'ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ማእሰርቲ ስለ ዘፍተሓኒ ናቱ እሱር ኣይከውንን'የ' ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ንኣስታት ሓምሳ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክነጥፍ ዝጸንሐ ፍሉጥ ፖለቲከኛ እዩ።

ፖለቲካዊ ተሳትፍኡ ኣብ ኢህወደግን ኢህዴፓን ግንቦት 7ን ክሳብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ንመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ራሕሪሑ ካብታ ሃገር ወጺኡ'ሎ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን መጻኢ ዕላምኡን ሓቲቱዎ'ሎ።

ቢቢሲ፡ ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገብሮ፡ ካብ ሃገር ሃዲምካ ወጺእካ ይብሃል ኣሎ። ሓቂ ድዩ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ምህዳም ኣይኰነን፤ ካብ ሃገር ግን ወጺአ ኣለኹ። ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ኣይነበርኩን፤ ሓላፊ ሰራዊት ወይ ድማ ሚኒስተር ኣይነበርኩን። ብውልቀይ’የ ዝነብር ነይረ፤ ስለ ዝዀነ ድማ ልክዕ’ዩ ካብ ሃገር ወጺአ ኣለኹ።

ቢቢሰ፡ መዓስ ኢኻ ወጺእካ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ትማሊ ዓርቢ ብ(05 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣቆጻጽራ ግዝእ) እየ ወጺአ።

ቢቢሲ፡ ክትወጽእ እንከለኻ ዘጋጠመካ ጸገማት ኣሎ’ዶ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ዝዀነ ዓይነት ጸገም ኣየጓነፈንን። እቲ ኤግዚት ቪዛ ዝህብ ሰብ ግን ‘ከይዓረቕካና ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?’ ኢሉ ማሕተም ሃሪሙ ኣሕሊፉኒ።

ቢቢሲ፡ ከምኡ ክትውስን ዘገደደካ ነገር እንታይ እዩ? ይከታተሉኻ ነይሮም ድዮም? ወይስ ዝጠርጠርካዮ ነገር ነይሩ እዩ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ጋዜጠኛ እንዲኻ? ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ብጃምላ ይግፈፉ ምህላዎም ትፈልጥ’ዶ? ወይስ ከምቶም ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ዝብልዎ 23 ሰባት ጥራይ’ዮም ተታሒዞም ኢልካ ኢኻ ትኣምን?

ቢቢሲ፡ ብቕድሚ ትማሊ ምስ ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣዕሊለ ነይረ። ብዙሓት ብጃምላ ይእሰሩ ምህላዎም ተረዲኡኒ ኣሎ፤ እቲ ንዓኻ ዝምልከት ክሓትት ስለ ዝደለኹ’ዩ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ስለዚ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም፡ ቤት ጽሕፈት ኢዜማ፣ [ኣብታ ከተማ ዝርከብ] ዓብዪ ሆቴል፡ ሰላማውያን ሰባትን ብድሮን ሃሪሞም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝቐተሉን ከም ዘቑሰሉንከ ኣይሰማዕካን?

ብዛዕባ እዚ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ምንም ኣብ ዘይበደሉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ግፍዕን በደልን ዝፍጽም መንግስቲ፡ ንሓደ ግፍዕን በደልን ዝቃወምን ዝጸልእን ሰብ ስቕ ኢሉ ዝርእዮ’ዶ ይመስለካ?

ቢቢሲ፡ ንስኻ፡ ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ምስ መንግስቲ ንዝነበረካ ቅርበት መሰረት ብምግባር፡ ኣባኻ ከምኡ ዓይነት ተግባር ከጋጥም ፍልይ ዝበለ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ብዝብል እየ ዝሓትት ዘለኹ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ዋላ ሓደ ዝተፈልየ ነገር የለን። ኣነ ናይ ነዊሕ ዓመት ተሞክሮ ዘለኒ ፖለቲከኛ እየ። ሓደ መንግስቲ፡ ካበይ ተበጊሱ ናበይ ከም ዝኸይድ፣ መዓስ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከም ዝወስድ፣ ንኸመይ ዝኣመሰሉ ኣካላት ከም ዘፈራርሕ ብዝግባእ እፈልጥ እየ።

ኣነ፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ጽቡቕ ርክብ ነይሩኒ። ዳሕራይ ግን እናሓርፈፈ መጺኡ። መልእኽታት ከሕልፍ ኣብ ዘይክእለሉን፡ እቶም ዘመሓላልፎም መልእኽቲ ትርር ስለዝብሉ ኮርዮም ዓጽዮሙኒ እዮም።

ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዝሓለፉ ትሸዓተ - ዓሰርተ ኣዋርሕ ንነጀው ምስ’ዞም ሰባት ዝዀነ ዓይነት ርክብ የብለይን። እቲ ዝጽሕፎ ጽሑፋት’ውን ከም ዘቘጥዖም ኣብ ጥቕኦም ዘለው ሰባት ይነግሩኒ’ዮም። ስለ ዝዀነ፡ ‘ስለ ምንታይ ኢና ስቕ ንብሎ? ስጉምቲ ዘይንወሰደሉ? ዝብል ሓሳብ ዘቕረቡ ሰባት ምህላዎም’ውን እፈልጥ’የ።

በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር እንተጸኒሐ ነቲ ዝፍጸም ግፍዒ ከቃልዕን ዓው ኢለ ክዛረብን ኣይኽእልን’የ። ስለዚ እየ ነቲ ኩነታት መዚነ ወጺአ። ህዝቢ ክፈልጦም ዝግብኦ ጭቡጣት መረዳእታታት ስለ ዘለኒ፡ ንዕኡ ኣብ ዓዲ ኰይነ ክዛረበሉ ኣይክእልን’የ። ስለዚ ወጺአ።

ቢቢሲ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር መዓስ ኢኻ ንመወዳእታ ግዜ ብኣካል ረኺብካዮ? ምስተራኸብኩም’ከ ዘሰንበደካ ዘረባ ነይሩ ድዩ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ምናልባት ዓሰርተ ወርሒ ወይ ዓመት ገይሩ ይኸውን እዩ። ብድሕሪኡ ብኣካል ተራኺብና ኣይንፈልጥን። ብኣካል ክንራኸብ እንከለና ኰነ ብመልእኽቲ ኣነ ሃገር ምሉእ ዝፈልጦ ባህርይ እዩ ዘለኒ። ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከይደ እቲ ክሰምዖ ዝደሊ ዜማ ጥራሕ ተዛሪበ ዝምለስ ሰብ ኣይኰንኩን።

ምናልባት ሓበሬታ የብሉን ይኸውን ብማለት ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ሰብ መዚ፣ ፎቘድኡ ዝፍጸም ቅትለትን ዓፈናን፣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘሎ ብልሽውናን ካልእን ብመረዳእታ ኣሰንየ እየ ዝነግሮ ነይረ።

ኩሉ ሳዕ ብዛዕባ ሓደገኛ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት’የ ዝዛረቦ ነይረ። ክረኽቦ እንከለኹ፡ ስቕ ኢለ ዘሎን ዘየሎን አዕሊለ ኣይኰንኩን ዝምለስ ነይረ። ናይ ካልኦት ኣይፈልጥ እየ፤ ንዓይ ግን ሓደ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዘለዎ ግዜ እኹል ግዜ ይህበኒ ከም ዝነበረ’የ ዝኣምን።

ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ካብ እንገብሮ ዝነበርና ርክባት ንዝሃብኩዎ ሓበሬታ ንዋላ ሓደ ክጥቀመሉ ኣይርኣኹን። ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ በብግዝኡ ንዝፍጸም ጥፍኣታት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት’ዩ ዝህበሎም።

ኣብቲ ፈለማ ነቲ ዘቕርቦ ምኽንያታት ክትኣምኖ ትግደድ፤ ግን እዞም ምኽንያታት ብቑዓት ከም ዘይኰኑን ዝዀነ ድልየት ወይ ብቕዓት፣ ፍልጠት ዘይብሉ ከም ዝዀነ ሕጂ ነዚ ራሽናላይዝ (ምኽንያታዊ) ክገብር ኣይደልን።ስለ ምንታይ ኣብ ከምኡ ኩነታት ከም ዝወደቐ ክገልጽ ዘለዎ ንሱ እዩ።

እቲ ኣነ ዝረኣኹዎ ግን፡ መንግስቲ፡ ጌጋታቱ ክእርም ዘይክእል፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ልዑል ቁጠባዊ ጸቕጥን ሰብኣዊ ግሀሰትን ዘብጽሕ፣ ዓሌታውን ሽርሒ ዝኣልምን፣ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ዘይፍለጥ ስራሕ ዝሰርሕ ኰይኑ’የ ረኺበዮ።

እዚ ከኣ ብግልጽን ብተደጋጋምን፡ ብመግለጽን ብጽሑፍን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ልኢኸሉ እየ። እንታይ መርገጺ ከም ዘለኒ ይፈልጥ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ዝበልካዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ’ውን ከተካፍሎም ይርኢ’የ። ናትካ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ናብ ቤተ መንግስቲ ብቐሊሉ ካሕኲሖም ክኣትው ካብ ዝኽእሉ ሒደት ፖለቲከኛታት ሓደ ምዃንካ’ዩ።

