እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ሓያሎ ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ገሊጾም
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ወረዳ ሞጃን ወደራን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብሰኑይ 11 ለካቲት 2016 (ኣ.ግ.) ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ልዕሊ 50 ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ኣይሱዙ መኪና ከምዝተፈጸመ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ነበርቲ እቲ ከባብን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንድሕነቶም ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፡ እታ ካብ ሳላ ድንጋይ ዝተበሃለት ርእሰ ከተማ እታ ወረዳ ዝተበገሰት መኪና፡ ኣብ ፈላ መገንጠያ ዝተበሃለ ከባቢ ምስ በጽሐት እዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ።
እቲ መጥቃዕቲ እታ መኪና ተሳፈርቲ ኣብ ተራግፈሉ ዝነበረት እዋን ከምዝተፈጸመ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም ሰባት ናብ ጽምብል ክርስትና ይኸዱ ከምዝነበሩን ካብኣቶም 16 ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከምዝተቐትሉ’ውን ሓቢሩ።
"ዝፈልጦም ስድራይ ዝዀኑ፡ ልዕሊ 16 ሰባት ሞይቶም..." ብምባል ቁጽሪ ዝሞቱ "ክሳብ 30" ከምዝበጽሕ ገሊጹ።
ሓደ ዘመድ፡ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣባሓጎኡ ከምዝነበረ ዝተገልጸ "ዝተጠመቐ ቆልዓ" ብዘይ ዝዀነ ጉድኣት ከምዝደሓነን ኣዲኡን ኣቡኡን ዝርከብዎም ምሉእ ስድራቤቱ ግን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ሓፍቲንኡን ኣኮኡን ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም ዝገለጸ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ እውን ኣብቲ መጥቃዕቲ "ምሉእ ስድራቤታት" ከምዝተቐትሉ ተዛሪቡ።
መንነት ናይቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ዝጠቅስ ሓደ ቀሺ፡ ድምጺ ፍንጀራ ምስ ሰምዑን ትኪ ምስ ረኣዩን ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ከምዝኸዱ ተዛሪቦም።
ኣብ እዋን ሓዘን ይኹን ክርስትና ነበርቲ እቲ ከባቢ ብናይ ጽዕነት መኪና ምጓዓዝ ልሙድ ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ቀሺ፡ እታ መኪና በታ ስድራቤት ትውነን ከምዝነበረት ሓቢሮም።
እቶም ቀሺ ኣብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ፡ ናይ ህጻናትን ኣረጋውያን ዝርከብዎም ሬሳታትን "20" ዝቖሰሉ ሰባትን ከምዝነበሩን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ማእከል ጥዕና ጋውና፡ 18 ዝቖሰሉ ሰባት ንሕክምና ከምዝመጹ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። መራሒ እታ መኪና ዝርከቦም ሰለስተ ዝቖሰሉ ሰባት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከምዝሞቱ’ውን ገሊጹ።
ክመጹ እንከለዉ “ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት እዮም ነይሮም። ክንሕግዝ ዝከኣለና ጻዕሪ ጌርና” ክብል'ውን ጠቒሱ።
ካብቶም 15 ዝተጎድኡ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ናብ ደብረብርሃን ከምዝተወከሱ እውን እቲ ክኢላ ሓቢሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ቦታ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝዀነ ውግእ ከምዘይነበረ’ዮም ዝገልጹ።
ይኹን እምበር ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ሓይልታት መንግስቲ ናብታ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ዝዀነት ደብረብርሃን 72 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሰላ ድንግይ ይኣትዉ ከምዝነበሩ ይንገር።
ብሰኑይ ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት "ከቢድ ግጭት" ከምዝነበረን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዕጡቓት ፋኖ፡ ካብታ ከተማ ወጺኦም ናብ ገጠር ከምዝኸዱን ምንጭታት ይሕብሩ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ትመላለስ ስለዝነበረት፡ እቶም ሬሳ ክኣልዩ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ሰባት ተመሳሳሊ ዕጫ ከየጋጥሞም ስክፍታ ከምዝነበሮም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
እቶም ቐሺ ከምዝብልዎ፡ ክሳዕ ድሕሪ ቀትሪ ሬሳ ናይቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ምእላይ’ኳ እንተኸኣለ፡ መንነት ናይቶም ዝሞቱ ንምልላይ ግን ተጸጊሞም እዮም።
መብዛሕቲኦም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣዝማድ ብምዃኖም እቲ ሓዘን ሓያል ምዃኑ ሓደ ዘመድ ካብቶም ዝሞቱ ገሊጹ።
"ሓንቲ ሓፍቲ ካብቶም ዝሞቱ ክሳዕ ሕዚ ሕልናኣ ስኢና ኣላ። እዚ ዓይነት ነገር ኣብ ሃገርና ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡ ህዝቢ ሰንቢዱ ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ህዝቢ ድማ ካብ ገዝኡ ኣይወጽእን" ኢሉ።
ቢቢሲ ካብ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ርእይቶ ክረክብ እኳ እንተሓተተ፡ ኣመሓደርቲ ወረዳ ነቲ ከባቢ ገዲፎም ከምዝወጹን ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ከባቢ ንብዙሕ ኣዋርሕ ከምዝጸንሑን ሰሚዑ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘሰከፎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካልእ ግጭታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ክልል ዘውርዶ ዘሎ ኣዕናዊ ጉድኣት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ዩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ወረዳ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ዋደራ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከምዝፈጸምዎ ብዝተገልጸ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሰለስተ መምህራን ዝርከብዎም 7 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ዋበር ኣብ ዝርከብ መደበር ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ኣውቶቡስ ክሳፈሩ ዝጽበዩ ዝነበሩ 13 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ግጭት ብምቕጻሉ ኣብ ነበርቲ ጉድኣት ይበጽሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ ዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ቅትለት ከምዘሰከፈን ይገልጻ ኣለዋ።
ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዘተሓሳስቦም ዝተፈላለዩ ውድባት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክወሃብ ጸዊዖም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እቲ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።