ክልል ኣምሓራ፡ “ዝሓባእኩምዎ ኣጽዋር ኣረክቡ” ብዝብል ሰባት ተቐቲሎም - ኢሰመኮ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት መንግስታዊ ሓይልታት ጸጥታ “ኣጽዋር ሓቢእኩም ኣለኹም፡ ኣረክብዎ” ብዝብል ቀትለት ከምዝፈጸሙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ገሊጹ።

ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እታ ክልል ግጭት ምስ ምቕጻሉ ብዝተሓሓዝ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ቅትለት ምፍጻሞም ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ኢሰመኮ ብዓርቢ 15 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ከተማታት ኣዴት፡ ደብረማርቆስ፡ ደብረታቦር፡ ጅጋ፡ ለሚ፡ ማጀቴ፡ መራዊ፡ መርጦ ለማርያምን ሸዋ ሮቢትን ካብ 24 ሓምለ ክሳዕ 4 ጳጉመ 2015 ኣቈጻጽራ ግእዝ ብሰፊሕ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ግዳያት፡ ካብ ናይ ገዛ ገዛ ተፍትሽን ኣብ እዋን እቲ ግጭት ኣብ መገዲ ዝተረኽቡን ዘይዓጠቑ ኮይኖም፡ “ብረት ሓቢእኩም ኣለኹም ኣምጽእዎ” ብዝብል ዝተትሓዙ ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ንኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ጥሒሶም ዝተረኽቡ ሰላማውያን ነበርቲ’ውን ብኣካላት ጸጥታ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝተቐትሉ ኢሰመኮ ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ኣባላት ናይቲ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ግጭት ዝርከብ ጉጅለ’ውን ከምዝተቐተሉ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ነቲ ብመንግስታዊ ኣካላት ጸጥታ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ እቲ ኮምሽንን መርማሪ ቦርድ ህጹጽ እዋንን ሰፊሕ መርመራ ከካየዱ’ውን ተማሕጺኑ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ሰላማውያን ነበርቲ እቲ ክልል ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣትን ማእሰርትን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኸሰተ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት እቲ ክልል ተሳዊሩ ምቕጻሉ ካብ ነበርቲ፡ ግዳያት፡ ስድራን መሰኻኽር ዓይንን ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኢሰመኮ ገሊጹ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲኡ ምንባሩ እኳ እንተተገለጸ፡ ካብ ከተማታት ርሒቑ ኣብ ገጠራት ይቕጽል ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ንምዝርራብ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ ኔሩ። ብዛዕባ ዝተረኽበ ምዕባለታት ግና ኣይተገለጸን።

ዋና ኤታማጆርሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ጥሩፋት ሓይልታት ስግኣት ኣብ ዘይኮኑሉ ደረጃ” በጺሖም ኣለው ምባሉ ይዝከር።