ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ይፍለጥ። ዝነበሮ ጻንሒት ብምዝዛም ድማ ተመሊሱ'ሎ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ውጽኢታዊ ዑደት ከምዝተኻየደ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ።

ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘድሃበ ዝርርብ ከምዘካየዱ'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ምስ ዛዘመ ምስ ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ መሰነይታ ከምዝተገበረሎም ወሲኹ ገሊጹ።

ጻንሒት ኣብ ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰኑይ ንጉሆ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ክፍጽም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከኣ ኣብ ኣብታ ዝኣተወላ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እትርከብ ከተማ ጅማ ተቐቢሉዎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ካልኦት ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን ግድባትን ከምዝበጽሐ'ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ኣሰሓሓቢ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

እዞም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ዕርቀ ሰላም 2018 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቐጻሊ ክራኸቡ ጸኒሐም ኣለው። እቲ ዕርቂ ወጥሪ ዶባት 20 ዓመት ፈቲሑ ሰላም ስለዘምጽአ ንውሑድ እዋን እውን ይኹን ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብምድርን መንገዲ ኣየርን ስለዘራኸበ ዓቢ ተስፋ እዩ ሰፊኑ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ብወገን ኤርትራውያን ንትካላዊ ኣሰራርሓን ኣተሓሕዛን ብዝምልከት ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም።

እንተኾነ ምስ ግዜ ክመሓየሹን ክምለሱን እዮም ብምባል ዜጋታት ዝሓሸ ምዕባለ ክርእዩ ኣብ ተስፋ ከምዝጸንሑ ተንታኒ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም ይዛረብ።

ዳሕራይ፡ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ምስተዓጽወን እቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ/ ሪፎርም ስለዘይመጽአን ምምሕዳራውን ሕጋውን መሰረት ክሕዙ ዝነበሮም ነገራት ከይተፈጸሙ ስለዝተረፉን ግን እቲ ተስፋ ከምዝተዳኸመ የረድእ።

ድሕሪኡ ዝግበር ርክብ ክልቲኦም መራሕትን ዝካየደድ ስምምዓትን ንህዝቢ ብወግዒ ስለዘይግለጽ፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ርክባት ዕርክነት ክልተ መራሕቲ ናብ ምዃን ዝዘንበለ እዩ ዝመስል ይብል። ስለዚ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ብዙሕ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ኣብ ኣሜሪካ ጆርጂያ ኮሌጅ ጉኔት መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዶክተር ዮሃንስ ገዳሙ ግን፡ ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ (መገሻ) መራሒ ሃገር፡ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ከምኡ'ውን ብኽልቲኦም መራሕቲ ተሓሲቡሉ ዝተገበረ እምበር ናይ ኣጋጣሚ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

ዶክተር ዮሃንስ፡ ክልቲኤን ሃገራት ስምምዕ ምስተፈራረማ ርክበን ናብ ስሉጥ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ፍሉይ ምትሕብባርን ሰጊሩ እዩ ክበሃል'ኳ እንተዘይተከኣለ፡ ውሽጣዊ ዝርርባት ከም ዘሎ ግን ይስማዕ'ዩ።

"እቲ ርክብ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ንምብጻሕ ድማ፡ ምትእምማን ክፍጠርን ክጥንክርን ኣለዎ" ዝብል እቲ ሙሁር ፖለቲካ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ጎንጽን ምትፍናንን ዝጸንሓ ሃገራት ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ሞንጎአን ምትእምማን ንምፍጣር ክዘራረባሎም ዝግብኡ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ ይሕብር።

"ብልጽግና ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ'ኳ ገና ኣየካየደን"

ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም ግን፡ እቲ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ካብን ናብን ዝገብርዎ ዑደት፡ ብወገን ኤርትራ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ገና "ምልካዊ ስርዓት" ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይዛረብ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንተቓወምቱ ብምዕፋንን ብምእሳርን' ኣብ ስልጣን ከም ዝርከብ ይሕበር። እቲ ርክብ ኣብ ሞንጎ ውድባት (ሰልፍታት) ፖለቲካ ዝካየድ ዘሎ እምበር ኣብ መንጎ መንግስታት እዩ ዝደካየድ ዘሎ ንምባል ኣጻጋሚ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣሎ ንምባል ከምዝኸብድ ብምግላጽ ከኣ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፓርቲ ብልጽግና'ውን ገና ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ'ኳ ገና ኣየካየደን" ኢሉ።

