እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ክልል ኣምሓራ፡ ን6 ወርሒ ዝጸንዕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እናኸፍአ ዝመጸ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ብዓርቢ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣዋጅ ንሽዱሽተ ወርሒ ጸኒዑ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ነቲ ኣዋጅ ንምትግባር ብትካል ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምራሕ "ጠቕላሊ እዚ" ከምዝቐውም'ውን እቲ ሚኒስተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ጠቒሱ።
ኣባላቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር ክውሰን ምዃኑ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ኣዋጅ፡ ሰዓታት እቶእቶ ንምውሳን፡ ከምኡ'ውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ መንገድታት ምዕጻው ዝርከብዎም ስጉምትታት ንምውሳድ ዘኽእል'ዩ።
ብቐንዱ ንክልል ኣምሓራ ዝምልከት'ኳ እንተኾነ፡ "ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ተፈጻሚነት ከምዝህልዎ" እቲ ሚኒስተር ኣሚቱ'ሎ።
ብሓሙስ መንግስቲ እቲ ክልል ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ተቓወምትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እናተጋደደ ብምምጽኡ ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምቍጽጻር መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ክኣቱ ጸዊዑ ነይሩ፡፡
ብርእሰ ምምሕዳር ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ተፈሪሙ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተጽሓፈ ደብዳበ ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ንምቍጽጻር ከቢድ ብምዃኑ መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ክኣቱ ተሓቲቱ ኣሎ፡፡
‘ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ምክልኻል ዘይከኣል ኩነታት ብዛዕባ ምሕባር’ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ናብ መንግስቲ ፈደራል ብ3 ነሓሰ 2023 ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጸገም ከምዘጋጠመ ኣመልኪቱ፡፡
በዚ ምኽንያት ‘‘መንግስቲ ፈደራል ኣድላዪ ሕጋዊ መስርሕ ክፍጽም’’ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ከምዘቕረበ የረድእ፡፡
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመርሐ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደራል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኩነታት "ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእወ ኮይኑ'ሎ" ኢሉ።
"ብሰንኪ ሕሉፋት ዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ናይቲ ክልል ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ምንቅስቓስ ከቢድ ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ"።
"እዚ ዶብ ዝሰገረ [መጥቃዕትታት] ብምዱብ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርዓት ንምቁጽጻሩ ዘይክኣለሉ ኩነታት ብምፍጣሩ፡ ህጹጽ እዋን ምእዋጅ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ'ሎ" ይብል እቲ ካብ ቤተመንግስቲ ኣራት ኪሎ ዝወጸ መግለጺ።
ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ምዝራግ ሰላም ከቢድ ሰብኣዊ፡ ማሕራዊን ቍጠባውን ጉድኣት የስዕብ ከምዘሎ ዝሓበረ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር መንግስቲ ፈደራል ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ ሓቲቱ፡፡
ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ተቓውሞን ግጭትን ዕጡቓትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሰሙናት ተጋዲዱ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ብተደጋጋሚ ይጓነጹ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ፡፡
በዚ ምኽንያት ሞት፡ ዕንወት ንብረት፡ ምትዕንቓፍ መጓዓዝያን ንቡር ምንቅስቓስን ኣጋጢሙ፤ ከምኡ ድማ እቲ ግጭት ናብ ብዙሓት ከባቢታት ተጋፊሑ፡፡
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)፡ እቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ቅድሚ መዓልቲታት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን እቲ ክልል ዝተዘራረበ ኰይኑ፡ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳር ንዘተ ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ዕጡቓት ዕጥቆም ከውርዱ ጸዊዑ ነይሩ፡፡
እቲ ትማሊ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጸሓፎ ደብዳበ ግን እቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ከምዘይተዓወተ ዘመልክት እዩ፡፡
እንተዀነ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ቅልውላው ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ፡፡
ነዚ ስዒቡ ስልጣንን ተግባርን መንግስቲ ፈደራል ብዝድንግግ ዓንቀጽ 51 ንኡስ ዓንቀጽ 14 መሰረት፡ ሰራዊት ምክልኻል ናብቲ ክልል ክዋፈር እዩ፡፡
መንግስቲ ፈደራል ‘‘ካብ ዓቕሚ ክልላት ንላዕሊ ዝዀነ ጸገም ጸጥታ እንተጋጥም ብመሰረት ሕቶ ክልላዊ ምምሕዳር ሰራዊት ምክልኻል የዋፍር’’ ይብል፡፡
ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከምዝተርኣየ ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ክእወጅን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስታት ክልልን ፈደራልን ኣድላዪ ዝብልዎ ክፍጽሙን ይኸእሉ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን ብረቡዕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ቅልውላው ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ምብጽሑ ብምሕባር፡ እቶም ጸገማት ንምፍታሕ ሰላማዊ ዘተ ዝሓሸ ከምዘዀነ ገሊጹ፡፡
እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በጺሑ ዘሎ ቅልውላው ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል ፍሉይ ሓይሊ ክልላት መሊሱ ንምውዳብ ዘቕለፎ ውሳነ ስዒቡ እዩ ተጀሚሩ፡፡
በዚ ምኽንያት ዳግመ ምውዳብ ፍሉይ ሓይሊ ምስ ዝተቓወሙ ነበርትን ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ተቓውሞን ጎንጽን ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ምስ ሰራዊት ፈደራል ከምዝተጋጨዉ ተገሊጹ፡፡
ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ጸጥታ ክልልን ፈደራልን ምኽባር ሕጊ ኢሎም ብዝጀመርዎ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምስ ዕጡቓት ብዝተኻየደ ግጭት ህይወት ሰባት ጠፊኡ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ተጋዲዱ ቀጺሉ ኣሎ፡፡
ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብምሕባር፡ ‘‘ብሽም ፋኖ እናተንቀሳቐሱ ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ’’ ዕጡቓት ስጕምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ ነይሩ፡፡