ኣብ ዕላልኩም፡ ‘እቲ ጉዳይ ከምዚ ድዩ’ ከብለካ ዝኽእል ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘሰንብደካ ምልክት ርኢኻ ዲኻ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ከምኡ ክርኢ እኰ ኣየድልየንን እዩ። ኣብታ ሃገር ሰብ ካብ መገዲ ተዓፊኑ ክጭወ፤ ተጨውዩ ክቕጥቀጥ፣ ጥቕምን ረብሓን ሰበ ስልጣንን እንተተንኪፍካ ንኸጋፍዑኻ ድሕር ከም ዘይብሉ ንምፍላጥ ጠንቋሊ ወይ ተመራማሪ ሮኬት ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።

ሓደ ነገር ንገረኒ እንተይልካኒ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መልእኽተይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝገብሩዎ ነገር ብዝምልከት ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መልእኽቲ ልኢኸ እየ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ብሸነኽ ትግራይ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘይቕበሉ ኤርትራውያንን፡ ንክልል ኣምሓራ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኰይንና ክንዋግኦም ኢና ዝብል፡ ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴኦም ተደጋጋሚ ዘተ ከምዝተገብረ ሓበሬታ በጺሑኒ። ኣነ ከምቲ ልሙድ እዚ ሓበሬታ’ዚ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር አሕሊፈዮ እየ።

ምኽንያቱ ኣብኡ ዘለው ሰባት፡ እቲ ሓበሬታ ናብኡ ንከሕልፍ ምስኡ ተሰማሚዖምስ፤ ንሱ’ውን ዝረዓሞ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ መገዲ’ዩ።

ስለ ዝዀነ፡ ቅልውላው ክልል ኣምሓራ ክለዓል እንከሎ ‘እዞም ሰባት ዝብሉዎ ዝነበረ፡ ንኣምሓራ ናይ ምጥፋእ ስጉምቲ’ዶ ተጀሚሩ’ዩ? ኢለ መልእኽቲ ልኢኸሉ። ከምዚ ኢልካ እናተዛረብካ ኣብኡ [ኣብ ሃገር] ክትቕመጥ ኣይትኽእልን። ክሳብ ሐጂ እቲ ዝጽወር ጸይረ እየ። ካብኡ ግን [እዞም ሰባት] ናበይ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ገሚትካ ብእዋንካ ምውጻእ ኣይጽላእን’ዩ።

ቢቢሲ፡ እዚ መልእኽቲ ምስ ልኣኽካሉ እንታይ መልሲ ረኺብካ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ምንም መልሲ ኣይተዋህበንን። ድሕሪኡ’ዩ ናይ መወዳእታ ዅራ መጺኡ። ድሕሪኡ ከኣ እዩ ከምኡ ዓይነት መልእኽቲ ምልውዋጥ ደው ዝበለ።

ቢቢሲ፡ ሽምካ ክለዓል እንከሎ፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ምቅርራብን ምርኻብን ኣገዳሲ ተራ ነይሩዎም ካብ ዝበሃሉ ሰባት ሓደ ኢኻ። ንስኻ ካብ ሃገር ብምውጻእኻ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ዝጸንሐ ርክብ ብዝተወሰነ መልክዑ ንፋስ ኣትዩዎ’ዩ ዝብሉ ሰባት ኣለው። እንታይ ትብል?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ንፋስ ኣትዩዎ ድዩ ኣይኣተዎን ኣይፈልጥን። ከምቲ ዝበልካዮ ግን ካብቶም ዘቀራረቡዎም ሓደ ሰብ ጥራሕ ኣይኰንኩን፤ እኳ ድኣ ዕርቅን ሰላምን ዝፈጠረ ርክብ ንክምስረት ዝገበርኩ ብሕታዊ ሰብ ኣነ እየ። ብዛዕባ ሕጂ ዘለዎም ርክብ ውሽጣዊ ሓበሬታ የብለይን።

ግን ከኣ ካብቲ ዝርአ ዘሎ ሓፈሻዊ ነገር ኩሉ ሰብ [እቲ መኣዝን ናበይ የምርሕ ከምዘሎ] ክግምት ዝኽእል ይመስለኒ።ብዙሕ ርክባት ኣይረአን ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ግብጺ ምስ ተራኸቡ፡ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ክመጽእ’ዩ ተባሂሉ ነይሩ፤ ግን ኣይመጽአን። ስለ ምንታይ ክመጽእ እዩ ዝብል ወረ ከም ዝዘርግሑ እውን ኣይፈልጥን። ዘይምስምማዕ እንተሃልዩ ቀስ ኢልካ ክረአ እዩ።

