ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብፋኖ ዝፍለጡ ዕጡቓት 'ስጉምቲ' ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ብስም 'ፋኖ' ዝፍለጡ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቲ 'ሸኔ' ክብል ዝጽውዖ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ስርሒታት የካይድ ከምዘሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ምውድኡ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኸኣ ነቶም ዕጡቓት "ናይ ምድምሳስ ስራሕ ሓዪሉ ቀጺሉ'ሎ" ክብል ሰራዊት ፌደራል ገሊጹ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕተ ነቲ ጉጅለ ዕጥቂ ከብጽሑ ተረኺቦም ዝተባህሉ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።

"ካብ ኣዋሽ ተበጊሶም፡ ብናይ መንግስቲ መኪና ክልተ ስናይፐር ጠበንጃ፡ ሓደ ኣርፒጂ፡ ሓሙሽተ ተተኳሲ ቦምባ ኣርፒጂ፡ 28 ካርታን ጥይትን ስናይፐር፡ ክልተ ዩኒፎርም ሰራዊት ምክልኻል፡ ሰለስተ ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይሊ ዩኒፎርምን ካምቻን" ሒዞም ከምዝረኸቦም'ውን ይጠቅስ።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ኣብ መወዳእታ 2022 ብስምምዕ ሰላም ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግጭት ከምዝቐጸለ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፌደራል ህላወ ክልላዊ ፍሉይ ሓይልታት ከብቅዕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ዝሳተፉ ዝነበሩ ብፋኖ ዝፍለጡ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ብረት ከምዘየውርዱ ኣፍሊጦም'ዮም።

ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ ድማ ኣንጻር ሓይልታት ፈደራል ክዋግኡ ጸኒሖም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮ/ል ጌትነት ኣዳነ ብሰሉስ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐሱ ሰላም ዝዘርጉ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ኢሉ።

"ንሰራዊትና ፊት ንፊት ገጢሞም ክስዕሩ ዘይክኣሉ ሓይልታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዝኣልምዎ ሽርሒ እናለዓለ ምምጽኡ" ክብል ኮ/ል ጌትነት ተዛሪቡ።

"ሰራዊት ሃዲሙ፡ ተማሪኹ፡ በዚ ኣትዩ፡ በዚ ወጺኡ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ንምርኣይ" ነቲ ጋዜጣዊ መብርሂ ከምዝሃበ እቲ ሰራዊት ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ካብ ገለ ከባቢታት ክስሕብ ከምዝገደድዎ ጸብጻባት ክገልጹ ቀንዮም ነይሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጎንደር፡ ቆቦ፡ ወልድያን ሽዋ ሮቢትን ዝርከብዎም ቦታታት ወግእ ተኻይዱ ምንባሩን፡ ኣብ ህይወት ጉድኣት ምውራዱን ይግለጽ።

እቲ ኣፈኛ ሰራዊት ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ምንባሩ ጠቒሱ'ሎ። ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቲ ኩነታት፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ብምልዛብ "ብይቕሬታ ተዓዝዩ ኣሎ" ድማ ኢሉ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ዝነበረ ካብ ዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተተኮሶ ጥይት ከምዝተቐተለ ይዝከር።

ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሰራዊት መንግስትን ዝተኻየደ ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐዘፈ ሓቢሩ ነይሩ።

መንግስቲ፡ ነቶም ዕጡቓት ብረቶም ከውርዱ ንምግዳድ ኣብቲ ክልል ወተሃደራዊ ስርሒታት "ምኽባር ሕጊ" ምእዋጁ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ዝወጠኖ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓቢሩ'ሎ።