ንጕጅለታት ሰራዊት ሱዳን ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዝርርብ ተጀሚሩ

ወተሃደራውን ሲቪላውን ፖለቲካውያን መራሕቲ ሱዳን ነቲ ብመንግስቲ ዝድገፍ ሚሊሻ፡ ሓይልታት ህጹጽ ሓገዝ፡ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰራዊት እታ ሃገር ንምእታው ዝርርብ ጀሚሮም።

እዚ ሓድነት እዚ፡ ከምኡ'ውን እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ ስልጣን ከምዝኸውን ምግባርን፡ ቀንዲ ጠለባት ናይቶም ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ክዕሎ ዝሓገዙ ሲቪላውያን ጕጅለታት እዩ።

እቲ ብሰንበት 26 መጋቢት ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምምላስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተኸተመን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብወግዒ ክትግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ እዩ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝድግፉ ዕጡቓት ሓይልታት መዛዘሚ ክገብረሎም ከምዝደሊ ሓቢሩ።

እቲ ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝእዘዝ ሓይልታት ሕጹጽ ሓገዝ፡ ክሳብ 50 ሽሕ ዝዀኑ ኣባላት ከም ዘለዎ ይግመት።

እቲ ሓይሊ፡ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝበዝሕ፡ ኣጋር ሰራዊትን፡ ላንድ ክሩዘራት መካይን ዝጥቀም ፈኲስ ተንቀሳቓሲ ኣሃዱን ኣለዎ።

ሕሜቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኸውን ማእከላት መሰልጠኒ ሰራዊት ከም ዘለዎ እኳ እንተተዛረበ፡ ኣበይ ከም ዝርከቡ ግና ኣይገልጽን። ንሱ ወሲኹ ብ 67 መራሕቲ ቀቢላታትን 50 ኣዘዝቲ ሰራዊት ነበርን ከም ዝሕገዝ ይገልጽ።

ካብ ሚሊሻታት ጃንጃዊድ ዝበቘለ እቲ ሓይሊ ኣብ ፈለማ 2000 ኣብ ግጭት ዳርፉር ገበናት ምፍጻሙ ይኽሰስ።

ኣብ 2019 እውን ድሕሪ ምዕላው ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ብዙሓት ሰልፈኛታት ምቕታሉ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ።

ዳጋሎ ግን ወላ’ኳ ገለ ወተሃደራት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እንተኣፍቀደ፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ክስታት ኣይቕበሎን።

መበቆሉ፡ ካብቲ ፖለቲካ፡ ቢዝነስን ኲናትን ዝተጠናነግሉ ምዕራባዊ ሱዳን ዝኾነ ዳጋሎ፡ ሸቃጣይ ኣግማል ዝነበረ ኰይኑ፡ ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዝለዓለ እጃም ኣለዎ።

ዳጋሎ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብ ወረቐት ብኻልኣይ ዝስራዕ ሰብ እዩ።

ንሱ ወላ'ኳ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስልጠና እንተዘይወሰደ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምዕሪት ክትጐስዮ ዘይትኽእል ጐብለል ኰይኑ ምህላው ተንተንቲ ፖለቲካ ሱዳን ይገልጹ።