እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይዱ ኣለዉ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካስ ዝመርሖ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻልን ስለያን ዝሓዘ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዕደት ብምግባር፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ድሕነት ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ።
ብዘይካ'ዚ እቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ላዕለዎት ጀነራላት ዝርከብዎ ጕጅለ፡ ብምክትል ኢታ-ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ተሰንዩ ትማሊ 2 ሚያዝያ ናብ ግድብ ህዳሰ ከምዝበጽሐ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ገሊጹ።
"ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ብሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ" ክብል እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቶም ላዕለዎት መኮንናት ኤርትራ ንትካል ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ [ሰብሰርሖ ብልሒ] እታ ሃገር ከም ዝበጽሑ'ውን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።
ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ንዓቕሚ ትሕተ ቕርጺ ተክኖሎጂ እቲ ኢንስቲትዩት፡ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ስርሓት ምርምርን ተዓዚቡ።
እቲ ጕጅለ ናብ ኣሶሳ ከምዝበጽሐ'ውን ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ኣብ 1990 ንኣሶሳ ካብ ሰራዊት ደርጊ ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።
ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና፡ እቲ ትካል ኣብ ክሊ ማሕበራውን ምጣነሃብታውን መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ጕሉሕ ስርሓት ምርምርን ምዕባለን ኣመልኪቱ ነቲ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጕጅለ ኤርትራ መብርሂ ሂቡ።
ነቲ ጕጅለ ልኡኽ ዝመርሕን ዘወሃህድን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ንኤርትራ ዝጠቅም ብዙሕ ልምዲ ከምዝተቐስመሉ ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ እቲ ጀነራል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ መደይ ቴክኖሎጂ’ውን ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ዕድላት ከምዘሎ ዝተገንዘቡሉ ዑደት ምዃኑ ምግላጹ እቲ ማዕከን ዜና፡ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ኣፍሊጡ።
ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ መዓስ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትወን፡ ሓፈሻዊ ዕላማን ትሕዝቶን ዑደቱ ዝምልከትን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣብዚ ቕንያት ሓምሻይ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ዝዝከር ዘሎ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝምድና ክልቲአ ሃገራት ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋን ጽዑቕ ምብጽጻሕ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኣካይደን እየን።
ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረን ብወገዒ ዝተገልጸን ናይ መወዳእታ ምብጽጻሕ ኣብ 2020 ዝተኻየደ እዩ። ኣብ ሓምለ እቲ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ብምኻድ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ሰፊሕ ዑደት ከም ዘካየደ ኣይርሳዕን። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ዝተፈላለየ ፕረጀክትታ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ መመንጨዊ ጸዓት ግልገል ግቤ-3፡ ከምኡ’ውን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ዝርከቦም ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት፡ ትምህርቲ፡ ምርምርን ልምዓትን እታ ሃገር በጺሑ ተዓዚቡ እዩ።
ድሕሪ’ዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኲናት ትግራይ ስለዝሰዓበ፡ ክልቲአን ሃገራት’ውን ብምሉእ ዓቕምታተን ኣብኡ ስለዝተጸምዳ ከምዚ ዝበለ፡ ብዙሓት ላዕለዎት ጀነራላት ብዝሓቘፈ ልኡኽ ዑደት ክግበር ኣይተራእየን።
ኣሜሪካ ኣብ 2021፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወት ወልደኪዳን ከምኡ'ውን ንዝተፈላለያ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝሓቁፍ ሕድሪ ትረስትን ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪን ማዕቐብ ኣንቢራ እያ።
እዚ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቐርቡ ዘይረኣዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ኤርትራ ዝሓዘ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውሊያይ፡ ብርጋዴር ጀነራል እዮብ ፍስሃየ [ሓሊባይ]፡ ብ/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም፡ ብ/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ ኰሎኔል ኣስመላሽ [ወዲሓፍቲ] ካልኦትን ዝርከብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ተክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ዘካይድ፡ ኣብ ዝተፈላለየዩ ጽላታት ንምምዕባል ትሕተቅርጺ እዚ ብልሒ ዝዓዪን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ትካል ምዃኑን እዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብቲ ኢንስቲትዮት ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዶም ምንባሮም ኣይርሳዕን።