ቢቢሲ፡ ዝኸፍአ ነገር ክመጽእ እዩ ኢልካ’ዶ ትግምት?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ እዚ መንግስቲ’ዚ ዝሰርሖም ዘሎ ሓፈሻዊ ስራሓት እንተተዓዚብካ፡ኣብ ዲፕሎማሲ'ውን ዝገብሮ ዘሎ ብኣግባቡ ዘይተሓሰበሎም ነገራት እንተርኢኻ፡ ድላዩ ክገብር ክብል ክጋገ ኣይኽእልን’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ስለዚ እንታይ ይፍለጥ።

ቢቢሲ፡ በቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዘዕረፈ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሕጕስ ዲኻ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ቅድሚ እቲ ዕርቂ ምክያዱ ምስ ሓደ ሚዲያ ኣብ ዝገበርኩዎ ቃለ መጠይቕ፡ እዚ ኲናት ደው ንምባል ዝሕግዝ እንተዀይኑ፡ ብፍላይ ከኣ እቶም መራሕቲ ንብረቶምን ህይወቶምን ዝጭነቑ እንተዀይኖም፡ መንግስቲ ካብ ሃገር ዝወጽእሉ መገዲ የመቻችኣሎም ኢለ ነይረ። ጨኒቑኒ።

ድሕሪኡ ናብ ሰላም ምስ መጽኡ ተሓጒሰ። ብፍላይ ድማ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝተኸምበተሉ/ ዝተፈጸመሉ መገዲ ጽቡቕ’ዩ ነይሩ። ብትዕቢት ተደፊኦም ንዝፈጸምዎ ተግባር ዝምጥን ስምምዕ እዩ።

እቲ ስምምዕ ከቢድን ፈኲስን ዕጥቂ ከውርዱ ኣለዎም ዝብል እዩ። እቲ ስምምዕ እቲ ዳርጋ ናይ ምምራኽ ስምምዕ’ዩ ክብሃል ይከኣል’ዩ።ንሳቶም’ውን ኢድኩም ሂብኩም ተባሂሎም ተነቒፎም’ዮም።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ ምስ ተወድአ፡ ኣብዪ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ኣልዩ፡ ንሬድዋንን ብርሃኑ ጁላን ናብ ኬንያ ልኢኹ፡ ምስኦም እንታይ ከም ዝተዘራረቡ ዝገልጽ ዝዀነ ዓይነት ሓበሬታ የለን።

ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ዝተዘራረቡዎ ድዩ ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ገይሩ? ናብኡ ክኣቱ ኣይደልን እምበር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣለኒ።

ቢቢሲ፡ መሓዛኻ ነበር፡ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሕጂ ምስ መንግስቲ ብቐረባ ይሰርሕ ኣሎ። ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት እውን እዩ። ድሕሪኡ ናይ ክልቴኹም ርክብ ቀጺሉ’ዶ? ሕጂ ንሱ ምስ መንግስቲ ብዘለዎ ቅርበትን ስራሕን ብዝምልከት ቅሬታ ኣለካ ድዩ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ስለ ምንታይ ቅር ይብለኒ? ናተይ ንጹር መርገጺ ነጊረካ ኣለኹ። ኣብቲ ኲናት ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ እትመርሖ ዘለኻ ሰልፊ ኢዜማ ከምኡ’ውን ከም ኣብን ዝኣመሰሉ ካልኦትን ሃገር ንኸተድሕኑ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ደው ምባልኩም ቅኑዕን ግቡእን’ዩ ነይሩ ኢለ ብኣካል ነጊረዮ እየ።

ብድሕሪኡ ግን፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸጥታውን ውድቀት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ምስዚ መንግስቲ ለጊብኹም፡ ናይ ተቓወምቲ ናይ ምእራም ስራሕ ብዘይምስራሕኩም ነብሱ ዝኽኣለ ገበን እዩ።

ነዚ ጉዳይ ኣባላትኩም ብትሪ ይቃወሙዎ ኣለው። ምስኡ ተጸጊዕኩም እንታይ ኢኹም ትሰርሑ ዘለኹም? ድሕሪ ሕጂ፡ ናይ ሓቀኛ ተቓዋሚ/ኣራሚ፡ ስራሕ’ዩ ክስራሕ ዘለዎ ኢለ ነጊረዮ እየ።

ቢቢሲ፡ ንፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣዘራሪብኻዮ ትፈልጥ ኢኻ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ኣዛሪበዮ እፈልጥ’የ። ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣባላት ሰልፉ ተላኢኸ ኣዘራሪበዮ እየ። ሽዑ ዝሃበኒ መልሲ ግልጽን ቀሊልን እዩ። ናብኡ ዝኣተናሉ ናይ ሰልፍና ኣካይዳ ኣሎ።

