እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሓደ ኣባሉ ኣልዒሉ
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራል ሎሚ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣባል እቲ ባይቶን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራን ዝነበረ ዶክተር ጫላ ዋታ ኣልዒሉ።
ሚኒስተር ፍትሒ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዶክተር ጫላ ከም ዝተላዕለ ሃገራዊ ተሌቭዥን ጸብጺቡ።
እቲ ኣባል ባይቶ፡ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስርዓት ዕድጊ መንግስቲ ከይተኸተለ ዝተፈላለዩ ዕድጊታት ፈጺሙ’ዩ ብዝብል ገበን ብልሽውና ከም ዝተጠርጠረ ነዚ መረዳእታታት ምቕራቦምን ተገሊጹ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ መት ፕረዚደንትን ምኽትል ፕረዚደንትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኣጽዲቝ ኣሎ።
በዚ መሰረት ወይዘሮ ሌሊሴ ደሳለኝ ፕረዚደንት እቲ ቤት ፍርዲ ኰይና ክትሽየም እንከላ ወይዘሮ ዛህራ ዑመር ክኣ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ቤት ፍርዲ ኰይና ከም ዝተሸመት ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሓቢሩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራል፡ ሹመት ተተካእቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብወለንታኦም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም ናይ ዝተባህሉ ፕረዚደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኣጽዲቑ ዘሎ።
ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ነበር ኣቶ ብርሃነ መስቀል ዋጋሪ ከምኡ’ውን ምኽትሉ ወይዘሮ ተናኘ ጥላሁን ኣብዚ ሓላፍነት ንሰለስተ ዓመታት ኣገልጊሎም’ዮም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ክልተ ምኽትላት ፕረዚደንት ዘለውዎ ኰይኑ፡ ኣቶ ኋሊት ይመስል ኣብ ስርሑ ኣሎ።