ሰባት ስለምንታይ ህይወት ንዘድሕኑ ሕግታት ይቃወሙ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ናይ ድሕነት መቐነት ወይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ህይወት ንምድሓን ክሕግዝ ይኽእል እዩ፣ ግና ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ክሳብ ሕጂ ከተግብርዎ ዘይደልዩን ነዚ ዝጠልብ ሕጊ ዝቃወሙን?
“በቃ ጸሊአዮም” ትብል ሓንቲ ስለምንታይ ከምዘይትለብስ ዝተሓተተት ሰበይቲ። “ግድን ክትገብሮም ስለዘለካ ዝጸላእኽዎም ይመስለኒ፡ ዝያዳ ‘ክትገብር ይግባእ’ ስለዝበሃል’ዩ ይመስለኒ፡ ስለዚ ኣይደልን።”
“ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ ዓብላልነት ነገር’ዩ ዝመስለኒ” ይብል እቲ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ሰብኣይ። “ወሳኒ ኣነ እየ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣይትነግረንን።”
ኣብ’ቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ካብ ካብ ዝተቓወሙ ሰልፈኛታት ትጽበዮ ዓይነት ምኽንያታት’ዩ።
እቲ ተቓውሞኦም ብዛዕባ ምቾት ጥራይ ኣይኮነን፣ ወይ’ውን ህይወት ከድሕን ምኽኣሉ ብምጥርጣር’ውን ኣይኮነን።
ብሰበስልጣን እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክንገረካ ዘይምድላይ ወይ ምጽላእ’ዩ።
እቶም ኣብ ላዕሊ መልሲ ዝሃቡ ሰባት ግን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝተቓወሙ ኣይነበሩን። የግዳስ መቐነት ምግባር ዝኣበዩ፡ ብሪጣንያውያን መራሕቲ መካይን እዮም።
ኣብ ብሪጣንያ ካብ 1983 ጀሚሩ ኣብ ቅድሚት ኮፍ መበሊ ተሽከርከርቲ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት ኮፍ መበሊ'ውን ከይተረፈ መቐነት ክትገብር ብሕጊ ትሕተት።
እቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ግና፡ መቐነት ከምዘይገብሩ ገሊጾም።
ኣብ መንጎ ተቓውሞታት ናይ ገጽ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናይ ድሕነት መቐነትን ዝግበር ምውድዳር ህቡብ እዩ።
ምትእትታው ሕግታት መቐነት ድሕነት ግን ካብቲ ናይ ገጽ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ዝብል ረቛሒ ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ ነይሩ። ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ፡ ፋሕብትን ዝበለ፡ ዘፍርሕን ድንጉይን ነይሩ።
ካብ ምትእትታው ሕግታት መቐነት ድሕነትን ካልእ ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕናን ግን ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጽዳቕ ሕግታት ፍልልያት ዘሎ ዝመስል ስለምንታይ እዩ? ገለ ሰባት ብርግጽ ህይወት ዘድሕን ስጉምቲ ጥዕና ክቃወሙ ስለምንታይ ድሉዋት ይኾኑ?
ዘይንጹር ጅማሮ
መቐነት ድሕነት፡ ህይወት ከም ዘድሕን ዘይከሓድ መርትዖ እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ምትእትታዉ ግን ንጹር ኣይነበረን።
ኣፍረይቲ መካይን፡ ኩባንያታት መድሕን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ መካይንን ኩሎም ኣብ ሕግታት መቐነት ድሕነት ፍሉይ ረብሓ ነይርዎም።
ንኣፍረይቲ መካይን፡ እቲ ጉዳይ ወጻኢታት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ቀበቶ ድሕነት ካብቲ ጎስጓስ ዝገበረሉ ዝነበረ ቴክኖሎጂ መድሕን ሳንጣ ኣየር ኣዝዩ ዝሓሰረ ብምዃኑ ግዴታ ክኸውን ተስፋ ነይርዎም።
“[መቐነት ድሕነት ግዴታ እንተ ዀይኑ] ደገፍቲ ናይቲ፡ ኣብ እዋን ምግጫው ዝንፋሕ ናይ ኣየር ሳንጣ፡ እቲ መሳርሒ ብዙሓት ተጠቀምቲ ከይስእን ይሰግኡ” ክብል ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ 28 ለካቲት 1985 ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብ መፋርቕ 80ታት ሓደ ናይ ኣየር ሳንጣ ክሳብ 800 ዶላር ይሽየጥ ነይሩ፤ ሓንቲ መቐነት ግን ብሒደት ዶላር ትግዛእ። እቲ ሕጊ ኩለን መካይን ናይ ኣየር ሳንጣ ክግበረለን እንተዝጠልብ ነይሩ፡ ዋጋ ሓደስቲ መካይን ኣብ ዕዳጋ ንእሽቶ ቅልውላው ምፈጠረ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
