እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮ-ኤርትራ፡ ንግዳዊ ርክብ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ትኹረት ይጠልብ
ህዝቢ ኤርትራ ናፅነት ይሕሸኒ ኢሉ ምስ ወሰነ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጹር ንግዳዊ ርክብ ኣይሓንጸጻን።
ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ብናይ ሓባር ባጤራ ብር፡ ብሕውነታዊ መንፈስ ክሰርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መንጎ ተሰሓሒበን ብዶብ ኣብ እተሳበበ ኵናት ኣሻሓት ህይወት ዜጋታተን ኣጥፊአን።
ድሕሪ እቲ ደማዊ ኩናት ወጥሪ 20 ዓመት ስዒቡ ጎረባብቲ ኣሕዋት ህዝብታት ተፈላልዮም ጸኒሖም።
ሕጂ ጽልኢ ብፍቕሪ ተሳዒሩ፡ ንፋስ ኢዱንያ ተረኺቡ ህዝቢ ኡፈይ ምስ በለ፡ እቲ ቅድሚ ሎሚ ጠንቂ ህውከት ኰይኑ ዝነበረ ርክብ ኣፀቢቑ ንኽሕደስን ፀገም ከይደግስን እንታይ ይግበር'ሎ? ኢልካ ምዝታይ እዋን ይኣክል'ሎ።
ካብ ኤርትራ እንታይ ይመፅእ፡ እንታይ'ከ ይኸይድ'ሎ?
ኤርትራዊ ገብረመስቀል፡ "ኣነ ህዝብን ዓዲን ክርእን ሰላም ከስተማቕርን እየ መፂኤ" ብምባል ልዕሊ ንብረት ሸቐጥ እቲ ሰላም ከምዘቐድም ይገልጽ።
ህዝቢ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ናብ ኤርትራ ይመፅእ ምህላዉ ብምሕባር፡ "እቲ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኤርትራ ብፅቡቕ ንኽትግስግስ ክጠቕማ እዩ፤ ምሉእ ተስፋ ድማ ኣለኒ" ይብል፡ እቲ ዝነበረ ኩነታት ንኤርትራ ሃስይዋ ምጽንሑ ብምዝካር።
ኣይተ ገብረመስቀል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጫማ ሒዙ ከምዝመፅአ ብዓይነይ ዋላ እንተረኣኹ ካብ ኣንደበቱ ንኽረክቦ ጥራሕ እንታይ ሒዝኩም መፂኹም በልኩዎ።
"ኣብ ኣስመራ ኣብ እንዳ ጫማ ኢና ንሰርሕ፤ ካብ ዱባይ ዘእተናዮ ጫማ ሒዝና መፂእና ኣለና፤ ካልኦት እውን ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ የምጽኡ ኣለው። ካብ ኢትዮጵያ ድማ ስሚንቶ፣ብሎኬት፣ሞራለ፣ዝኣመሰለ ይኸይድ'ሎ። ኣብቲ እንዳ እኽሊ እውን ተዛዊረ ነይረ።
ዋጋ ብናቕፋ ክርእዮ እንተለኹ ይንክይ'ሎ። ፃዕዳ ጣፍ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚኢትን ዝሽይጥ ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ምእቲን ይሽየጥ ኣሎ። ንሓደ ብሎኬት ሰላሳን ሰለስተን ይሽየጥ ነይሩ ሕጂ ዕስራን ሓሙሽተን ይሽየጥ ምህላዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ፤ ካብቲ መጀመርታ እዋን ዝሽየጠሉ ዝነበረ ወሪዱ'ሎ" ይብል።
በየናይ ገንዘብ ይለዋወጡ
ሰላምን ዕርቅን ምስ ወረደ ናቕፋን ብርን ብማዕረ ይቕየር ምንባሩ፡ ኣብ ከተማ ዘላምበሳ ዝዋገዩ ዝነበሩ ሰባት ረኺበ ኣረጋጊፀ እየ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ሚእቲ ናቕፋ ብሓደ ሚእትን ሰማንያን ብር ይቕየር ኣሎ። ኣብ ዓዲ ግራት ገንዘብ ዝልውጡ ሰባት ሓደ ሚእቲ ብር ብሓደ ሚእቲን ሓምሳን ከምዝቕይሩ ነጊሮም።
