መሻርኽቲ ዝነበሩ ሓይልታት ስለምንታይ'ዮም ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር እቶም ኵናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኑ ኮይኖም ዝተዋግኡ ምልሻታት ክልል ኣምሓራ’ዩ ዝዋጋእ ዘሎ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ 2018 ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዕስራ ዓመታት ዝነበረ ኵናትን ኵነተ ኩናትን ብሰለማዊ መንገዲ ከምዝፍታሕ ኣብ ምግባር ብዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ 2019 ሽልማት ሰላም ኖበል ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ እቲ ናይ ሰላምን ናይ ዲሞክራስን መራሒ ዝተበሃለሉ ኣብይ ኣሕመድ መጀመርታ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ሕጂ ከኣ በቲ ካብ ኢትዮጵያ ብግዝፋ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትስራዕ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝንኡ እናተደወነ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ፡ ኢስራኤል’ውን ኣብታ ክልል ዝርከቡ ዜጋታት ዝኾኑ ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ክልል ኣውጽኣቶም’ያ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ መን’ዩ ዝዋጋእ ዘሎ?

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብቶም ‘ፋኖ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት’ዩ ብድሆ ዝገጥሞ ዘሎ።

እቲ ፋኖ ዝብል ቃል ካብ 1930ታት ጀሚሩ ክዝውተር ዝጀመረ ቃል ኮይኑ፡ ሌጣ ትርጉሙ ‘ወለንታውያን ተቓለስቲ’ ማለት’ዩ።

ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ወረርቲ ጣልያን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ውግእ ነቶም ብወለንትኦም ኣብ ጎኑ ዝተዋግኡ ኢትዮጵያውያን ዝተውሃበ ስም ድማ’ዩ።

ሕጂ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኣምሓራ ካብ መንግስትን ካልኦት ዓሌታትን ክመጽእ ዝኽእለ ዝፈታተን ስግኣት ኣለዎ ኢሎም ዝኣምኑ መንእሰያት ብሓባር ኮይኖም ብረት ብምዕጣቕ ንገዛእ ርእሶም 'ፋኖ' ብምባል ይጽውዑ ኣለዉ።

ዋላ’ኳ ምእኩልን ሕቡሩን ዝኾነ ወተሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን እንተዘይብሎም፡ እዞም ምሊሻታት ወይ ፋኖ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት በዚ ዝስዕብ ክግለጽ ዝኽእል ሓይሎም ኣርእዮም’ዮም፦

  • ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ ብናልፍ ኣንዱኣለም ‘ዘሰንብድ መጥቃዕቲ’ ኢሉ ዝገለጾ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ፈጺሞም
  • ንመዓርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ተቆጻጺሮም
  • ዋላ’ኳ ድሒሮም ተደፊኦም እንተወጽኡ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ከተማታት ባህርዳር፤ ጎንደርን ደብረብርሃንን ክቆጻጸርወን ክኢሎም ነይሮም
  • ካብ መደበራት ፖሊስ ብረትን ተተኮስትን ወሲዶም
  • ኣብ ባህርዳር ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምቁጽጻር፡ ኣባላት ፋኖ ዝነበሩ ዝርከብዎም ኣሽሓት እሱራት ኣፍቲሖም

እቲ ቅልውላው ኣዝዩ ዓብን ዓሙቕን’ዩ።

እቲ ነቲ ክልል ኣምሓራ ዘመሓድር ብኣብይ ኣሕመድ ዝመራሕ ሰልፊ ብልጽግና ናብ ምፍራስ ገጹ ኣምሪሑ፡ ካብ ቀንዲ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ከኣ ካብ ክመጽኦም ዝኽእል መጥቓዕቲ ብምስጋእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሃደሙ’ዮም ብዙሓት ዝገልጹ።

መንቀሊ እቲ ግጭት እንታይ’ዩ?

