እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮ-ኤርትራ፡ "እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ናይ ጸሎትና መልሲ'ዩ"
"ወረ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ሰማዕኩ ነቶም ቅድሚ 21 ዓመት ዝተፈለኽዎም ስድራይ ክርእዮም ተሃንጥየ" ዝብል ዘማሪ ሳሚ ተስፋሚካኤል ካብ ጆርጅያ፡ ካብቲ ቅብጸት ተባሂሉ ዝተሰመየ ስርሒት ፈንቅል ዝወርድ ዝነበረ ቦምባታትን ጠያይትን ከምዘምለጠ ይዛረብ።
ናብታ ዝተወለድኩላ ምድሪ ድሕሪ 21 ዓመት ተመሊሰ ኣደይን ኣሕዋተይን ክርኢ ምኽኣለይ ዓቢ ምስጋና'ዩ ዘሎኒ ድማ ይብል።
ንሱ ሓደ ካብቶም ተኻፈልቲ መስርሕ ሰላም፡ ክልቲኤን ሃገራት ንምጽንባል ኣብ ሎንዶን ዝተኣከቡ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮ-ኤርትራን እዩ ኔሩ። "ኣነ ዘየመስገንኩ መን ከመስግን?" ክብል ደጊሙ ሓጎሱ ኣካፊሉ።
ሳሚኤል፡ ነቲ መስተርሆት ሰላም ዝፈጠሮ ዕድል ተጠቒሙ ብ 19 ሓምለ 2018 ካብ ኣትላንታ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ኣዲሳ ኣበባ ናብ ኣስመራ፡ በተን ፈለማ ናብ ኤርትራ፡ ዝበረራ ነፈርቲ መንገድ ኣየር ኢትዮጵያ ኣትዩ።
ድሕሪ'ዚ ድማ ናብ ባጽዕን ከምዝበጽሐ ዝዛረብ ሳሚኤል፡ ታሪኹ ስለዝመሰጠኒ ቅርብ ኢለ ከዕልለኒ ሓቲተዮ።
"ወረ ዕርቂ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ሰማዕኩ ነቶም 21 ዓመት ዝተፈለኽዎም ስድራይ ክርእዮም ተሃንጥየ። ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዘለዉ ሰለስተ ኣሕዋተይን ኣደይን ካብ ዘይርእዮም 21 ዓመት ኣቑጺረ" ኢሉ።
" ወዲ 12 ዓመት ከሎኹ'የ ብ1997 ካብ ኣስመራ ወጺኤ። ድሕሪኡ ኩናት 1998 ኣርኪቡ። ምስ ኣቦይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምጽንሐይ፡ ናብ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣምሪሔ" ይብል ሳሚ ተስፋሚካኤል፡ ሓደ ካብቶም በተን ንፈለማ እዋን ናብ ኣስመራ ዝበረራ ነፈርቲ ተጠቂሙ ስድርኡ ንምርኣይ ዕድል ዝረኸበ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ።
ሳዕቤን ኩናት ኣብ ስድራቤቱ ዘውረዶ ፍሉይ ማህሰይቲ ክገልጽ ከሎ፡
"ሰለስቲኦም ኣሕዋተይ ካብ ዘይርእዮም ዓመታት ኣቑጺረ። ምንኣሰይ ሓወይ ወዲ 6 ዓመት ዝገደፍክዎ ወዲ 27 ሰብኣይ ኮይኑ፡ ጓል 4 ዓመት ዝገደፍክዋ ሓፍተይ ተመርዕያ ወሊዳ ከምኡ'ውን ሳልሰይቲ ኣብ ከብዲ ኣደይ ከላ ዝገደፍክዋ ሕሳስ ልደ ተወሊዳ ዓብያ ኮሌጅ ወዲኣ ስራሕ ሒዛ ጸኒሓትኒ።
ኣብ ዘመነይ እዚ ስቓይ ተወዲኡ ምርኣየይ ንኣምላኽ የመስግኖ" ይብል ሳሚ።