ካብ ዓዲ ግራት ናብ ዘላምበሳ ኣብ ዝወስድ ቦታ ኣብ ቀርሰበር ድማ፡ ብሚኢትን ስሳን ከምዝቐየሩ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓተትክወን ኣደ ከኣ ሚኢቲ ናቕፋ ብ200 ብር ከምዝቐየራ ነጊረናኒ። እዚ ንምንታይ ከመይን ኰይኑ ኢልካ ሓቲትካ ትሑዝ መልሲ ኣይርከበሉን።
ምኽንያቱ ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ እንተይኰኑስ ተዋገይቲ ብሃበ ተረኽበ ዝተመንዎ እዩ። ኰታስ ኩነታት ቅጥዒ ክሕዝ ከምዘለዎ ይጠልብ ምህላዉ ባዕሉ ይዛረብ 'ሎ።
ኣብዚ ጉዳይ ከም መጠን ክልተ ሃገር ምዃነን እቲ መተዓዳደጊ ገንዘብ ክንፀር ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ኰይኑ ግና ብወገን ክልቲኦም መንግስታት ን20 ዓመታት ተዓፅዩ ዝነበረ እስኪ ቁሩብ ይንፈሰሉ ኢሎም ዘፅነሕዎ ዋኒን ይመስል።
መሸጣ ሪጋ ነዳዲ
እቲ ዶብ ምስ ተኸፈተ ሰብ ዋና መኻይን መካይኖም ጅጅ እናበሉ ንኽኣትዉን ክውፅኡን ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ እያ ወሲዳትሎም፤ ንሱ እውን እቲ ምትሕውዋስ ብዕሊ ክሳብ ዝእወጅ እዮም ተፀብዮም። ኣብታ ዕለት ድሕሪ ፋዱስ ምንቅስቓስ መካይን ተጀሚሩ።
ኣብ መቐለ ER ዝብል ታርጋ ዘለወን መካይን ብበዝሒ ምርኣይ ንቡር ኰይኑ'ሎ። ምስተን ኣብ መቐለ ዝፀንሓ ተሓዊሱ እታ ከተማ ብሓንቲ እግራ ጠጠው ኢላ'ላ።
ብፍላይ ካብ ኤርትራ ዝመፅኣ መካይን ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ጠጠው ኢለን ምንባረን ወነንተን ይዛረቡ።
በዚን ክንድዚን ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ነዊሕ ሪጋ ዝሓዙ ሰባት ይረኣዩ። ኣብቲ መጀመርታ እዋን መካይን ምምላእ ጥራሕ እንተይኰነ፡ ነጋዶ ክልቲኤን ሃገራት ብጀሪካንን በራሚልን መሊኦም መካይን ፅዒኖም ናብ ኤርትራ የግዕዙዎ ምንባሮም ብግልፂ ተራእዩ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ነዳዲ ብሓገዝ መንግስቲ ተደጕሙ ዝኣቱ ምስ ምዃኑ ንምንታይ ተፃዒኑ ይኸይድ'ሎ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ እዩ።
ስሞም ክጥቀሱ ዘይደልዩ ወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ ናፃ ዕዳጋ እዩ ብዝብል ሓሳብ ክዕድግ ንዝመፀአ ክንዲ ድላዩ መጠን ብዝደለዮ ዓይነት ኣቕሓ ከምዝሸጡ ይኣምኑ።
ነዊሕ ኣይፀነሐን፡ መዐደሊ ነዳዲታት መቐለ ኣማዕዲኻ ብዝረአ ሪጋ ተጎብአ። ሕፅረት ነዳዲ ኣጓኒፉ። ህዝቢ ክሳብ ፀሓይ ትፀድቕ ኣብ ሪጋ ተሰሪዑ ይውዕል ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከባ መዐደሊ ነዳዲ ዳርጋ ኣብ ክልተ ጥራሕ እዩ ነዳዲ ተራጊፉ ዘሎ። ኣብ ካልእ ምስ ዘይምርጋፉ እቲ ሪጋ ብኢሱዎ'ሎ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ጭንቂ እዋን ወጋሕታ ፀላም ናብ ሪጋ ወፂኦም ኣብ ቅድሚት ዝተረኸቡ ሰብ ባጃጅ ይሸጡ ኣለዉ። ልቡ እናተሃንፈፀ መፂኡ ሪጋ ክሸጠልካ ዝበለኒ ዛዋሪ ባጃጅ ዋጋ ሓደ ሪጋ 500 ቕርሺ ምዃኑ ዓይኑ እንተይሓሰየ ነጊሩኒ። ዝጨነቖ ሪጋ ይዕድግ።
ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ስራሕ ይፅበየና'ሎ