መራሕቲ መካይን ዝያዳ ኣብ ምቾት እዮም ዝግደሱ ነይሮም። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 86 ሚእታዊ ኣሜሪካውያን መቐነት ድሕነት ህይወት፡ ከም ዘድሕን ክግንዘቡ እንከለዉ፡ ካብኣቶም 41 ሚእታዊ ጥራይ እዮም ብጭቡጥ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተገብሩ ካልኦት መጽናዕትታት እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝወሓደ ምዃኑ ይሕብሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክሳብ 65 ሚእታዊ ኣሜሪካውያን ንምቾት ክብሉ መቐነት ድሕነት ግዴታ ምግባር ተቓዊሞም ነይሮም።
ኩባንያታት መድሕን ካብ መቐነት ድሕነት ናይ ኣየር ሳንጣ ይመርጹ ነይሮም። ረብሓ ናይ ኣየር ሳንጣ ህይወት ንምድሓን ድሉው’ዩ። ሓንቲ መኪና፡ ሳንጣ ኣየር እንተተገጢሙላ፡ እቲ መራሒ መኪና ንምጥቃም ወይ ንዘይምጥቃም ኣማራጺ ኣይህልዎን፤ ብሰንኪ ሓደጋ ዝመጽእ መጉዳእትን ሞትን ስለዝንክይ ድማ ኩባንያታት መድሕን ክኸፍልዎ ዝግባእ ካሕሳ ይንክይ ኣሎ ማለት እዩ።
ፖሊስ ነቲ ሕጊ ንምትግባር መራሕቲ መካይን ደው ከብሉ ምግዳድ ተቓዊሞም ነይሮም። ሳንጣ ኣየር እንተዝኾን ግን ኣሰርተ ግዜ መካይን ደው ንክብላ ካብ ምግዳድ ይገላገሉ።
ስለዚ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መቐነት ድሕነትን ደገፍቲ ሳንጣ ኣየርን ብዙሕ ክትእ ነይሩ። እቲ ክትዕ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣየናይ እዩ ዝያዳ ህይወት ዘድሕን ዝብል ኣይነበረን።
ሕግታት መቐነት ድሕነት ግን ምሉእ ብምሉእ ንምትእትታው ዓመታት ወሲዱ እዩ።
ኣብ ካልኦት ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕና እውን ተመሳሳሊ ምድንጋር ነይሩ እዩ። ንኣብነት ኣብ ምትእትታው ሕግታት ሄልመት (ዘወርቲ ሞተር ብሽክለታ ዝገብርዎ ቆብዕ) ብዙሕ ምድንጋር ተራእዩ ነይሩ።
ዘይጽኑዕ ኣገባባት
ኣብታ ኣብ 1985 ሓድሽ ሕግታት መቐነት ድሕነት ዘተኣታተወት ግዝኣት ኢሊኖይ፡ ኣብ መጀመርታ መቐነት ዘይምግባር ከም ንእሽቶ ገበን ተቖጺሩ፡ ክሳብ 25 ዶላር የቕጽዕ ኔሩ።
ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ መራሒ መኪና ደው ዘብሉ ካልእ ገበናት ምስ ዝህሉ ኮይኑ፡ መቐነት ከይገበረ ምስ ዝጸንሕ ከምዝቐጽዑ ብግልጺ ኣፍሊጦም።
ደረጃ ተቓውሞን ብዝሒ ሕጋዊ ብድሆታትን ግድን ምስቲ ሓድሽ ሕጊ ወይ ደንቢ ምጽዳቕ ዝተኣሳሰር ከምዘይነበረ ንጹር እዩ። እቲ ምኽንያት ካልእ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ዩጎዝላቭያ፡ መራሕቲ መካይንን ተጓዓዝትን መቐነቶም ኣብ ቦትኡ ከምዝገጥም ከይገበሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንኵቦም ይገብርዎ ከምዝነበሩ መጽናዕቲታት የመልክቱ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መቕጻዕቲ ከምልጡ ዘኽእሎም እኳ እንተነበረ፡ ነቲ መቐነት ግን ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣይተጠቐሙሉን ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
መራሕቲ መካይን መቐነት ብግቡእ ንምግባር ዕላማ እንተዘይሃልይዎም ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድ ኣድልዩ?
ኣብ ቤት ፍርዲ ኣንጻር መቕጻዕቲ ምክታዕ ካብቲ ልኡም ክፍሊት ምኽፋል ኣዝዩ ይኸብር። ብዝኾነ ድማ ውሑዳት ሰባት እዮም ተቐጺዖም።
እቲ መጠን ተቓውሞ ቁም ነገር የብሉን፡ ምናልባት ሰባት ክሳብ ክንደይ ስልጣንን ሕጋዊ መስርሕን ከምዘኽብሩ ብዘለዎም ተኽእሎ ዝጽሎ እዩ።
እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ ሰባት ነቲ መምርሒ ይኽተልዎ ድዮም ኣይክተልዎን፡ ክሳብ ክንደይከ ብውጽኢታዊ መገዲ ይኽተልዎ ዝብል እዩ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ መቐነት ድሕነት ዘጋጠመ፡ እቶም ምትእትታዋት ለውጢ ከምጽኡን ምስ ግዜ ተቐባልነቶም እናወሰኸ ከም ዝኸይድን መርትዖታት የርእዩ።
ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕና፡ ውጽኢታዊ ክሳብ ዝኸውን ግዜ ይደሊ እዩ። እቲ መልእኽትን ንሕግታት ኽትግበር ዝፈቅድ ሕጋዊ ቅርጺን ግን ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ። ሰባት ግዜ ወሲዶም ቀስ ኢሎም ክሰማምዑ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