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተካየደ ኵናት ንመላእ እታ ሃገር ሓፍ ዞቕ ዘበለ’ዩ ነይሩ።

ሰራዊት ናይ ትግራይ፡ ዳሕራይ ድኣ ኣንሳሒቦም’ምበር ናብ 2021 ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ኣምሪሖም ነይሮም’ዮም።

ኣብ ሕዳር 2022 ግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ብምግባር እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ደው ከምዝብል ገይሮም። እታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጀሚራ ዘላ ኵናት እምብኣር ሱራ ካብዚ’ያ ትጅምር።

እቲ ብኣሜሪካ እናተደገፈ ብሞንጎኝት ሕብረት ኣፍሪቓን ዝተኻየደ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ብዙሓት ተስፋ ዘሕደርሉ ውዕል’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ እቶም ኣብ እዋን እቲ ኵናት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግኡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን ኣብቲ ውዕል ስለዘይተኻተቱ፡ ኣብቲ ክልል ብዙሕ ምጥርጣራት ክርአ ጀሚሩ።

ኣብ ኣሚሪካ ዝመደበሩ ኣዝዩ ጻላዊ ዝኾነ ‘ማሕበር ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ’ ነቲ ውዕል “ናይ ኵናት ውዕል” ብምባል’ዩ ገሊጽዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ በዚ ማሕበር ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ’ዩ።

ኣብ ዘለታ ተወሰኸታ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 11 ክልላት ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊ ናይተን ክልላት ብረቶም ክፈትሑ ዘገድድ ኣዋጅ ምስ ኣውጽአ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ስግኣት ዓይኑ ኣፍጢጡ ክወጽእ ጀሚሩ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሰራዊት ፌደራል ክጽንበሩ’ዩ ወሲኑ።

እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ መንጎ ክልላትን ዓሌታትን ግጭት ንኸይልዓል ከምዝኾነ’ዩ ኣብይ ኣሕመድ ዝገልጽ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ትግራይ ኣንጻር ኣብይ ኣሕመድ ዝዋግኡ ዝነበሩ ዕጡቓት ብምስላፍ ንኽልተ ዓመታት ተዋጊኦሞ’ዮም።

ብዙሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ትግራይ መጥቓዕቲ ክበጽሓና ይኽእል’ዩ ብምባል ንውሳነ ኣብይ ኣሕመድ ተቓዊሞሞ።

ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ንውሳነ ኣብይ ኣሕመድ ብምቕባል ናብ ሰራዊት ፈዴራልን ፖሊስን’ኳ ኣንተተጸንበሩ ካልኦት ከኣ ምስ ዕጥቖም ናብቶም ኣብ በረኻታት ዓሪዶም ዝነበሩ ዕጡቓት ፋኖ ብምጽንባር ኣብ ልዕሊ መዓስከራት መንግስቲ ፌደራል መጥቓዕትታት ክፍንዉ ጀሚሮም።

ኣብ ገለ ከተማታትን ዓድታትን እቶም ምልሻታት ኣምሓራ ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳራት ክምስርቱ ጀሚሮም እዮም፤ እዚ ከኣ ንምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ስግኣት’ዩ።

ግብረ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያኸ እንታይ’ዩ?

ክሳብ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ዩ ዝምርኮስ ዘሎ፡ ቤት ምክሪ ወከልቲ ህዝቢ’ውን ብሰኑይ ኣብታ ክልል ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ እቶ ኣጽዲቑ ኣሎ።

እዚ ሰዓታት እቶ እቶ ከኣ ንክልል ኣምሓራ ኣብ ምቁጽጻር ሓይልታት ጸጥታ ፌዴራል ዘእቱ’ዩ።

እቲ ክልል ሕጂ ኣብ ኣርባዕተ ኮማንድ ፖስት’ያ ተመቓቒላ ዘላ፡ ኣርባዕቲአን ኮማንድ ፖስት ከኣ ብሓላፊ ስለያ፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ’የን ዝምርሓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣየርን ከበድቲ ብረታትን ዝተደገፈ ሰራዊት ናብታ ክልል ኣዋፊሩ ኣሎ።

ብሰንበት’ውን ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰለማዊ ሰልፊ ዝካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር ደብዳብ 26 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

እቲ ናይ ፍኖተ ሰላም ክስተት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፋኖ ካብ ዝሓዝዎ ቦታታት ንምልቃቕ ኩሉ ዓይነት ሓይሊ ክጥቐም ከምዝኽእል ዘርኢ’ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ብዙሓት’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ናይ ፍኖተ ሰላም ደብዳብ ዛጊድ ፈጺመዮ ወይ ኣይፈጸምክዎን ኣይበለን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት ባህር ዳር ትርከበን ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ኣብዘን ከተማታት ድሕሪ ሰዓት ሸውዓት ናይ ምሸት ምንቅስቓስ ምሉእ ንምሉእ ተኸልኪሉ ኣሎ።

ኣካላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት እታ ክልል መፈተሺ ነቑጣታት መስሪቶም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣተዉ ተኸልኪሎም ዝብል ጸብጻባት’ውን ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም።

ሰብ መዚ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍጠር ዝኽእል ዕግርግር ንምግታእ ኢሎም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ከምዝኾነ’ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ተግባር ኣብ ተወለድቲ ኣምሓራ ዓቢ ሕርቓን ብምፍጣር ካብ መንግስቲ ፌደራል ናይ ምግላል ስምዒት ከማዕብሉ ጀሚሮም።

ምፍትሒ እቲ ግጭት እንታይ’ዩ ክኸውን?

ብሰኑይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝነበረ ክትዕ፡ ሓደ እዋን ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝነበረን ገዱ ኣንደርጋቸው፡ 'ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ብልጽግናን ክጽገን ብዘይክእል ኲነታት ተበቲኹ እዩ' ኢሉ።

“መንግስቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ክፍኣትን ምንኣስ ዓቕምን ዝሰኣኖ ቅቡልነት ብኣጽዋር ከምልስ ምፍታን መገዲ ጥኣፍት እዩ” ዝበለ ኣቶ ገዱ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ብቕልጡፍ ናብ መዓስከራቱ ይመለስ ኢሉ።

ኣቶ ገዱ፡ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ዘይምርእግጋእ ስዒቡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ንምጽዳቕ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ እዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ኣይኮነን ዘይምርግጋእ ዘሎ።

ኣብታ ቀንዲ መበቖል ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነት ክልል ኦሮምያ’ውን ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራልን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ገና መዕለቢ ዘይተረኸቦ ግጭት ኣሎ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዛንዚባር ምስ ወከልቲ እቲ ግንባር’ኳ ተዛትዩ እንተነበረ ኣብ ባይታ ግን ፍታሕ ክመጽእ ኣይክኣለን።

ብዝሒ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቅደሚት ዝስራዕ ኮይኑ ኣምሓሩ ከኣ ድሕሪኦም ይስርዑ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ኢሮምያ ኣብ ልዕሊ ኣምሓሩ ግፍዕታት ከምዝፍጽም ብተደጋጋሚ ይግለጽ’ዩ፤ እቲ ግንባር ግን ብፍሉይ ንተወለድቲ ኣምሓራ ዕላማ ብምግባር ዝፈጸሞ ነገር ከምዘየሎ’ዩ ዝሕብር።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ብዙሓት እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ፡ ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ፖለቲከኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ገይሩ፤ ከምኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ሰልፍታት ዝተነበረ እገዳ ከምዝልዓል ብምግባር ‘መደመር’ እትል ቃል ንሓድነት ህዝቢ ንምጽዋዕ ይጥቐመላ ነይሩ።

'መደመር' ዝሰመያ መጽሓፍ’ውን ኣሕቲሙ።

ነቲ ንነዊሕ እዋን ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ጽምዲ ናይ ውድባት ዝጠመረ ኢህወደግ ብምፍራስ ከኣ ‘ሰልፊ ብልጽግና’ ዝሰመዮ መስሪቱ።

እንተኾነ ምምስራት ናይቲ ሰልፊ ንኣብይ ናብ ህቡብነት ኣደይቡ ጨቋኒ ስርዓት ንኽምስረት ዝድርኽ’ዩ ብምባል ብዙሓት ይነቕፍዎ። ሓደ ካብዚ ከኣ እቲ ሕጂ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከም ኣብነት የቕርብዎ።

ኣብይ ኣሕመድ ብሕጂ እንታይ’ዩ ክገብር ንጹር ኣይኮነን፡ ገለ ተንተንቲ ግን ሃገራዊ ዕርቒ ምጽዋዕ እቲ ቀንድን እንኮን ምፍትሒ እዚ ጸገማት ከምዝኾነ’ዮም ዝዛረቡ።