ባህርዳር፡ ጎንደርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ግጭት ከምዝተጋደደ ነበርቲ ገሊጾም

ከተማታት ባህር ዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጎንጺ ከምዝተጋደደ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ከተማታት ባህር ዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝተጀመረ ጎንጺ ተጋዲዱ ከምዝቐጸለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ባህር ዳር ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት ከተማ ጎንደር ከቢድ ዝበሃል ጎንጺ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ቅልውላው ኣብ ሓጺር እዋን ክፈትሖ ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ እዩ እቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ጎንጺ ከምዝተጋደደ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ክልል ንዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ከፈጽም ዝተመዘዘ ላዕለዋይ ኣካል፡ በቲ “ዘራፊ ጉጅለ” ዝበሎ ዝተዘረገ ሰላም እቲ ክልል ብወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ንቡር ክመልሶ እየ ኢሉ።

ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋንን ዳይሬክተር ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝህቦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ እቲ ክልል ኣብ ኣርባዕተ ኮማንድ ፖስት ብምውዳብ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ከምዝሳለጥ ተዛሪቡ።

ብካልእ ዜና ንፋኖ ቅርበት ዘለዎም መራኸቢ ብዙሃንን ጎስጎስትን፡ ዕጡቓት ፋኖ ንክፋል ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቖጻጸሩን ሰራዊት መንግስቲ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ኣብ ጥቓ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልልን ብበዝሒ ከምዝሰፈረን ገሊጾም።

ናብ ከተማ ላሊበላ፣ ባህርዳን ጎንደርን ዝግበሩ በረራታት ተቛሪጾም እዮም፤ ኣገልግሎት ኢንተርነት እውን የለን።

ባህር ዳር

ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ፡ ባህር ዳር፡ ትማሊ ከቢድ ልውውጥ ተኹሲ ክካየደላ ከምዝወዓለ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ባህር ዳር ከምዝገለጽዎ፡ ኣብታ ከተማ ብፍላይ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ከቢድ ልውውጥ ተኹሲ እናተኻይዱ ውዒሎም።

ቀበሌ 14 ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምሸት ከቢድ ተኹሲ ከምዘምሰየ ዝገልጽ ሓደ ነባራይ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ገዝኡ ስለዝነበረ ድምጺ ተኹሲ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ካበይ ናበይ ዝኸይድ ምንባሩ ክፈልጡ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።

ትማሊ ተኹሲ ቅድሚ ምጅማሩ ኩነታት ንምርኣይ ናብ ደገ ወጺኡ ከምዝነበረ ዝሕብር እቲ ነባራይ፡ መንገዲታት እታ ከተማ ብእምንን ዕንጸይትን ከምዝተዓጸዉን፡ ናይ ነበርቲ ኮነ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ከምዘይርአን ገሊጹ።

እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ውልቀ ሰብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ምንቅስቓስ ስለዝተገደበ ናብ ቤት ጽሕፈት ምኻድ ኣይሕሰብን ኢሉ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ሎሚ ንጉሆ እውን ሓሓሊፉ ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ወሲኹ ገሊጹ።

ጎንደር

ኣብ ጎንደር ትማሊ 30 ሓምለ 2015 ኣግ ግጭት ከምዝነበረ ነበርቲ ይሕብሩ።

ገለ ከባቢታት ማእኸላይ ጎንደር ብሰፊሑ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፋኖ ከምዘሎን ሰራዊት ምክልኻል ድማ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ ከምዝሰፈረን ይዛረቡ።

ትማሊ ፒያሳን ቡልኮን ኣብ ዝበሃሉ መንደራት እታ ከተማ ዝነበረ ልውውጥ ተኹሲ ሓዪሉ ከምዝነበረ ይገልጹ።

ንድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ዘይንጠቕሶ ነባራይ እታ ከተማ ፡ ሎሚ ንጉሆ እውን ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ብዘጋጠመ ስግኣት ጸጥታ ምንቅስቓስ ሰባት ኣዝዩ ዝተገደበ ከምዝኾነ እቲ ምስክር ዓይኒ ጠቒሱ።

ላሊበላ

ኣብ ከተማ ላሊበላ ኣብዚ እዋን ኣንጻራዊ ሰላም ከምዝዓሰለ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብታ ከተማ 25 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሹም ሽሃ፡ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ምእታዉ ስዒቡ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ከቢድ ውጥሪ ከምዝነበረ እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ኮይኑ ግና ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ከምዝሕብሮ፡ ኣብታ ከተማ ድምጺ ተኹሲ ኮነ ጸገም ጸጥታ ኣይነበረን።

ካብ ላሊበላ ንኣንፈት ሰሜን ከባቢ ሰቖጣ ከምኡ ድማ ንኣንፈት ደቡብ ሃሙሲት ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ግና ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ሓቢሩ።

ደብረ ብርሃን

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን ከምዝሓበርዎ፡ ትማሊ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ ተኹሲ ድምጺ ይስማዕ ዝነበረ ኮይኑ መንእሰያት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ይጉይሉ ነይሮም።

ካብ ደብረ ብርሃን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ከምዝተዓጸወ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ እውን ውሱን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

“ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና” ዝብሉ እዞም ነበርቲ፡ ሎሚ ንጉሆ እውን ኩነታት እታ ከተማ ካብ ትማሊ ዝተፈለየ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ወልድያ

ነበርቲ ከተማ ወልድያ ብወገኖም ዋላኳ ድምጺ ተኹሲ እንተዘይሃለወ፡ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ግን ተዓጽዮም እዮም።

ኩነታት እታ ከተማ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ነባራይ፡ ሎሚ ሰኑይ 1 ነሓሰ ኣብታ ከተማ ትካላት ውልቀ ይኹን መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓጽዮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝንቀሳቐሱን ተኣኪቦም ንዝረኸቡዎም መንእሰያት ከምዝብትኑን ሓቢሩ።

ብካልእ ዜና ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጎንጺ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ።

ዶ/ር ቴድሮስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ክልል መንገዲታት ብምዕጻዎምን ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቁራጹን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝን ርክብ ንምቕጻልን ከቢድ ክገብሮ እዩ ኢሉ።

ነበርቲ ሓገዝ ኣገልግሎት ጥዕና ከይቋረጾምን ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ሓገዝቲ ትካላት ስራሕቶም ከሳልጡ ምእንትን ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል ሓለዋ ክግብረሉ እውን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ እቲ ዋና ዳይረክተር “ልዕሊ ኩሉ ንሰላም ጻውዒት ነቕርብ” ኢሉ።