እቶም ኣባላት ከምኡ እንተደልዮም፡ ኣብቲ ከምኡ ዓይነት ከወስን ዝኽእል ኣኼባን ኣቀራርባን ኣምጺኦም ነቲ ናብኡ ዝኣተናዮ ውሳነ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምበር፣ እወ! እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ብሓቂ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ኣነ ድማ ተበግሶ ወሲደ ካብ ከምዚ ዓይነት ነገር ክንወጽእ ኢና ዝብል መርገጺ ከም ዘይብሉ’የ ርእየ።ኣብኡ ክቕጽል’ዩ ዝደሊ። ስለ ምንታይ ኣብኡ ክቕጽል ይደሊ ንዝብል ጉዳይ ንዕኡ ክገድፎ እየ።

ይኹን እምበር ቅኑዕን ግቡእን ዘይምዃኑ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ዘበነ ወያነ ካብ ዝረኣናዮ ዝኸፍእ ዓመጽ፡ ግህሰት፡ ስርቅን ዝምታን እናተፈጸመ፡ ንወያነ ተቓዊምናስ ንመንግስቲ ብልጽግና ዘይንቃወመሉ፡ ምንም ምኽንያት ክህሉዎ ከም ዘይኽእል እፈልጥ’የ።

እቲ ኻልእ ምኽንያት ንሱ ኰነ ህዝቢ ክምልሶ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውልቃዊ ድልየቱ ግን ከምዝን ከምትን ክብል ኣይኽእልን።

ቢቢሲ፡ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ካብ ሃገር ከም እትወጽእ ይፈልጥ’ዶ ነይሩ? ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ኣይፈልጥን’ዩ።

ቢቢሲ፡ ናይ ቀረባ መሓዙትን መቓልስትን ኢኹም ኔርኩም ኢለ’የ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ዝሓወይ፤ ኣነ ኣይተዘራረብኩን። ኣይነግሮን እየ። ምኽንያቱ ምስ መንግስቲ ብዘለዎ ርክብ ኣነ ንዕኡ ዝዛረበሉ ምኽንያት የብለይን።

ምኽንያቱ ኣዝዩ 'ተሃዋሲ' ኩነታት እናተፈጥረ ክመጽእ ምጽንሑ ዝግምቶ ነገር ኣሎ። ብሕማቕ ዘይኮነስ ምናልባት ሞሊቑዎን ከይሓሰቦን፡ ሃንደበት ‘ንሱ’ኮ ከምዚ ኰይኑ፤ ክወጽእ’ዩ’ እንተይሉ ክስዕብ ዝኽእል ነገር ስለ ዝፈልጥ ከም ዝወጽእ ንሰባት ከይነገርኩ’የ ወጺአ።

ቢቢሲ፡ ቀጻሊ መደብካ እንታይ’ዩ? ናብ በረኻታት ኤርትራ ክትምለስ ዲኻ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ቃልሲ ብዙሕ መልክዕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቃለሱ ኣለው፤ ዘይግቡእ ግፍዒ እናተፈጸሞም ዝሃልቁ፣ እናተገለሉ ኣብ መሬት ዝቃለሱ ሰባት ኣለው። ናይዞም ሰባት ቃልሲ ምድጋፍ ይከኣል እዩ፤ ብብዙሕ መዳይ፤ ተሞኩሮ ኣለና።

ብብዙሕ መዳይ ናይ ምውዳብ ተመኩሮ ኣለና። ኣብ ርክብ ህዝቢ ተመኩሮ ኣለና። ዲፕሎማስያዊ ተመኩሮ ኣለና።

ብወተሃደራዊ መንገዲ’ውን እንተዀነ፡ ሓደ ሰራዊት ከማልኦም ዝግባእ ኣምራት - ካብ ስነ ምግባር ጀሚሩ ክህልዎ ዝግባእ ስነ-ልቦና እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንፈልጦ ኢና።

ብዝተወሰነ ደረጃ’ውን እንተዀነ ኣብ ወጻኢ ምሳና ዝተኣሳሰረ ንዕኦም ክድግፍ ዝኽእል ዓቢ ሓይሊ ኣሎ። እዚኦም ከም ዝድግፉዎም ክንገብር ንኽእል ኢና። እታ ክንገብራ ዘይንኽእል በደል ክፍጸም እንከሎ ስቕ ምባል ጥራይ እያ።

ቢቢሲ፡ ካብ ዘረባኻ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክካየድ ተኽእሎ ከም ዘሎ’ዩ።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ኣነ ከምኡ ኣይበልኩን። ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃለሱ እኮ ኣለው። ዕጥቃዊ ቃልሲ ሚስጢር ኣይኰነን፤ ኣብ መሬት ይቃለሱ ከምዘለው ትሰምዕ ኣለኻ። [ምሉእ] ዕጥቂ ዘይሓዙ ሰባት እዮም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከተማታት ኣምሓራ ዝቘጻጸሩ ዘለው።