ኣይተ ሳምሶን ኣብርሃ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ መቐለ ሰናይ ኣቀባብላ ስለዝረኸበ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝመፀአ ነጊሩኒ።
"እቲ መጀመርታ ዝመፃእናሉ ምስ ሓውና ህዝቢ ትግራይ ክንላለ ሰላም ክንበሃሃል እዩ፤ ብድሕሪኡ ግና ንግዲ ጀሚርና ኣለና። ካብዚ ንብረት ፅዒንና ንኣስመራ ንመላለስ ኣለና። ጣፍ፣ ፊኖን ብሽኮትን ከምኡ'ውን ስሚንቶን ካልኦት ንልምዓት ዘገልግሉ ናውቲ ንወስድ ኣለና፤ ካብ ኣስመራ ድማ ዕሹግ ሕሩጭ ፀባ፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን ኣባጊዕን ይኣትዋ ኣለዋ" እዩ ዝብል።
ኣይተ ፋሲል መንገሻ ብግዲኡ "እቲ ዶብ ምኽፋቱ ንቲ ህዝቢ ዝያዳ ዕግበት ገይርሉ። እቶም ዝበዝሑ ሕጂ ተራኺቦም ዘለዉ መናእሰይ እቲ ዶብ ክዕጾ እንተሎ ደቂ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዝነበሩ እዮም፤ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን፤ ስለዚ ተሃንጥዩ ክርኢ ይተሓዋወስ'ሎ" ይብል።
ብካልእ ወገን ከኣ ብኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ካብ ዱባይ ዝኣትው ኣቕሑት ኣብ ኤርትራ ይሓስር'ዩ ዝብል መካትዒ የቕርብ።
"ኣብዚ ድማ እኽሊ'ሎ ኣብዚ ብፅቡቕ ዋጋ ይሽየጥ። ስለ'ዚ እቲ ናፃ ምዃኑ ነቲ ህዝቢ ጥዒምዎን ኣሐጕሱዎን። ግዳስ 'ክዕጾ ይኸውን እዩ' ዝብል እናሰመዐ ስክፍታታት የሕድር'ሎ። እቲ ናይ ቀረፅ ኣከፋፍላ ንክልቲኦም መንግስታት እዩ ዝምልከት፥ ብዝዀነ ግን እቲ ዶብ ከም ዘይዕፆን እቲ ርክብ ብኸመይ ከምዝቕፅል ንህዝቢ እንተዝንገር ዝያዳ ምረገአ ነይሩ" ብምባል ሻቕሎቱ ይገልፅ።
ኣይተ ሳምሶን ብተወሳኺ "ናብ መቐለ ንመጀመርታ ግዜ እየ መፂኤ፤ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ድማ ይርኢ ኣለኹ። ኣብ ኤርትራ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ዝተዓፃፀፈ ስራሕ ይፅበየና ከምዘሎ ይኣምን።
ደጊም ኣብ ኤርትራ ሰሪሕና ኸማን እንተኺኢልናዮ ይብል። ሰላም እንተሃልዩ ኩል ግዜ ስራሕ ክመፅእ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ወደባት ስራሕ እንተጀሚሮም ዓብዪ ስራሕ ክህልው እዩ ኢለ እፅበ" ብምባል ዝረኣዮ ትስፍው መፃኢ የንፀባርቕ።
ወይዘሮ ለተብርሃን ኢትዮጵያዊት ነጋዲት ጣፍ እየን። ቅድሚ እቲ ዕርቂ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ምኢትን ቅርሺ ዝነበረ ውፁእ ፃዕዳ ጣፍ ድሕሪ እቲ ዕርቂ፡ ክሳብ ክልተ ሽሕን ትሸዓተ ሚኢትን በፂሑ ምንባሩ ገሊፀን።
"ሎምቕነ ድማ ናብታ ዝነበረታ ናብ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ተመሊሳ ኣላ'' ኢለን።
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገር ፀሓይ ወፂኣትሉ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ዕዳጋ ይለዋወጥ'ሎ። እቲ ንግዳዊ ርክብ ገና ኣብ ብርኪ ቡቕሊ እንተሎ መልክዕ እንተዘይሒዙ ግና ናብታ ዝነብራ ናብ ጭቃ ከምዝርግረግ ብዙሓት ለባማት የተሓሳስቡ።
ሰብ ሞያ ቁጠባኸ እንታይ ይብሉ?
