መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ክልል ኣምሓራ ጥንቃቐ ክገብር ተሓቲቱ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፋኖን ዝተበገሰ ግጭት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንሰብኣዊ መሰላት ከቕድም ከምዝግባእ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኣብ ዝወስዶም ስጉምታት ሰለማውያን ሰባት ናብ ሓደጋ ብዘይእቱ መገዲ ብጥንቃቐ ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ኮምሽን ብዓርቢ 28 ሓምለ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝወስዶም ስጉምታት፡ ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ክግበር” ድማ ጸዊዑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ትማሊ ዓርቢ ንጉሆ “ኣብ ኣምሓራ ዝተርኣየ ብዕጥቂ ተደጊፉ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ብልሙድ ኣካይዳ ሕጊ ምኽባር ናብዘይከኣለሉ ደረጃ ተሰጋጊሩ’ዩ” ካብ ዝብል መበገሲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትግበር ወሲኑ’ዩ።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ዘይግትኡ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ተሓልዮም ተመጣጣንን ዘይሻራውን ዝብሉ መርህታት ብዘኽበረ መገዲ ክኸውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ብፍሉይ ሓይልታት ተወዲቦም ዝነበሩ ክልላዊ መሓውራት ከም ብሓድሽ ክውደቡ ኣለዎም ዝብል መምርሒ ወሪዱ ተግባራዊ ክኸውን ምስጀመረ ዝተልዓለ ጎንጺ ተጋዲዱ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ኵናት ይቕጽል ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ክልል ኣምሓራ ኣጎልግሎት ኢንተርኔት ከምዝተቛረጸ እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሰባት ብናጽነት ክንቀሳቐሱን መዓልታዊ ንጥፈታቶም ክውግኑን ይጽገሙ ከምዘለዉ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ሰባት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ከምዝተገበረሎም ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ጎንጺ ኣብ መፈፋርቕ ሓምለ ተጋዲዱ መብዛሕቲኡ ክፋል እቲ ክልል ኣብ ግጭት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ንብረቶሙን መጥቃዕቲ ከምዝወረደን ኣጎልግሎት መጓዓዝያን ማሕበራውን ከምዝተቛረጸን ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብውሕዱ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 5 ኣብ ዝሓተሞ 106 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ምግላጹ ዝዘከር እዩ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቶም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝተመዛበሉን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈናቐሉ ስደተኛታትን ናብ ዝኸፍአ ጸገም ዘእቱን ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት እቲ ውግእ፡ ኣፈላላዮም ብሰላም ክፈትሑን ነቲ ጎንጺ ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ክዕቀቡን መልእኽቲ ኣሕሊፉ።