ስለ ዝተመነኻዮ ጥራሕ፡ እዞም ሓይልታት ስቕ ኢሎም ኣይክጠፍኡን እዮም። ንሲቪል ብድሮን ስለዝደብደብካ እቲ ብረት ዝሓዘ ሰብ ዕጥቁ ሒዙ እናጎየየ ናባኻ ይመጽእ ማለት ኣይኰነን።

ብዘለኒ ሓበሬታ እዚ ቓልሲ ናይ ውሑዳት ፋኖ ቃልሲ ኣይኰነን። ናይ ውሑዳት ምልሻታት ቃልሲ ኣይኰነን- ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ።

ሚዲያ ንብሕቱ ዝተቘጻጸረ ኣካል ድላዪ ፕሮፖጋንዳ እንተዘርግሐ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘርእዩ ብዙሓት መርትዖታት ኣለው’ዮም። ስለዚ እዚ ሓይሊ እዚ ንሓርነቱ፣ መሰሉ፣ ህላውኡ ብፍላይ ድማ ክልል ኣምሓራ ንህላወኡ ዝገብሮ ቃልሲ ክንድግፎ ኢና።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ዝተፈላለዩ ነገራት’ዮም ዝብሃሉ፤ ብሓደ ሸነኽ ብታሪኽ ተደፊአ’የ ኢሉ ዝኣምን ብሄር ሓያል ኮይኑ ንክወጽእ ስለዝዓለመ’ዩ ዝብሉ ኣለው። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ናይ ምግባር ሕልሚ ኣለዎ፤ ግን ክሰምረሉ ኣይክኣለን ዝብሉ ኣለው። ንስኻ ምስዚ መንግስቲ ቅርበት ስለ ዝነበርካ ብዙሓት ምልክታት ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝፍጽሙዎ በደል ይኹን ሓሓሊፉ ንዝሰርሑዎ ሰናይ ተግባር ምኽንያታት እናሃብኩ እየ ኽነብር ጸኒሐ።

ሕጂ ግን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ካብ ዝምታ ክሳብ ቅትለት፣ ካብ ምምዝባል ክሳብ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ኲናት ምእዋጅ፡ ድኽመት ድዩ፣ ሽርሒ ድዩ፤ ዘይምኽኣል ድዩ፡ ስእነት ዓቕሚ ድዩ እናበልኩ ምኽንያታት ካብ ዝህበሉ እዋን ሓሊፈ እየ። ልዕሊኡ ከይደ እየ።

ንሳቶም ባዕላቶም ከምዚ ዓይነት ሽግር እዩ ገጢሙና ኢሎም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ጸገም መብርሂ ክህቡ ኣለዎም።

ኣነ ግን ተግባራቶም ደው ክብል ኣለዎ፣ ህዝቢ ደው ከብሎም ክኽእል ኣለዎ ዝብል መርገጺ ሒዘ ኣለኹ። ስለ ዘይቀንዐም እዩ እምበር? [ሓሳቦም ጽቡቕ እዩ]፤ ከምዚ ዓይነት ጸገም ስለ ዘጓነፎም’ዩ እናበልና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዝፍጠሩ ጸገማት እኹል ግዘ ሂብናዮም ኢና።

ግን ኣብቲ ፈለማ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት እዚ ጉዳይ ሓቂ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዳሕራይ ግን እቲ ነገር መመሳመስን መመኽነይታን ኮይኑ እየ ረኺበዮ።

ስለዚ፡ ኣነ ኣይምልከተንን። እቲ ሰብኣይ ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ ድዩ ዋላስ ብሄርተኛ ኦሮሞ’ዩ ዝብል ንዓይ ዝምልከት ኣይኰነን።

ኣነ ዝፈልጦ ንሸፋቱ ሓቚፉ ሃገር ዘዝምት፡ ንጹሃት ሰባት ብድሮን ዘጥቅዕ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ልዕሊ እቲ ኣብ ግዜ ወያነ ዝነበረ፡ ዋላ ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ብዘይ ብላዕ ዝዀነ ስራሕ ክሰርሕ ዘይክእል ኩነታት ዝፈጠረን እታ ሃገር ብዝተፈላለዩ መዳያት ኣብ ጸገም ዝኣተወትሉን ኩነታት እዩ ዘሎ።

ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ነገራት ዝስርሑ፡ ኣብ ዘብረቕርቑ ነገራት ተንጠልጢሎም፡ ብመራኸቢ ብዙሓን፡ ዓቢ ነገር ከም ዝሰርሑ ዝዝርግሑ ዓይነት ሰብ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ስለዚ እንታይ ዓይነት ጸገም ኰን ገጢሙዎ ምባል ስርሐይ ኣይኰነን።

ቢቢሲ፡ ንጹሃት ሰባት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝቐትል ኢልካ፤ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንጹሃት ሰባት ብድሮን ተቐቲሎም። ኣብ ወለጋ እውን ብተደጋጋሚ ሞይቶም እዮም። ንስኻ ግን ብዘይካ ሕጂ ከምኡ ክትብል ሰሚዐካ ኣይፈልጥን። ሓቀይ’ዶ?

