እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ልዕሊ 30 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ነባሪ፡ ኣብ ክልተ ቦታታት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።
እቲ 6 መስከረም 2016 (ግእዝ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ደምበጫን ወረዳ ቋሪትን'ዩ ተኻዪዱ።
እቲ ሓደ መጥቃዕቲ "ብብዝሒ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ" እዩ ዝብል እቲ ነባሪ "ብውሑዱ 30 ሰባት ከም ዝሞቱ" ሐቢሩ።
ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ’ውን፡ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ርሒቑ ንግዚኡ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ኣብ ዘይነበረሉ ኵነታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ግን ዝተጎድኡ ሰባት ከም ዘየለው’ዩ ገሊጹ።
ኣብ ደምበጫ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን ሲቪል ሰባት ግዳያት ምዃኖም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ ከም ዝብሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ሚካኤል ቤተክርስትያን’ዩ ተፈጺሙ።
ካብ ነበርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ብውሕዱ 18 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ካብቲ ከባቢ ሬሳታት ኣብ ምእላይ ከም ዝተሳተፉን የመልክት።
እቲ ነባሪ ኣብ መውጽኢ እታ ከተማ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ተዂሲ ከም ዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ግን ምንቅስቓስ ዕጡቓት ከም ዘይነበረ ሓቢሩ።
እቲ ሓደ ነባሪ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት እናተንቀሳቐሱን ነበርቲ "ኣጽዋር ኣምጽኡ" እናበሉ የጨንቕዎም ስለዘለዉ እቲ ውግእ ዳግማይ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ገና ኲናት ይካየድ ከም ዘሎን ዝዀነ ምንቅስቓስ ከም ዘይረኣይን ሓቢሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቶም ተፈጺሞም ዝተበሃሉ መጥቃዕቲታት ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ክራኸብ ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣለን።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት 30 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 50 ድማ ከም ዝቖሰሉን ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ንምጽራይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ክልል እንተወሓደ ሓደ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተፈጸመ ሓበሬታ ምርካቡ 7 መስከረም 2015 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ "ሕቡእ ኣጽዋር ኣለኩም ኣምጽኡ" ብዝብል መበገሲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 180 ሰላማውያን ከምዝሞቱ ጠቒሱ።
ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ከም ዝሃድአ እኳ እንተተገለጸ፡ ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ግን እቲ ግጭት ይቕጽል ከም ዘሎ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ይቕልቀሉ ኣለዉ።
መንግስቲ ነቲ ግጭት ስዒቡ ክሳዕ ሕጂ ዝገለጾ ነገር የለን። ንዕጡቓት ፋኖ ዝድግፋ ማዕከናት ዜና ግን ፋኖ ንገለ ከተማታት ዳግማይ ከም ዝተቖጻጸረ ይሕብራ ኣለዋ።
እንተዀነ ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ካብ ነጻ ምንጪ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።