ሙሁር ስነቑጠባ ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ብሰንኪ ምዕፃው ዶብ ብሕቡእ ክራኸብ ዝፀንሐ ህዝቢ፡ ሕዚ ግን ኣግሂዱ ክራኸብን ክተዓዳደግን ምጅማሩ ይዛረብ።
"ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብኽልቲኡ ወገን ከምዝተሓጎሱሉ እየ ዝዕዘብ፤ ብፍላይ ነጋዶ ንዕድላት ስለዝርእዩ ናይ ሸቐጣት ካብን ናብን ምስግጋር ትፅቢት ዝግበሮ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ሕጊ ቁጠባ 'ሓደ ዋጋ' ዝብል ፍልስፍና ከም ዘሎ ዝዛረብ ዶክተር ተስፋማርያም፡ ሓደ ዕዳጋ ክህልወካ ከሎ ሓደ ዓይነት ዋጋ ከም ዝፍጠር የረድእ።
"ናይዚ ውፅኢት ከኣ ዝኾነት ትኹን ኣቐሓ ኣብ ትግራይን ኣብ ኤርትራን ብተመሳሳሊ ዋጋ ትሽየጥ። ምናልባት ኣብ ትግራይ ክባር፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሕሱር ዋጋ እንተነይሩዋ ግድን ናብ ሓደ ዓይነት ዋጋ ትመፅእ" ይብል።
እዚ ማለት ከኣ ህዝቢ ብዝሓሰረ ዋጋ ዝረኽቦ ዝነበረ ነገር ክኸብሮ፡ ብኣንፃሩ ብኽባር ዝረኽቦ ዝነበረ ክሓስረሉ ከም ዘኽእል ገሊፁ።
እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግዜያውን ዘይስሩዕን ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር "አቲ ንግዳዊ ርክባት ሕጋዊ መስርሕ እንተዘይወፂኡሉ ግን ናብ ዘይምቅዳው ከእቱ ዝኽእል'ዩ" ክብል ይዛረብ።
መንቀሊ እቲ ኲናት ብዝምልከት ምስቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ከተሓሕዞ ከሎ ድማ "እተን ሃገራት ብሰንኪ ምሕታም ሓድሽ ገንዘብ፣ መጠን ሸርፍን መተዓዳደጊ ገንዝብን ናብ ጎንፂ ንኽኣትዋ ምኽንያት ከምዝኾነን ይፍለጥ" ኢሉ።
"ኤራትራ ባጤራ ክተሕትም እንከላ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዝነበረ ቀይራቶ፤ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ገንዘብ ኢትዮጵያ ተኸዚኑ ተሪፉ" ዝብል ተስፋማርያም፡ ናብ ኲናት ዝተኣተወ በዚ ቁጣባዊ ዘይምርድዳእ ከምዝኾነን ጉዳይ ዶብ ከም ምኽንያት ከምዝቐረበን ኣረዲኡ።
ዶክተር ተስፋማርያም፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ድማ ተመሳሳሊ ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክልትኤን ሃገራት ክግደሳ ከምዘለወን ይሕብር።