ኣይተ ኣንዳርጋቸው፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ኲናት ብጭቡጥ ንጹሃት ሰባት ብድሮን ከም ዝተሃርሙ ናብቲ ቦታ ቴሌፎን ደዊለ ኣየረጋገጽኩን። ብኻልእ መገዲ ኣብ ዘየረጋገጽኩዎ ጉዳይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዝተሓስበ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ‘ኮላተራል’ ብዝብሃል መልክዑ ንዘጋጠመ ብውሱን ደረጃ ትቕበሎ ኢኻ።

ኣብ ዙርይኡ ዝዀነ ነገር ኣብ ዘይብሉ ማእኸል ከተማ ፍኖተ ሰላም ግን ዕጥቂ ዝሓዘ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ቦታ እያ እታ ድሮን ኣጥቂዓ።

ኣብ ትግራይ ከምዚ ዝበለ ነገር እንተዝፍጸም ምተቓወምኩዎ። ኣብ ኦሮሚያ፡ ኣብዛ ከተማ ብኸምዚ ኣገባብ፡ ልክዕ ከምቲ ፍኖተ ሰላም ዝተደብደበ እስኪ ኣምጽኣለይ። ኣበየናይ ከተማ? ጅማ? ናዝሬት? ወለጋ? በዚ ደረጃ መረዳእታ ኣቕርበለይ።

ቢቢሲ፡ ንሕና ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ንጹሃት ሰባት ከም ዝሞቱ ክንጽብጽብ ጸኒሕና ኢና። ብሓጺሩ ናትካ መልሲ፡ ሓበሬታ ንዘይረኸብኩሉ ነገር ሓዘነይ ክገልጽ ኣይኽእልን ኢኻ ትብል ዘለኻ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ከምኡ’ዩ እምበር፤ ንሕና መርትዖ ዘለና ሰባት ኢና። ኣነ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጉዳይ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ኣምሓራ ዝበጽሑ ነገራት ኣመልኪተ ዝጽሓፍኩዎም መግለጺታትን ርእይቶታትን፡ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጋምቤላ፣ ኦጋዴን፥ ኦሮሚያ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዓድታት ዘባድም ናይ ጥፍኣት ግፍዕታት ጽሒፈ እየ።

ኣብ ጉዳይ ኣምሓራ ከምዚ ዓይነት ክሰርሕ ኣይዝክርን። ስለዚ ጸግዒ ሓደ ወገን ወይ ዓሌት ሃልዩኒ ሞት ካልኦት ዘትሕተሉን ዝሓብኣሉን ናይቲ ካልእ ዘጋንነሉ ባህሪ የብለይን።

ኣብ ዝዀነ መጽሓፈይ፡ ቃለ መሕትት፡ ጽሑፍ፡ መግለጺ፡ ወይ ስርሐይ ነዚ ነገራት ኣቐዲመ ዝጉዓዝ ሰብ እየ።

እንተዀነ እቶም እኹል ሓበሬታ ከመሓላልፉ ዝግበኦም ወገናት ኣይፈነውዎን፤ ኣነ’ውን ሓበሬታ ኣይረኸብኩን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለኻ ካብቲ ናይ ለውጢ ግዜ ኣትሒዙ ኣንዳርጋቸው ክፍታሕ የብሉን ተባሂሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝወሰዶ መርገጺ ከም ዝተፈታሕኻ እዩ ዝዝረብ። ከም በዓል ውዕለትካ’ዶ ትቘጽሮ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ እዚ፡ ዘይምፍላጥ’ዩ። ብዙሕ ግዜ ምስ ሰባት ዘዕልሎ ነገር እዩ። ናይ መወዳእታ ሸቶ ቃልሰይ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣእተወኒ ይፈታሕ ዝብል ንክኸውን ኣይዀነን። ወይ ድማ ናይቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝፈትሓኒ ውዕለት ተሰኪመ ንክተርፍ ኣይኰንኩን ተቓሊሰ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ ኣብታ ዕለት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን እየ ኣዘራሪበዮ። ዝተረፈኒ ኣይነበረን፤ ኵሉ ብዛዕባ ዝምታን ስርቅን ዘለኒ ስግኣታት ኣዕሊለዮ።

ካልእ ይትረፍ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግር ምቅላል ስለ ዘይክኣል ኣብ ገዛኻ ካሜራ ገጢምካ ከምኡ ከም እትጠሚ፡ ሽሮ ከምእትበልዕ እትሰትዮ ከይረተፈ እናርኣኻ ምርሓዮ እየ ኢለዮ።

