ኣዝዩ ዝሓሰረ ሓድሽ ክታበት ዓሶ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ክጅምር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF OXFORD
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ብብዝሒ ክፈሪ ዝኽእል ሕሳር ዝተብሃለ ክታበት ዓሶ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ።
እዚ ክታበት ብዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ካልኣይ ዝማዕበለ ክታበት ዓሶ እዩ።
ዓሶ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሸላትን ህጻናትን ዝቐትል ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ካብ ዘጋጠሙ ዓበይቲ ሓደጋጋት ሓደ ምዃኑ ይእመን።
እዚ ተስፋ ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓድሽ ክታበት ዓሶ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ንምፍራይ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣድማዒ ክታበት ኣንጻር ዓሶ ንምምዕባል ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝወሰደ ሳይንሳዊ ጻዕሪ’ዩ ተገይሩ።
እዚ ሕማም ብሓደ ጽግዕተኛ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ብደም ዝመጣ ጣንጡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ።
ኣብ ውሽጢ ኣካላት ወዲ ሰብ ብቐጻሊ ቅርጺ ብምቕያር ክኣ ካብ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነትና ስለ ዝሕባእ ኣዝዩ ዝረቐቐ ቫይረስ እዩ።
እዚ፡ ሰብነት ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምህናጽ ኣጸጋሚ ይገብሮ፣ ካብኡ ብዝሰገረ ክታበት ንምምዕባል ኣጸጋሚ ኰይኑ ፀኒሑ።
እቲ ‘RTS,S’ ዝተባህለን ብ’GSK’ ዝማዕበለን ናይ መጀመርታ ክታበት ዓሶ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ካብ ዝረክብ ኣስታት ክልተ ዓመት ገይሩ ኣሎ።
ክልተ ተመሳሰልቲ ክታበት
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም በዚ ሓድሽ ምዕባለ “ልዑል ዕግበት" ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።
“ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት ዓሶ እንረኽበሉ መዓልቲ ክርኢ ይሓልም ነይረ፤ ሕጂ ክልተ ኣለና” ኢሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ውጽኢታዊነት ናይዞም ክልተ ክታበታት "ኣዝዩ ተመሳሳሊ'ዩ" ብምባል፡ እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝሓሸ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ቀንዲ ፍልልይ መጠን ምፍራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕበሎ ክታበት - R21 ዝበሃል ክታበት እዩ።
እቲ ዝዓበየ ኣፍራዪ ክታበት ዓለም - ሴረም ኢንስቲትዩት ህንዲ - ድሮ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ንምፍራይ ተዳልዩ ከም ዘሎን ኣብ ዓመት ክሳብ 200 ሚልዮን ክታበት ንምዕባይ መደብ ከም ዘለዎን ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 18 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት RTS,S ጥራይ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሓድሽ ክታበት ‘R21’ "ኣገዳሲ ተወሳኺ መሳርሒ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ክታበት ካብ 2-4 ዶላር ኰይኑ፡ ንሓደ ሰብ ኣርባዕተ ብልቃጥ የድልዮ። እዚ ድማ ኣስታት ፍርቂ ዋጋ RTS,S ማለት እዩ።
እቶም ክልተ ክታበታት ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ዝጥቀሙ ኰይኖም፡ ሓደ ዓይነት ደረጃ ዑደት ናይቲ ጽግዕተኛ ዓሶ ዒላማ ይገብሩ።
ይኹን እምበር እቲ ሓድሽ ክታበት ዝነኣሰ መጠን ክታበት ስለ ዘድልዮን ዝቐለለ ‘ኣድጁቫንት’ (ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንምንቕቓሕ ኣብቲ ክታበት ዝኣቱ ኬሚካል) ስለ ዝጥቀምን ብብዝሒ ንምፍራዩ ዝቐለለ እዩ።
ኣብ 2021፡ 247 ሚልዮን ሰባት ብዓሶ ክልከፉ እንከለው፡ 619 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።
መብዛሕትኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም። ልዕሊ 95% መልከፍቲ ዓሶ ክኣ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከብ።
ህይወት ናይ ምድሓን ዓቕሚ
ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ ዶክተር ማትሺዲሶ ሞኤቲ፡ “እዚ ካልኣይ ክታበት ነቲ ዓቢ ክፍተት ጠለብን ቀረብን ንምፅባብ ሰፊሕ ዓቕሚ ኣለዎ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “እዞም ክልተ ክታበታት ስራሕቲ ምክልኻል ዓሶ ንምድልዳል፡ ጻዕርታት ንምቁጽጻርን ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ንምድሓንን ክሕግዙ” ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
በቲ ልሙድ መስርሕ ሳይንሳዊ ገምጋም ዘይሓለፈ ግን ክኣ ኣብ ኢንተርነት ዝተሓትመ መረዳእታ፡ ክታበት R21 ዓሶ ዝኽሰተሉ ወቕቲ ኣብ ዘለው ከባቢታት ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል 75% ውጽኢታዊ ምዃኑ ይሕብር።
ስትራተጂካዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ክኢላታት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ኣሃዝ ኣብ ወቕታዊ ከባቢታት ምስቲ ቀዳማይ ክታበት (RTS,S) ዝወዳደር ምዃኑ ገሊጹ።
ውጽኢታውነት ክታበት ዓሶ፡ ኣብቶም ዓሶ ዓመት ምሉእ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢታት ትሑት እዩ።
ዳይረክተር ናይቲ R21 ዝተዳለወሉ ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከብ ጀነር ኢንስቲትዩት ፕሮፌሰር ሰር ኣድሪያን ሂል፡ "እቲ ክታበት ብቐሊሉ ክዝርጋሕ ዝኽእል፡ ተጠላብን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥን፡ ኣዝዩ ኣብ ዘድልየሉ ከባቢታት ንኽዝርጋሕ ድሉው ኰይኑ፡ ኣብ ዓመት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ምድሓን ዓቕሚ ዘለዎ'ዩ” ክብል ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







