እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ውግእ ኣብ ዝቐጸለሉ ብውሕዱ 56 ሰባት ሞይቶም
ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓውሲ-ወተሃደራዊ ሓይሊን ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ቃልሲ ብምቕጻሉ፡ ልዕሊ 50 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት፡ መንግስታዊ መደበር ተለቪዥንን ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊትን ውግእ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብታ ከተማ 17 ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም 25 ሰባት ከም ዝሞቱ ትካል ሓካይም ኣፍሊጡ።
እቲ ጐንጺ ኣብ ዙርያ እቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝቐረበ ሓሳብ ዝምርኮስ እዩ።
ክልቲኦም ሰራዊትን ተቓወምቱን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)፡ ነቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መዓርፎ ነፈርትን ካልኦት ወሰንቲ ቦታታትን ከምዝተቘጻጸርዎን፡ ምሉእ ለይቲ ተዅሲ ከም ዝቐጸለን ይገልጹ።
ኣብታ ምስ ካርቱም እትዳወብ ኡምዱርማንን ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ባህሪን ሰንበት ንግሆ ተዅሲ ከቢድ መዳፍዕ ተሰሚዑ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ፖርት ሱዳን’ውን ተዅሲ ከም ዝተሰምዐ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
እቲ ሰራዊት፡ ነፈርቲ ውግእ ንመዓስከራት ናይቶም ተቓወምቲ ይድብድባ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት ዜጋታት ካብ ገዛኦም ከይወጹ ሓቢሩ ነይሩ።
ሓደ ነባሪ ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ ገዛ ጐረቤቱ ጥይት ከም ዝተተኮሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ከተማታትን ዞባታትን ብውሕዱ 56 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ገሊጹ፤ ብተወሳኺ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ወተሃደራዊ ኣባላት ከምዝሞቱን ገሊኦም ኣብ ሆስፒታላት ከም ዝተሓከሙን ሓቢሩ።
እቲ ኮሚተ፡ ብድምር ብውሕዱ 595 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ኣመልኪቱ።
ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቃብካብያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ተዅሲ ድሕሪ ምልውዋጦም፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተቐቲሎም።
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ፡ ጀነራላት ሱዳን፡ በቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝበሃል ኣካል ኣቢሎም ክመርሑ ጸኒሖም እዮም።
ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ፡ ብምክትል ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ እዩ ዝእዘዝ። እቲ ሰራዊት ብወገኑ ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ብዝዀነ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ይምራሕ።
እቲ ውግእ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ነቲ ሓይሊ ቅልጡፍ ድጋፍ -ኣርኤስኤፍ- ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ንምውህሃድ ኣብ ዝግበር ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ዝምርኮስ እዩ።
እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ እቲ ውህደት ን10 ዓመት ከደናጉዮ'ኳ እንተደለየ፡ ሰራዊት ግን ድሕሪ ክልተ ዓመት ክፍጸም ኣለዎ ዝብል መርገጽ ኣለዎ።
ከም መልሲ ናይዚ ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን "ክሳብ ምፍራስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ" ንዝግበር ድርድር ኣወጊዱ።
ስለምንታይ እዩ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመርሕ ዘሎ?
እዚ ውግእ እዚ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ዝተራእየ ወጥሪ ናይ መወዳእታ ክፋል እዩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ስልጣኑ ደው ክብል ዝጽውዕ ኣብ ጐደናታት ሰፊሕ ተቓውሞታት ተኻይዱ፡ ሰራዊት ድማ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ።
እቶም ሰላማውያን ሰባት ግን ኣብቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዝተታሕዘ ውጥን ተራ ክህልዎም ምሕታት ቀጺሎም።
ድሕሪኡ ሓባራዊ ወተሃደራውን ሲቪላውን መንግስቲ ተመስሪቱ፤ ግን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብኻልእ ዕልዋ መንግስቲ ተኣልዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ መንጐ ጀነራል ቡርሃንን ጀነራል ዳጋሎን ዝነበረ ንሕንሕ እናሓየለ መጺኡ።
ስልጣን ናብ ኢድ ሲቪል ንምምላስ ዝዓለመ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ኣብ ዘድሊ ዝርዝር ሓበሬታ ክካየድ ዝተሓሰበ ዘተ ግን ኣይተዓወተን።
ቀጺሉ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?
እቲ ውግእ እንተቐጺሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝያዳ ምብትታንን ፖለቲካዊ ዕግርግር ከጋድድ ይኽእል እዩ።
እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ዝጽዕሩ ዲፕሎማሰኛታት፡ ክልቲኦም ጀነራላት ንኽዛተዩ ብኸመይ ከራኽብዎም ከም ዝኽእሉ ተስፋ ክቘርጹ እዮም።
ክሳብ ሽዑ ግን ካልእ ኣብ ዘይርጉጽ እዋን ክነብሩ ዝግደዱ ተራ ሱዳናውያን እዮም።