብ ሕዳር 1992 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ሂን ኒ፡ ሰባት "ዝተረሰዐ ሰራዊት" ብዝብል ባነር እዮም ተቐቢሎሞም።
ንሱን በዓልቲ ቤቱ ኤች ቢዩህን ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቆም ናብ ግሪንስቦሮ ግዒዞም ኣብ ኣሜሪካ ይርከቡ።
ብ2021፡ ማዕከን ዜና ቪኦቪ፡ ሂን ኒ ብድሕሪ "ኣብ ማእከላይ ከበሳታት ዝመደበሩ ሃይማኖታዊ ኑፋቄ ተመሲሉ፡ ንህዝቢ ስሙር መንግስቲ ቬትናም ንምልዕዓል ዝዓለመ ትካል" ኣሎ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ሂን ኒ እዚ ትርጉም ዘይብሉ ክሲ እዩ ይብል።
ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ምሕደራ ቬትናም ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሞንታግናርድስ ዝወርድ ሰፊሕ ምፍርራሕ፣ ኢደወነናዊ ማእሰርትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ክሳብ ሕጂ ቐጺሉ ይርከብ።
መንግስቲ ቬትናም ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ፤ መልሲ ኣይሃበን።
ሂን ኒ ኣብ ግሪንስቦሮ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ሂን ኒስ ዩናይትድ ሞንታግናርድ ክርስትያን ብእንግሊዝኛ፡ ቬትናምን ራዴን ይሰብኽ።
ሓሓሊፉ ድማ ብቋንቋታት ማእከላይ ከበሳታት መዝሙር ይዝምረሎም።
"ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕለይ ፕሮፖጋንዳ ይነዝሑ፤ ፉልሮ ግን ሞይቱ’ዩ። ኵሎም ሞይቶም” ይብል።
"ቬትናማውያን ኣፍ ኣብ ቬትናም ዘለው ሰባት ክዓጽዉ ይፍትኑ - ኣነ ግን ኣብዚ ኣለኹ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







