እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብዛዕባ ዕጡቓት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን እንታይ ኢሉ?
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝንቀሳቐሱ “ኣኽረርቲ ሓይልታት ደጊም ስግኣት ኣብ ዘይኰኑሉ ደረጃ” ከም ዝርከቡ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ነዚ ዝገለጸ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስርሒታት ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ከም ዝብተንን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ዕጥቂ ከም ዝፈትሑን ካብ ዝግለጽ ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዕጡቓት ፋኖን ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ እታ ሃገርን ተደጋጋሚ ጐንፂ ተኸሲቱ እዩ።
እቲ ኵነታት እናገደደ ከይዱ ልዕሊ ዓቕሚ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ ኰነ ምትእትታው መንግስቲ ፌደራል ተሓቲቱ። ነዚ ስዒቡ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ከም ዘዋፈረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ባህርዳርን ኣብ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ከባብታትን እቲ ክልል ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ጐንፂ ከም ዝተፈጠረ ይዝከር።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቀንዲ ከተማታት ተቖጻጺሩ ምርግጋእ ከም ዘምጽአ እኳ እንተተገለጸ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጐንፂ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ "ተፈጢሮም ዝነበሩ ጸገማት ይፈትሕ” ከም ዘሎ ሓቢሩ።
“ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰል ሕቶ ህዝቢ ኣምሲሉ ብሓይሊ ድሌቱ ከማልእ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ውጽኢት ተመዝጊቡ ኣሎ" ኢሉ።
ንሱ ንማዕከን ዜና ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝንቀሳቐሱ "ኣኽረርቲ" ሓይልታት ድሕሪ ሕጂ ስግኣት ኣብ ዘይኰኑሉ ደረጃ ከም ዝርከቡን ኣብዚ ሕዚ እዋን “ናይ ምጽራይ ስራሕቲ” ይስራሕ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ “ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ መንገድታት ብምዕፃው ኣብ ምዝማትን ሰላም ህዝቢ ኣብ ምዝራግን ዝተዋፈረ እዩ" ክብል ገሊፁ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞን ጐንፅን ስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ዝተራእየ ሰፊሕ ጐንፂ ሰላም እቲ ክልል ከም ዝዘረገ ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ እቲ ጐንፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ህይወት ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝጠፍአን ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት እቲ ክልል ንቡር ምንቅስቓስ ከም ዝተዓናቐፈን ይግለፅ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ጐንፂ ብውሕዱ 183 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ኦሮምያን ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ጐንፂ ብዝተኣሳሰር ዝበጽሐ መጠን ሰብኣዊ ጉድኣት ክሳብ ሕጂ ኣይገለጸን።
ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራ እሱራትን የመልክቱ።