እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን 'መጥቃዕቲ ንምፍጻም ውዲት ይገብሩ ነይሮም' ዝበለቶም ኣሲራ
ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዓመጽን ህውከትን ኣብ ምልዕዓል ክነጥፉ ዝጸንሑ ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ልፍንቲ ጉጅለ ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ንምፍጻም ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ፡ ዶ/ር ወንደሰን ኣሰፋ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ ኣውግቸው፡ ፕሮፌሰር ማዕረጉ ቢያበይን፡ ዶ/ር መሰረት ወርቁ፡ ተስፋዬ ወ/ማርያም፡ ተስፋዬ የኋላሸት ፋሲል፡ ሰለሞን ልመንህ ከተማና መንበረ ይርከብዎም።
ብወገን እቶም እሱራት ግን ብዛዕባ'ቲ ክስታት ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
እቲ ግበረ ሓይሊ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ጉጅለታት "ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳር፡ ኣዳማን ድሬዳዋን ንዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሃገራዊ ህውከትን ዓመጽን ንምልዕዓል ይንቀሳቐሱ ነይሮም" ኢሉ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ዝመደበሮም ጉጅለ ምሁራት፡ ወነንቲ ሚድያን ማሕበራዊ ኣክቲቪስትን ዝርከብዎ ሕቡእ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ወዲት ከም ዝነበሮ የመልክት።
ሓባራዊ ግበረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን፡ ናይቶም ህውከትን ዓመጽን ንምፍጣር ብምስራሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ዝርዝር ኣስማትን ስእልታትን እውን ኣውጺኡ’ዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፖለቲካዊ ርኢቶታት ብምሃብ ዝፍለጥ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ ኣውግቸው፡ ካብቶም በዚ ገበን ተጠርጢሮም በቲ ሓይሊ ዕማም ተኣሲሮም ዘለዉ ውልቀሰባት ሓደ እዩ።
እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት "ወተሃደራዊ ክንፊ ብምውዳብ ብኣጽዋር ዝተሓገዘ ናይ ከተማ መጥቃዕቲ ንምፍጻም መደብ ነይርዎም" ይብሉ እቶም ሰብመዚ ጸጥታ።
". . . ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ጭቆና ኣላ ኢሎም ጎስጓስ ብምግባር ከምኡ’ውን ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ካባና ወጻኢ ነዛ ሃገር ክመርሕ የብሉን ብዝብል ፖለቲካዊ ሕሉፍነት መሰረት ገይሮም ደገፍቲ ክእክቡ ፈቲኖም እዮም"።
"ህዝቢ ሓራ ክነውጽእ ኢና ዝብል ናይ ዓመጽ ምንቅስቓስ ንምክያድ ይውደቡ" ነይሮም ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ከምኡ'ውን ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲቲታት ተመሃሮ ናይ ምውዳብ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ’ውን እቲ ክሲ ጠቒሱ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዘቖሞ መሓውር ኣጽዋር፡ ነታጒን ቦምባን ከም ዘእተዉ ዝሓበረ እቲ ግብረ ሓይሊ፡ ካልኦት ኣባላት እቲ ጉጅለ ንምእሳር ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ኣሚቱ።
ጥምረት ቀንዲ ትካላት ጸጥታ እታ ሃገር ዝዀነ ሓባራዊ ግበረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን፡ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር፡ ፖሊስ ፌደራል፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ድሕንነትን ኢንስቲትዩት ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ዘጠቓልል’ዩ።