እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፍሉይ ሓይሊ ንምውሃድ ዝግበር ጻዕሪ ዝዕንቅፍ ስጕምቲ ክውሰዶ እዩ' - ኣቢይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ክልላዊ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ካልእ ጸጥታዊ መሓውር ንምእታው ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣሉታዊ ተራ ዝጻወቱ ኣካላት ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስዶም ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ ምክልኻል፡ ፈደራል ፖሊስ ወይ ስሩዕ ኣባላት ክልላዊ ፖሊስ ንምስግጋር ምድላዋት ክገብሩ ከምዝጸንሑ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ሰንበት 1 ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን መንግስቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ናብ ካልእ መሓውር ንምስግጋር ዝሓንጸጾ መደብ ኣመልኪቱ መብርሂ ንምሃብ እዩ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ "ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዕጥቂ ኣይፈትሕን" ብዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተቓውሞታት ከምዝተኻየደ ይግለጽ።
ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ሓደ ካብቶም ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ካት ትካላት ጸጥታ ንምውህሃድ ዝዓለመ ውጥን ብትሪ ዝቃወም እዩ።
ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣቶ መልካሙ ሽሙየ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልል ኣምሓራ ካብ ደገ ይዅን ብውሽጢ ጸጥታዊ ስግኣት ይገጥሞ ስለዘሎ፡ እቲ ውሳነ ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ዘየእተወን ቀዲሙ ዘይተዘተየሉን ምዃኑ ገሊጹ።
ይዅን እምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ቀዲሙ ዘተ ከምዝተገበረን እቲ ውሳነ ኣብ ኵለን ክልላት ተግባራዊ ከምዝኸውንን ገሊጹ።
መንግስቲ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ናብ ካልእ መሓውር ንምስግጋር ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዝመጽእ ዝዀነ ዓይነት ተቓውሞ ብዘየገድስ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊጹ።
"እዚ ውሳነ ምእንቲ ሃገራዊ ሓድነትን ሰላምን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝትግበር'ዩ" ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ግዝያዊ ስለዝኾነ፡ ቀዋሚ ረብሓ ስለዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ናብ ካልኦት መሓውራት ጸጥታ ምውሃድ ከምዘድሊ ገሊጹ። ብምኽንያት ክልላዊ ፍሉይ ሓይሊ እታ ሃገር ስግኣት ሓድነት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።
'ግዝያዊ ፍታሕ ቀዋሚ ረብሓ ኣየምጽእን'
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ክልላዊ ፍሉይ ሓይሊ ግዝያዊ ስለዝዀነ ነባሪ ረብሓ ንሃገርና ከምጽእ ከምዘይክእል ገሊጹ።
ከም ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልታትን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ብማእከላይ ትካላት ጸጥታ ክምክቱ ዘይክእሉ ህጹጽ ጸጥታዊ ስግኣታት ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ክውደቡ ከምዝኽእሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብሪሁ።
ብታህዋኽ ዝተመስረቱ ሓይልታት ግዝያዊ እምበር ቀዋሚ መፍትሒ ከምዘይየምጽኡ ድማ ሓቢሩ።
‘ዘመናዊ ሰራዊት ብብዝሒ ዘይኮነስ ብጽሬት እዩ ዝዕቀን’ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኣብ ሓደ ማእከል ዝተወደቡ ሰላሳ ሰራዊት ካብቶም ኣብ ዓሰርተ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሚእቲ ሰራዊት ዝሓየሉ እዮም" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ምክልኻል፡ ስሩዕ ፖሊስ ወይ ፌደራል ፖሊስ ክኣትዉ ዝብል ኣጀንዳ ንነዊሕ እዋን ክሕሰበሉን ክመከረሉን ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።
ካብ ህዝቢ’ውን ከምኡ ዓይነት ተደጋጋሚ ሕቶ ይመጽእ ከምዝነበረ ወሲኹ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ውሳነ ኣብ ኵለን ክልላት ተግባራዊ ዝኸውን ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።
“ፍሉይ ሓይሊ ናይዚ ወይ ናይቲ ክልል ጥራይ ዕጥቂ ይፈትሕ ኣሎ፡ ዝብዝብል ምድንጋር ዝፈጥሩ ወገናት ሰኣን ርድኢቶም ከምዝዀነ፣ ካልኦት ድማ ዕላማኦም ንህዝቢ ካብ ምዝራግ ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን" ብምባል ወቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ፡ ምስ ካልኦት መሓውራት ጸጥታ ተጸንቢሮም ዝያዳ ስልጠናን ኣፅዋርን ብምርካብ ሃገር ብዝበለጸ ሃገር ከገልግሉ ዝዓለመ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኵሉ ንተግባራውነቱ ክተሓባበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።