እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ካርቱም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ውግእ ተላዒሉ
ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም፡ ኣብ መንጎ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊን ሰራዊት እታ ሃገርን ድሕሪ ናይ መዓልታት ወጥሪ፡ ድምጺ ተኹሲን ነትጒን ተሰሚዑ።
እቲ ጎንጺ ኣብ ዙርያ እቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝቐረበ ሓሳብ ዝምርኮስ እዩ።
ሮይተርስ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ጥቓ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ድምጺ ተኹሲ ከምዝተሰምዐ ይሕብር።
ብሰንኪ እቲ ግጭት ብውሕዱ ሰለስተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓካይም ኣፍሊጡ።
ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ብውሕዱ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መንበሪ ሓላፊ ሰራዊትን ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን ከም ዝተቖጻጸሩ ይገልጹ።
እንተዀነ ሰራዊት ሱዳን ነዚ ብምኽሓድ፡ ሓይሊ ኣየርኡ ንፓራሚሊታሪ መደበራት የጥቅዕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ግጭት ዓለም ለኻዊ ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዓመጽ ሱዳን ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኩሎም ሓይልታት "እቲ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ከብሉ" ተማሕጺኑ።
ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ደቡብ ካርቱም ካብ ዘለዋ መዓስከራ ሓንቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ሰራዊት ብወገኑ፡ ኣባላት እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ወተሃደራዊ ዋና ቤት ጽሕፈት ንምሓዝ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ፡ ንኣፈኛ ሰራዊት ብሪጅ ጀነራል ናቢል ዓብደላ ብምጥቃስ፡ "ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ [RSF] ኣብ ካርቱምን ኣብ ካልእ ከባብታት ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ ሓያሎ መዓስከራት ሰራዊት ኣጥቂዖም" ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
"ጎንጺ ይቕጽል ኣሎ፡ ሰራዊት ድማ ነታ ሃገር ጸጥታ ከኽብር ግቡኡ ይፍጽም ኣሎ።"
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ መሮው ተኹሲ ከምዝተኸፍተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ኣላራብያ ቴሌቪዥን ኣብኡ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓያል ትኪ ክወጽእ ዘርእዩ ስእልታት ከምዘመሓላለፈት'ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ፡ ጀነራላት ሱዳን፡ በቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝበሃል ኣካል ኣቢሎም ክመርሑ ጸኒሖም እዮም።
ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ[RSF]፡ ብምክት ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እዩ ዝእዘዝ። እቲ ሰራዊት ብወገኑ ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ብዝኾነ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ይምራሕ።
እቲ ጎጸኢ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ነቲ ሓይሊ ቅልጡፍ ድጋፍ -ኣርኤስኤፍ- ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ንምውህሃድ ኣብ ዝግበር ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ዝምርኮስ እዩ።
እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ እቲ ውህደት ን10 ዓመት ከደናጉዮ እኳ እንተደለየ፡ ሰራዊት ግን ድሕሪ ክልተ ዓመት ክፍጸም ኣለዎ ዝብል እምነት ኢሉ።
ምዕራባውያን ሓይልታትን መራሕቲ ዞባታትን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ወጥሪ ከዝሕሉን፡ ናብቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ክምለሱን ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።
እቲ ኩነታት ክፍታሕ ምዃኑ ብዓርቢ ምልክታት ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2021 ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፡ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ስልጣን ኣብ ዝመራቕሕሉ እዋን ከም ዘብቀዐ ዝዝከር እዩ።
እቲ ስምምዕ እቲ ንነዊሕ እዋን ገዛኢ ምልካዊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ምስ ተኣልየ ዝተፈጸመ እዩ።
እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ካርቱም ስሩዕ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ።