እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምሓራ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች 'ቅትለት መርኣዊ' ብሕቡራት ሃገራት ክጻረ ጸዊዑ
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ከተማ መርዓዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ተባሂሎም ካብ ዝኽሰሱ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሎሚ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማ መርዓዊ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተለን፡ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸመን ይሕብር።
እቲ ትካል ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር ሓይልታት ፈደራል ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት መሰላት ፈጺሞም ኢሉ ብምኽሳስ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ናጻ ምርመራ ከካይድ ሓቲቱ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ን20 ስድራቤታት ግዳያት፡ መሰኻኽርን ነበርትን ቃለ-መሕትት ብምግባር፡ መባእታዊ መርመራ ሎሚ ዕለት 26/2016 ዓ.ም [ግ] ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ፀብፃብ፡ 16 ለካቲት 2016 ሓይልታት መንግስቲ ሸሞንተ ንጹሃት ዜጋታት ቀቲሎም ይብል።
ምክትል ዳይረክተር እቲ ትካል ለቲሻ ባደር፡ ሓይሊታት መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ብጭካነ መቕተልቲ ከምዝፈፀሙ፡ ኣብቲ ክልል ሕግን ስርዓትን የኽብር ኣለኹ ዝብል ቅዋሙ ዘጻባእ ከምዝዀነን ተዛሪባ።
ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ዕጥቃዊ ግጭት ክልል ኣምሓራ ስዒቡ ዝፍፀም ዘሎ፡ ቅትለት ንጹሃት፡ ምስዋር፡ ዘመተን ምዕናው ንብረትን ከም ገበን ኲናት ክረአ ከምዝኽእል ሓቢራ።
ብዛዕባ ቅትለት መርዓዊ
ቢቢሲ ድሕሪ እቲ ቅትለት ኣብታ ከተማ ኵነታት ነበርቲ እንታይ ይመሰል ኢሉ ዳህሰሲ ነይሩ።
ከተማ መርዓዊ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህርዳር 35 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ፌደራላዊ መንገዲ ኣብ ክልተ መቒልዋ ዝሓልፍ ከተማ ኰይና፤ ኣብ 1940ታት ከም ዝተመስረተት ይንገር።
ካብ ግድብ መስኖ ቆጋ ሸውዓተ ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ መርዓዊ፡ ዓመት ምሉእ ሸዊት ስለ ዘይሰኣና፡ ‘ሓምለወይቲ’ እናተበሃለት ከምእትጽዋዕ ነበርታ ይዛረቡ።
ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታታ ምዃና ዝንገረላ ከተማ መርዓዊ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ጐጃም ካብ እትኸውን ንደሓር ንክልተ ዓመት እኳ ኣይገበረትን።
ልዕሊ 52 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብረላ ይንገር። 20 ጥሪ 2016 ዓ/ም [ግ] ዝተፈፀማ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ግን ሰላም ኣስኢኑዋ ይርከብ።
ነበርታ እታ ከተማ፡ በብዓመቱ ኣብታ ከተማ ዝኽበር በዓል ማርያም ንምኽባር ይጓየዩ ነይሮም።
እንተዀነ፡ ኣብ ድሮ እቲ በዓል፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ስድራ እቶም ዝሞቱን መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ፋኖን "ከቢድ ውግእ" ስዒቡ፡ ንሰዓታት ኣብ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ካብ 50 ክሳብ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዛረቡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ መንነቶም ዝተረጋገጸ 45 ሰባት ከምዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ዝፍጸም ክልተ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ።
ድሕሪ እዚ መንግስቲ ዘይቕበሎ ክሲ፡ ስድራ ዝሞቱን ነበርትን ከመይ ገይሮም ህይወቶም ይመርሑ ኣለዉ?
ስድራ ግዳያት እንታይ ይብሉ?
ወይዘሮ ፀሃይ* 20 ጥሪ - 2016 ሓደ ካብቶም ብዙሓት ህይወቶም ዝተበታተነ ነበርቲ መርዓዊ እዩ። ተመርዕያ መውስቦ ካብ እትፍፅም ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እያ ገይራ።
“ኣብታ ከተማ ድምጺ ተዅሲ ምስ ተሰምዐ ገዛ ዓጽና ኮፍ ኢልና ነይርና” ትብል።
ወ/ሮ ፀሃይ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምስ በለ ማዕጾ ከፊትና ትብል። "ከምኡ እንተዘይከውን ጽቡቕ ነይሩ" ክትብል፡ እታ ህይወታ ዝተቐየረትላ ህሞት ትገልጽ።
“ቀዳሞም ናብቲ ናትና ገዛ ዝኣተዉ ይመስለኒ። [ንሰብኣያ] ካብ ገዛ ኣውጺኦም ኣንበርኪኾምዎ። ኣብ ሕቑፉ ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻን ሓቚፉ ነይሩ፤ ነቲ ቈልዓ ክሳብ ዘውርዶ እኳ ኣይተጸበዩን፡ መንጢሎም ክቐትልዎ" ክትብል ገሊጻ።
ወዲ 32 ዓመት በዓል ቤታ ከምዝተቐትለ እትዛረብ ወይዘሮ ፀሃይ፡ ወዲ ክልተ ወርሒ ወዳ ኣብ ዓራት ምስ ወደቐ ኣብ ክሳዱ መጕዳእቲ ከም ዝበጽሖ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ቅድሚ ሕጂ ብኣታዊ በዓል ቤታ ተመርኲሶም ይነብሩ ከም ዝነበሩ እትዛረብ ወ/ሮ ፀሃይ፡ ድሕሪ ቅትለት በዓል ቤታ፡ “ዛጊድ ዘይምማተይ” ክትብል፡ ነቲ ሓድሽ ህይወት ብሕጽር ዝበለ ቃል ትገልጾ።
“ኣነ ጥራይ እንተዝኸውን ጸገም የብሉን፤ ክጻወሮ ይኽእል ነይረ። ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻን ሒዘ ግን ተጸጸጊመ። ደው ኢለ ምኻደይ ብርትዕቲ እየ” ትብል።
ኣቶ ዝናቡ*፡ ከም ወ/ሮ ፀሃይ፡ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ጥንስቲ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ እንጀራ እናሰነከተት ከላ ኣብ "ግንባራ" ብጥይት ከምዝተሃርመት ይዛረቡ።
“ርእሳ ስለ ዝሃረመት። ኣብ ርእሲኡ ድማ ጥንስቲ ስለ ዝነበረት [ከይተቐብረት] ክትሓድር ኣይትኽእልን እያ" ስለዝተበሃለ፡ ሬሳ በዓልቲ ቤቱ ኣብታ ካብ መርዓዊ 14 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ዓዱ [ገጠር] ተወሲዳ ተቐቢራ።