ኣብ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንምንቅስቓስ ዝድርት መምርሒ ተመሓላሊፉ

ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ፡ ሰብ መዚ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ካብ ምሸት ሰዓት 8:00 ተግባራዊ ዝኸውን ክልከላታት ኣሕሊፎም።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ከተማ ጎንደር ካብ ሰዓት 9:00 ምሸት ኣትሒዙ ኣብያተ መስተን ኣገልግሎት ከይህባን ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳትን ምሓዝ መሳርያታትን ዝድርት ሕጊታት ተኣዊጁ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደሴን ደብረብርሃንን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ተወሲዱ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣብዘን ከተማታት መንግስቲ ፍቓድ ዘይሃበሉ ሰለማዊ ሰልፍን ብረት ሒዝካ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድን ከምዝተኸልከለ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እዚ ኣብዘን ከተማታት ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ፡ ነተን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ሰለስተ ዝእግረን፡ 'ባጃጅ' ተባሂለን ጽውዓ ተሸከርከርቲ'ውን ብጽኑዕ ዝኽእል እዩ።

በዚ መሰረት፡ እዘን ባጃጅ ኣብ ደሴ ድሕሪ ሰዓት 7:30 ኣብ ከተማታት ጐንደርን ደብረብርሃንን ከኣ ድሕሪ ሰዓት 8:00 ምሸት ከይንቀሳቐሳ ብጥብቂ ተኸልኪለን ኣለዋ።

ኣብዘን ክልተ ከተማታት ትማሊ ሰኑይ ኣሽሓት ሰባት ዘተሳተፍሉ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፈደራል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልል ዘለዉ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ክፈርሱ ኣዋጅ ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋጅ መንግስቲ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፉ ዝካየድ ዘሎ።

ሰብ መዚ ምፍራስ ፍሉይ ሓይሊ ናይ 11 ክልላት፡ ሓደ ውሁድን ስሙርን ሓይሊ ንኽምስረት ከምዝሕግዝ’ዮም ዝሕብሩ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ምፍራስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፡ እታ ክልል ብጐረባብታ ንኽትጥቃዕ ዘቓልዕ’ዩ ብምባል’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሸነኽ ሰሜን 130 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደብረብርሃን፡ ካብቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ግጭት ዝሃደሙ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቊቦምላ ዝርከቡ ከተማ’ያ።

ማሕበር ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ዝተዋፈሩ ሰራዊት ቀታሊ ዝዀነ ስጕምቲ ይወስዱ ከምዘለዉ ብምኽሳስ ኣብ ጥቓ ባህርዳር ኣብ እትርከብ መራዊ ኣብ እትብሃል ንእሽተይ ከተማ ክልተ ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊጹ።

እንተዀነ ነዚ ክሲ እዚ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበሉን ኣሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝዀነት ባህርዳር’ውን ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ዓሰርተ ከምዝቘሰሉን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ፡ እንተዀነ እቲ ናይ ቦንባ መጥቓዕቲ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ምትሕሓዝ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ኣይተገለጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካቶሊካዊ ትካል ውሃቢ ረድኤት፡ ብሰንበት ክልተ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።

እቲ ቀትለት ኣብቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ፈደራልን ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ጕጅለታት ምልውዋጥ ተዅሲ ዘካየደሉ ከባቢ ቆቦ ከምዝተፈጸመ እቲ ትካል ገሊጹ።

እዚ ሲኣርኤስ ዝተበሃለ ካቶሊካዊ ትካል ወሃቢ ረድኤት፡ እቶም ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታቱ፡ ሓላፊ ድሕነትን መራሒ መኪናኡን ከምዝዀኑ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ብሞት ሰራሕተኛታቱ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ፡ ብዛዕባ ኣቀታትላ እቶም ሰራሕተኛታቱ ዝምልከት ግን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መኪናኦም እንከለዉ ብጥይት ከምዝተቐተሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ነቲ ቅትለት ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዘይበጽሖ ሲኣርኤስ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዞም ተቐቲሎም ዝተባሃሉ ክልተ ሰራሕተኛታት ትካል ወሃቢ ረድኤት ካብ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ካብ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ዝተሓበረ ነገር የለን።

እዚ ሲኣርኤስ ዝተበሃለ ካቶሊካዊ ትካል ውሃቢ ረድኤት፡ ኣሜሪካ ትካል ክኸውን እንከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ትርከበን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሃገራት ጨናፍራት ኣለዎ።