ዶክተር ዮሃንስ ግን "እቲ ክልተኣዊ ርክብ ብዝያዳ ንኽጥንክር፡ እቶም መራሕቲ እቲ ሓደ ናብታ ካልእ ሃገር እናተመላለሱ ብምርኻብ ንምዝታይ ዝመረጹ ይመስሉ" ክብል እቲ ዑደት (ምብጽጻሕ) ትርጉም ከም ዘለዎ የረድእ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽልዋ ኣለዎ፤ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ይፈጥር'ዩ" ከኣ ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ወጥርታት ከምዘለዉ ዝገልጽ ዶክተር ዮሃንስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ እንተተኸታተሎ ዝገርም ነገር ከምዘይህልዎ ይዛረብ።

"ብተመሳሳሊ ኣብ ኤርትራ'ውን ብዙሓት ጸገማት ኣለዉ፤ እንተኾነ እቲ ወጥሪ ብስፍሓት ዝረአ ኣብ ደገ ምስ ዝነብሩ 'ዳያስፖራ' ኤርትራውያን ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ብቀጥታ ርእይቶ ክትህበሉ ኮነ ክትሳተፈሉ ከቢድ እዩ" ከኣ ይብል።

እተን ሃገራት ርክበን ኣብ ዘሐድሳሉ ዘለዋ እዋን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ረስኒ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘብጽሖ ጽልዋን ረብሓ ሃገሮምን ኣብ ግምት ብምእታው ምንቅስቓሶም፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ከምዝኾነ እቲ ምሁር ፖለቲካ ይዛረብ።

"እቲ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት 'ሃናጺ ብዝኾነ መገዲ ተሳቲፎም'ዶ? ዝብል ክኸውን ኣለዎ" ይብል ዶክተር ዮሃንስ።

ርክቦም ትካላዊ ቅርጺ ኣለዎ'ዶ?

ተንታኒ ዓለምለኸ ፖለቲካ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም፡፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ዝተፈጸመ ዘይኮነስ ናይ 'ክልቲኦም መሓዙት' ከምዝመስልን ትካላዊ ቅርጺ ከምዘይብሉን ብምግላጽ ይነቅፍ።

ቅድሚ ሎሚ'ውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን [ኣብ መንጎ መለስን ኢሳይያስን] ከምዚ ዝበለ ርክብ ከምዝነበረ ዘዘኻኽር ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ እንተኾነ ቀጻሊ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

ስምምዕ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት ጥራይ ኮይኑ ምትራፉ "ልክዕ ኣይኮነን ቀጻልነት እውን ኣይክህልዎን" ብምባል ድማ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኾነ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለ ይድምድም።

ምሁር ፖለቲካ ዶክተር ዮሃንስ ግን "ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ኢድ ምጭብባጥ እኳስ ርእሱ ዝኸኣለ ትካላዊ ቅርጺ ኣለዎ" እዩ ዝብል።

ትካላዊ ቅርጺ ክበሃል ከሎ፡ ግኡዝ ህንጻታት ወይ ድማ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ንምባል ጥራይ ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ፤ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ርክብ ናይቶም መራሕቲ፡ ኣብቶም ትካላት ጽልዋ ከምዝህልዎም ይገልጽ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ካብቲ ቀጻሊ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ዝርከብ ረብሓ፡ ድልዱል ዝኾነ ምትእምማን ምፍጣር እዩ። "ስለዝኾነ ነዚ ዕሽሽ ምባል ኣድላዪ ኣይኮነን" ይብል።

ኣብዚ እዋን ናይቶም መራሕቲ ርክብ፡ ትካላዊ ቅርጺ እናሓዘ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት'ውን ብዙሕ ለውጥታት ከምዝህሉ እምነቱ ይገልጽ ዶክተር ዮሃንስ።

ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዝጸንሐ በሰላ ብቐልጡፍ ረሲዐን "ብቀልጡፍ ናብ ርክባት ይእተዋ" ምባል ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ብምሕባር ድማ፡ እቲ ሕዚ ዝሓዝዎ መገዲ ቅኑዕ እዩ ይብል።

ይኹን እምበር ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ንሓንቲ ሃገር ብፍጹም ምልኪ ዓፊኑ ዝገዝእ መራሕን ኣብ ሃገሩ ለውጢ ከተኣታቱ ዝፍትን መራሒ ክህሉ ዝኽእል ርክባት ደሞክራሲያዊ መስርሕ ተኸቲሉ ናብ ህዝብን ህዝባዊ ትካላትን ብዝግባእ ክሰርጽ ቀሊል ከምዘይኮነ ክገልጹ ጸኒሐም ኣለው።