እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ክልል ኣምሓራ፡ ሃገራውያንን ዓለምለኻውን ትካላት እንታይ ይብሉ?
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመረ ግጭት ሕጂ’ውን እናተጋደደ ይኸይድ ከምዘሎ ገለ ነበረቲ ከተማታት እቲ ክልል ይገልጹ።
ብፍላይ ኣብ ከተማታት ባህር ዳር፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ደብረ ብርሃን፡ ወልድያ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል፡ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝተጀመረ ጎንጺ ተጋዲዱ ከምዝቐጸለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህር ዳር ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት ከተማ ጎንደር ከቢድ ዝበሃል ጎንጺ ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብታ ክልል ዘጋጠመ ቅልውላው ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝፈትሖ ምግላጹ ስዒቡ እዩ እቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝተለዓለ ጎንጺ ዝጋደድ ዘሎ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣጽዲቑ’ዩ እዩ።
ኣብቲ ክልል ንዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ከፈጽም ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ክፍሊ መምርሒ፡ በቲ "ዘራፊ" ክብል ዝገለጾ ጉጅለ ንዝተዘረገ ሰላም እቲ ክልል ብወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ንቡር ክመልሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብካልእ ዜና ንፋኖ ቅርበት ዘለዎም መራኸቢ ብዙሓንን ጎስጎስትን፡ ዕጡቓት ፋኖ ንክፋል ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቖጻጸሩን ሰራዊት መንግስቲ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ኣብ ጥቓ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልልን ብበዝሒ ከምዝሰፈረን ይገልጹ።
ናብ ከተማታት ላሊበላ፣ ባህር ዳርን ጎንደርን ዝግበሩ በረራታት ተቛሪጾም እዮም፤ ኣገልግሎት ኢንተርነት እውን የለን።
ነዚ ስዒቡ ካብ ውሽጢ ዓዲን ካብ ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወሃበ ምላሽ እንታይ ይመስል?
'ንመንግስቲ ክልል ኣፍሪሱ ናብ ፌደራል ክዘውር ዝዓለመ’ዩ' ክፍሊ መምርሒ ህጹጽ እዋን
ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ እናገደደ ዝመጸን ግጭት ክቆጻጸሮ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ እዩ ምትእትታው መንግስቲ ፌደራል ሓቲቱ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ፌደራል፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣጽዲቑ’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘተግብር ብኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ዝምራሕ ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ክፍሊ መምርሒ ህጹጽ እዋን ከም ዘጣየሸ’ውን ይፍለጥ።
እቲ ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ክፍሊ መምርሒ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን፡ ፌደራል ፖሊስ፡ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽንን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ዝተወከሉ ኣባላት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተገሊጹ’ዩ።
ሓላፊ እቲ ላዕለዋይ ኣካልን ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ኣይተ ተመስገን፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ፡ እቲ ክልል ብኣርባዕተ ኮማንድ ፖስት ብምውቓር ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ከም ዝትግበር ገሊጹ ኣሎ።
ኣይተ ተመስገን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ "መንግስቲ ክልል ድሕሪ ምውዳቕ ናብ ፌደራል መንግስቲ ክዞር ዝዓለመ’ዩ" ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሕጊ ኣልቦነት ከም ዝነገሰ ኣመልኪቱ።
ወሲኹ’ውን "ዝተወደቡ ጉጅለታት ሸፋቱ" ኣብቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ዞባን ወረዳታትን ተቖጻጺሮም፡ መንግስታዊ ትካላት ኣገልግሎት ከይህባ ካብ ምዕጋት ሓሊፉ ክሳብ "ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብያተ ማእሰርቲ ሰቢሮም ገበነኛታት ከምልጡ ምግባር ዝበጽሕ ገበናት ፈጺሞም’ዮም" ኢሉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕግን ስርዓትን ንምትግባርን መሓውር መንግስትን ውድብን ንምጥንኻር ስራሕቲ ንምክያድ ድማ፡ እቲ ክልል ብኣርባዕተ ኮማንድ ፖስት ከም ዝተጣየሸ’ውን ኣፍሊጡ።
ኮማንድ ፖስት ምዕራብ ኣምሓራ፡ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ጎጃም፡ ከተማ ደብረ ማርቆስ፡ ዞባ ምሕደራ ብሄረ ዓዊን ከተማ ባህርዳርን የጠቓልል።
