እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን መንግስትን ናብ ዘተ ክኣትዉ ሕብረት ኣፍሪቓ ጸዊዑ
ሕብረት ኣፍሪቓ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ውግእ ደው ኣቢሎም ናብ ዘተ ክኣትዉ ሓቲቱ።
ዋና ጽሓፊ ሕብረት ኣፍሪቓ ሙሳ ፋቂ መሓማት፡ እቶም ኣብ ተፃባእቲ ኣካላት ብቕልጡፍ ግጭት ደው ከብሉን ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕልዉን ትማሊ ረቡዕ 16 ነሓሰ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ጸዊዑ።
ነቲ ኩነታት ብትኹረት ይከታተሎ ከምዘሎ ዝሓበረ ሕብረት ኣፍሪቓ፡ ንሕገ መንግስቲ፣ ንግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ኢትዮጵያ ከምዘኽብር ብምግላጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓን ሰላም ንኽሰፍን ንዝመጽእ ምፍትሒ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪቓ ምሉእ ደገፍ ከምዝገብር እቲ ኣቦ ወንበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቂሱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ብዘተ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢመትዮስ ብምዃን ብ15 ነሓሰ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ዝተፈላላያ ዓለምለኻውያን ትካላትን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ’ዩ ነዚ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢመትዮስ ብወገኑ ነቲ ጸገም ብሰለማዊ ዝርርብ ንምፍታሕን ኩነታት ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ምባሉ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ክውዳእ ይጽውዑ ኣለው።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክልል ሰበስልጣን መንግስትን ሰላማውያን ሰባትን ከምዝተቐትሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝርከቡ መሓውራት መንግስቲ ከምዝዓነዉን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ግጭት እናብኣሰ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብቲ ክልልን ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ከከም ኣድለይነቱ ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ህፁፅ እዋንተኣዊጁ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣዋጅ፡ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ ንምሕላውን ዝዓለመ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ 8 ነሓሰ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ ግን፡ ምስቲ ኣዋጅ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ሰባት ብጅምላ ይእሰሩ ከምዘለዉን፡ ናብ ቤት ፍርዲ’ውን ይቐርቡ ከምዘለየለዉን ገሊጹ ነይሩ።
ሓይሊ ዕማም ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ “ነቲ ዕግርግር ንምግዳድ ሎጂስቲካውን ፋይናንሳውን ደገፍ ብምግባር ዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝጸንሑ” ዝበሎም 23 ጥርጡራት ከምዝኣሰረ ገሊጹ ነይሩ።