ቢቢሲ፡ ሽዑ ኣተሓሳስባኡ/መንፈሱ ከመይ ነይሩ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ብዙሕ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ናይ ብሄር ፖለቲካ እውን ኣልዒለሉ’የ። ነታ ሃገር ናብ ከቢድ ሽግር ከእትዋ ኣብ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ እዩ።

ብልሽውና ነብሱ ዝኽኣለ ኣብ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ እዩ። ነታ ሃገር እቲ ፖለቲካ ቅልውላው እንተዘየፍረሳ እውን ብልሽውና ከፍርሳ’ዩ። ስለዝኾነ ንብልሽውና ብዝምልከት ኣዝዩ ጽኑዕ መርገጺ ክውሰድ ከም ዘለዎ ነጊረዮ።

እንተዀነ ገለ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝተኣከቡ ሰባት ክንደየናይ ብስርቂ ዝሃብተሙ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ስርቂ ትጸልእ እንተዀይንካ ብለያቡ ኣይትኽበብን ኢኻ።

በቃ ናተይ ሽግር ንሱ እዩ። ኣብቲ እዋን ከምቲ ዝመኸርኩዎ ገይሩ እንተዝነብር፡ ንሃገር ይጠቅም እዩ ኢለ ስለዝሓስብ፡ እትረፍ ክቃወሞ ናብኡ ንዝትኮስ ጥይት እውን ቀዲመ በጃ ምኾንኩሉ።

ቢቢሲ፡ እቲ ሽዑ ዘዘራረብካዮ ቀዳማይ ሚኒስተር እኮ እቲ ሕጂ’ውን ዘሎ እዩ። እቲ ቅድም ዝነበረካ ስምዒትን ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተርን ከተነጻጽሮ እንከለኻ እንታይ ዝተለወጠ ነገር ኣሎ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ኣቐዲመ ነጊረካ እኮ እየ። ኣነ ራሽናላይዝ ኣይገብርንየ፤ ስርሐይ ኣይኰነን። ገጢሙኒ ዘሎ ጸገም እዚ’ዩ። ዝነበረኒ ዕላማ ከኣ እዚ እዩ።

ግን ከምዚ ስለ ዝዀነ እዩ እቲ ለውጢ ተዓናቒፉ ዝብል ንህዝቢ ዘእምን ምኽንያት እንተሃልዩዎ ንህዝቢ ይንገሮ። ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ግን እቲ ለውጢ ዝብሃል ነገር ተዀሊፉ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ትኣምኖም ዲኻ ግን?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ዘእምን ስራሕ ሰሪሑ ድዩ? ንምንታይ’የ ዝኣምኖ? ዝሰርሖም ስራሕትን በብግዝኡ ብሚድያ ዝዝረብ ሓሶትን ናቱ ሰባት ኣይኰኑን’ዶ ዘቕርቡዎ ዘለው። ንኹሉ ስራሕቲ ዘማእኽል ፖለቲካዊ ውድብ እዩ ዘሎ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብክልላት ወጺኡ ዝብሃል መግለጺታት፡ ካብ ማእኸል ዝዳሎ እዩ። ሓደ ውዱብ ፖለቲካዊ ውዳበ ከመይ ከም ዝሰርሕ ካብ ዘመን ኢህኣፓ ኣትሒዘ እየ ዝፈልጦ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ውድብ ዝዀነ ናጻ ርኢይቶ ናይ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለታት የለን። እንተዀነ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብማእከልነት ተጠርኒፉ ኣብ ዝሰርሕ ውድብ ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ነገር እቲ ጉዳይ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ርእሲ እዩ ዝመጽእ። ምኽንያቱ ካብቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ወጻኢ ዝፍጸም ነገር የሎን።

ቢቢሲ፡ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ገጽ ንገጽ ዲኻ ተራኺብካ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ እወ። ብዙሕ ግዜ ንበይንና ኢና ንራኸብ ነይርና። ካብቲ ክህበኒ ዝግአቦ ግዜ ንላዕሊ ግዜ ሂቡኒ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ቢቢሲ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንመወዳእታ ግዜ መዓስ ተዘራሪብካ ወይ መልእኽቲ ተለዋዊጥካ?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ኣይዝክሮን እየ። ምናልባት ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ይኸውን። ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ከይደ ነይረ። ናይ ዝፈልጦም ሰባት ሓዘን ክበጽሕን ኣብ መርዓ ተዓዲመን እየ ከይደ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣይተራኸብኩን። ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ እንራኸብ ከኣ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ስለዚ፡ ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ዝዀነ ሓበሬታ የብልካን?

ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ እወ። ዝዀነ የብለይን።