እቲ ካልኣይ ድማ ኮማንድ ፖስት ሰሜን ምዕራብ ኣምሓራ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን፡ ምዕራብ፡ ማእከላይን ደቡብን ጎንደር ከምኡ’ውን ከተማ ጎንደርን ደብረታቦርን ይነጥፍ።
ማእከላይ ሸዋ እቲ ሳልሳይ ኮማንድ ፖስት’ዩ፤ ሰሜን ሸዋ፡ ዞባ ብሄረ ኦሮሞን ከተማ ደብረብርሃንን ድማ የጠቓልል።
እቲ ራብዓይ ንሰሜንን ደቡብን ወሎ፡ ዋግ ኽምራ፡ ከምኡ’ውን ንከተማታት ኮምቦልቻን ወልድያን ዘጠቓለለ ኮማንድ ፖስት ምብራቕ ኣምሓራ ምዃኑ ኣይተ ተመስገን ኣመልኪቱ ኣሎ።
'ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢና' - ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ክልላትን
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላዊ ምምሕዳራትን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ቅልውላውን ዕጡቓት ሓይልታትን ንምምካት ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝስለፉ ገሊጾም ኣለው።
ክልላት ኦሮሚያ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ጋምቤላ፡ ሃረሪን ደቡብን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተፈጠረ እዩ ብምባል ብትሪ ከም ዝኹንኑን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደው ከም ዝብሉን ገሊጾም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ "ህልውና ሃገር ዝሕሉ ሃገራዊ ትካል እዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ እዚ ሓይሊ ወፍሪ ጸለመ ከም ዝተጀመረ እተን ክልላት ዘውጽእኦ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለፂታተን የመልክት።
ሎሚ ሰኑይ 7 ነሓሰ 2023 ዝወጹ መግለጺታት፡ እቶም ብስም ፋኖ ተወዲቦም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናዕቢ ዝጀመሩ ዕጡቓት ሓይልታት፡ "ዘይሕጋውያን፡ ኣኽረርቲ፡ ጃውሳ፡ ባንዳታትን ዕንወት ዝፈጥሩ ሓይልታትን" ምዃኖም የመልክቱ።
ብተወሳኺ ዕላማ እዚ ጉጅለ፡ ጠለብ ህዝቢ ኣመኽንዩ ብኣቋራጺ መንገዲ ስልጣን ንምሓዝ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ፡ እቲ ጉጅለ ዕላምኡ ንምፍጻም ዝዀነ ዓይነት ግጭት ካብ ዘይብሉ ከባቢ ዝተመዛበሉ ኣምሲሉ ናብታ ርእሰ ከተማ ዘእተዎም "ብዙሓት ጸጉረ ልውጣት ዓመጽ ዝመልኦ ዕላማታት ክፍጽሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተታሒዞም" ይብል።
'ኣብ ካልእ ግጭታት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ከይድገሙ' - ሲቪል ማሕበራት
ሸሞንተ ሲቪል ማሕበራት፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ፀገም ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝጽውዕ መግለፂ ኣውፂአን።
ኣብ ምዕቃብ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሰርሓ እዘን ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሑሉ ኣገባብ ንምርካብ ኩሎም ወገናት ጸቕጢ ክገብሩ ድማ ሓቲተን።
ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕግን ዘኽብርን ድሕነት ሲቪላት ዘረጋግጽን ክኸውን ከም ዘለዎ’ውን ኣመልኪተን።
ብተወሳኺ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዘጋጠሙ ግጭታት ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ጾታዊ መጥቃዕትን ካልኦት ጉድኣታትን ድማ ከይድገሙን ተሓታትነት’ውን ክህሉን ጻዕሪ ክግበር ተላብየን ኣለዋ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፋኖን ዝተለዓለ ግጭት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሰብኣዊ መሰላት ከቐድም ከም ዝግባእ የገንዝብ።
“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝወስዶም ስጉምታት፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ክግበር” ድማ ጸዊዑ።
'ሰላም ክህሉ ንጽውዕ' - ውድብ ጥዕና ዓለም
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘተዓጸዉ መገድታትን ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርነትን፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ርክብ ንምዕቃብን ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ኣብ 'ኤክስ' (ትዊተር ነበር) ገጹ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ክልል ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት ኣብ ጥዕና ሰባት ቅልጡፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ዶክተር ቴድሮስ የጠንቅቕ።
ሰባት ደገፍ ጥዕና ከይቋረጾም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ መሻርኽቲ ትካላት ብምዃን ስርሖም ምእንቲ ከካይዱ፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና እቲ ክልለ ሓለዋ ክግበር’ውን ጸዊዑ።
"ልዕሊ ኩሉ ሰላም ክህሉ ንጽውዕ" ይብል እቲ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም።