ዘሕዝን ህይወት ዘሕለፈት ጓል-ጓሉ ንማንዴላ ኣብ መበል 43 ዓመታ ዓሪፋ

ጓል-ጓሉ ነቲ ፈላማይ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ዝዀነት ዞሌካ ማንዴላ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ኣብ መበል 43 ዓመታ ዓሪፋ።
ዞሌካ ብሰኑይ ምሸት ብቤተሰባን መሓዙታን ተኸቢባ ካብዛ ዓለም ከም ዝተፈለየት ወሃቢት ቃል ስራቤት ማንዴላ ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ሕክምና መንሽሮኣ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጻ ህብብቲ ኰይና ነይራ።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ዝነበራ ሕሉፍ ወልፊ ሓሽሽ፡ ጭንቀትን ኣብ ግዜ ንእስነታ ዝተፈጸማ ጾታዊ ዓመጽን’ውን ብግልጺ ትዛረብ ምንባራ ይፍለጥ።
እዚ ግልጽነታ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሰዓብቲ ክትረክብ ኣኽኢልዋ ነይሩ።
'ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ' ከምዝብሃል ዞሌካ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ትቃለሶ ዝነበረት ግድላት ህይወታ፡ ዘሕዝን ፍጻመ ህይወት ውሉዳ ምርኣያ'ውን ንጉዕዞ ህይወታ ኣምሪርዎ'ዩ።
ፋውንዴሽን ኔልሰን ማንዴላ፡ "ብዛዕባ ምክልኻል መንሽሮ ንቕሓት ከም ዘበረኸት" ከምኡ'ውን "ኣብ ዙርያ እቲ ሕማም ዝነበረ ጸለመ ከም ዘፍረሰትን" ብምጥቃስ ንጥፈታታ መነቓቕሒ ምዃኖም ገሊጹ።
ሓዘን ዘንጸላለወሉ እዋን
ብንእስነታ ዝበጽሓ ግህሰት ምቕባል ንዞሌካን ንመላእ ስድራኣን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።
ነብሳ ምውቃስን ዝስምዓ ዝነበረ ቁጥዐን ቃንዛን ንምርሳዕ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኣ ንመጀመርታ ግዜ መስተ ክትሰቲ ጀሚራ። ጓል 13 ዓመት ክትከውን ከላ ድማ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተታትን ከም መረስዒ ትጥቀመሎም ነይራ።
ኣብ 21 ዓመት ዕድሚኣ ወልፍታት ከም ዘለዋ ንቤተሰባ ገሊጻ፤ ኣብቲ እዋን ዘናኒ ዝሰመየታ ጓል ወሊዳ ነይራ። ዝወላሚ ዝተባህለ ወዳ ድማ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ተወሊዱ።
ዞሌካ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ብቕዕቲ ወላዲት ኣይነበርኩን" ኢላ ነይራ። "ንደቀይ ዝግብኦም ወላዲት ኣይነበርኩን።"

ምንጪ ስእሊ, HANDOUT
ጓላ ዘናኒ፡ ኣብ 13 ዓመት ዕድሚኣ እንከላ ካብ መኽፈቲ ናይቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ፍሪቃ ዝተኻየደ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2010 ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት እዋን ብዘሕዝን መንገዲ ሞይታ።
መራሒ ናይታ ዝተሳፈረትላ መኪና ሰኺሩ ብምንባሩ ምስ ናይ ጽርግያ ናይ ድሕነት መከላኸሊ ተጋጭዩ። ዘናኒ ካብታ መኪና ተሸንጒጋ ውጺኣ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ሞይታ።
ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠመትላ ምሸት ዞሌካ ንባዕላ ኣብ ሆስፒታል እያ ነይራ። ፈተነ ነብሰ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻማ ን10 መዓልታት ኣብኡ ክትሕከም ጸኒሓ። ኣብ ህይወታ እቲ ዝጸልመተን ዝመረረን እዋን እዩ ነይሩ።
ብቐጻሊ "ንምንታይ ንዓይ ዘይወሰድካኒ? ኣነ እየ ክኸይድ ነይሩኒ" ክትብል ንኣምላኽ ትሓትት ነይራ።
"ደቀይ ከማይ ዝበለት ኣደ ኣይትግብኦምን'ያ"።
ሓድሽ ምዕራፍ
እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ናብ ተሃድሶ ኣትያ። ምጅማር ሓድሽ ምዕራፍ ህይወታ’ኳ እንተነበረ፡ ግን ብዘይ ብድሆታት ኣይነበረን።
ጓል 32 ዓመት እንከላ፡ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ። ነታ ድሮ ከቢድ ቃንዛን ምረትን ዝመልአ ህይወት ዝነበራ ዞሌካ፡ ከቢድን ሃሳዪን ውጽኢት’ዩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ብስንባደ ሕክምና ተሓሲማ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ግን ክትትል ሕክምና ገይራ ምምሕያሽ ኣርእያ።
ድሕሪ ሕክምና ነዊሕ ከይጸንሐት እያ ጠኒሳ። ብሰንኪ’ቲ መንሽሮ ደጊም ቆልዓ ኣይክህልወንን ኢላ ፈሪሓ ስለ ዝነበረት ድማ ኣዝያ ተሓጒሳ።
ህጻን ወዳ ዘናዌ ግን መዓልቱ ከይበጽሕ ስለ ዝተወለደ ሒደት መዓልታት ጥራይ እዩ ብህይወት ጸኒሑ።
ዞሌካ ዳግማይ ውላዳ ክትቀብር ተገዲዳ።
ን3 ዓመት ካብቲ ቀታሊ ሕማም ናጻ ኮይና ጸኒሓ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ሕጹያ ቲየር ባሻላ ዝተባህለ ወዲ ደ.ሪ. ኮንጎ ኣብ ጆሃንስበርግ ተራኺባ ሓዳር መስሪታ። ቆልዑ ወሊዶም፡ ዝሓሸ ህይወት ክትነብር ጀሚራ።
ጉዕዞ መወዳእታ ምዕራፍ
ከምኣ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ንዝገብራ ኻልኦት ግዳያት ከተነቓቕሕን ከተስተምህርን ተስፋ ብምግባር፡ ታሪኻ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊላ።
ዞሌካ ኣብ ድሕንነት ጽርግያን ንቕሓት ንምዕባን ንጓላ ዘናኒ ንምኽባርን ብስማ ፋውንዴሽን ኣጣይሻ ኣላ። ብድሕሪኡ ኣምባሳደር ንቕሓት መንሽሮ እውን ኰይና ነይራ።
ኣብ 2016 ኣብ መንጎ '100 ደቂ ኣንስትዮ' ቢቢሲ ተሰይማ እያ፤ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዓለምለኸ ኣምባሳደር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኰይና።
ኣብ ህይወታ ሓደ ዘጣዕሳ ነገር እንተነይሩ፡ ንኣባሓጎኣ ብህይወት ከሎ ከተሐብኖ ዘይምኽኣላ እዩ።
"ብዙሕ ግዜ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን እናተጠቐምኩ፡ ነዚ ካብ ስድራይን ዝፈትዎም ሰባትን ንላዕሊ እናመረጽኩ ኣሕሊፈዮ" ክትብል ጣዕሳኣ ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, ZOLEKA MANDELA/INSTAGRAM
ሕክምና ድሕሪ ምርካባ ኣብ ስሬት’ኳ እንተነበረት፡ ድሒሩ ግን እቲ ሕማም ዳግማይ ተላዒሉ።
ኣብ 2022፡ መንሽሮኣ ናብ ሳንቡኣ፡ ጸላም ከብዲን ዓንዲ ሕቖኣን ከም ዝተዘርግሐ ኣፍሊጣ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ካልኦት ኣካላት ተዘርጊሑ። ናይ ደገ ተሓካሚ ኰይና ድሕሪ ምጽናሓ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከም ኣካል ናይቲ ቀጻሊ ሕክምናኣ ናብ ሆስፒታል ኣትያ ነይራ።
"ንደቀይ እንታይ ኢለ ክነግሮም? ሓውየ ኢለስ ሕጂ ብህይወት ከም ዘይነብር ከመይ ጌረ እየ ክነግሮም? ከመይ ጌረ'የ ኩሉ ነገር ደሓን ኣሎ ዝብሎም ከም ዘይኰነ እናፈለጥኩ? ክመውት’የ...ክትመውት ግን ኣይደልን'የ" ክትብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፋ ነይራ።
ነቲ መሪርን ብኣጋኡ ዝተቖጽየ ጉዕዞ ህይወታ ‘ዌን ሆፕ ዊስፐርስ’ (ተስፋ ሕሹኽ ክብል እንከሎ) ብትብል መጽሓፍ ሰኒዳ ኣሕቲማ እያ።
ጓል-ጓል እታ ካልአይቲ በዓልቲ ቤት ኔልሰን ማንዴላ ዝነበረት ዊኒ ማንዴላ፡ ዝኾነት ዞሌካ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ ገዲፋ’ያ ካብዛ ዓለም ተፈልያ ዘላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