ሳሚ ተስፋሚካኤል ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዜግነት ዘለዎም ስድራቤት እዩ ተወሊዱ።
ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ዓብዩ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ፡ ናብ ኣቡኡ ንኢትዮጵያ ገይሹና።
ዎክማ ዝበሃል ዝነበረ ማእከል ስፖርትን መዘናግዕን መንእሰያት ኩሉ ግዜ ከምዝናፍቖ፣ ኣክሮባት ኣዝዩ ዝፈትዎ ስፖርት ከምዝነበረን ናይ ኣክሮባት ተሞክሮኡ ኣብ ኣስመራ ከምዝገደፎን ብኣንክሮ ይዝክር።
ናብታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈለያ ኣስመራ ክምለስ ከሎ እንታይ ከምዝተሰመዖ ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብታ፡ ነፋሪት ደይበ ክሳብ እታ ክሊ ኣየር ኤርትራ ዝበጽሕን እታ ምድሪ ክሳብ ዝረግጻን ፍጹም ነፍሰይ ክትኣምኖ የጸግማ ነይሩ። ሰላም፡ ንምስፋን ክልቲኦም መስግስታት ዝወሰድዎ ኣወንታዊ ስጉምትን ተበግሶን ሞጊሰ"።
"ኵናትን በሰልኡን ብህጻነይ ከለኹ ብዝገጠመኒ ዘሰቕቕ ፍጻሜ ቅብጸት ኣብ ናይ ባጽዕ ስለዝፈልጦ፡ ሰላም ዋጋኣ ንዓይ ዓቢዩ " ክብል ንድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ባጽዕ ሓራ ክትወጽእ ከላ፡ ዝረኣዮ ኣሰቓቂ ዝክሪ ተመሊሱ ኣዘንቲውለይ።
ቅብጸትን ሳሚን
ሓትኖይን ዓባየይን ኣብ ከተማ ባጽዕ ይቕመጣ ስለ ዝነበራ ኣብ ግዜ ዕርፍቲ ክዛወር ናብኤን'የ ዝኸይድ ኔረ።
ሃንደበት ኣብኡ ከለኹ ኩናት ይጅመር። እቲ ኩናት ንባጽዕ ንምቁጽጻር ብተጋደልቲ ኤርትራ እዩ ተፈንዪ። ፈለማ እቲ ቶክሲ ጸወታዩ ዝመስል ነይሩ፤ ጸጸኒሑ እናበርትዕ ከይዱ።
ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ተሓዊስዎ ነፍሰይ ተጨነቐት። ንእሽቶ ወዲ 8 ዓመት እየ ኔረ ብዕድመ።
ሓትኖይን ሰብኣያን ካብቲ ዘንጸላልወና ዝነበረ ዕጫ ሞት ከውጹኡና ካብቲ ዝነበርናዮ ከባቢ ዕዳጋ ናብ ውሽጢ ባጽዕ ሒዞምና ኣምሪሖም።
ኣብ ቅድሜና ብዙሓት ሰባት ኣብ ጽርግያ ሞይቶም እናሰገርናዮም ንሃድም ኔርና።
ካብ ኩሉ ዘይርሰዖ፡ ኣጸቢቐ ዝፈልጠን ክልተ እሕዋት ግሮባብቲ ሓትኖይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክሞታ ርእየ።
ሓደ እዋን ድማ ሓደ ሰብኣይ በቲ ደብዳብ ዝተሃርመት ሰበይቱ ሞይታ እንከላ ብስንባደ ሓዚልዋ ኣናኸደ ሓደ ቐሺ ከምዝዓረፈት ምስ ረኣዪዋ 'ኣውርዳ' ኢሎም ከም ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዓይና ቁሩብ ሓመድ ኣፍሲሶም ኣቡኡ ገዲፍናያ ኬድና ክብል ነቲ ኣሰቓቂ ኩናት ቕብጸት ብኸፊል ኣዕሊሉኒ።
ሳሚ "ክሳብ ሎሚ ብህይወት ዘለኹ ሽዑ ስለዘይሞትኩዩ" ይብል።
መዓስ እዚ ጥራይ ኢሉ ይቅጽል ዛንቱኡ" ድሕሪ ነዊሕ ግድል ካብ ሞት ኣምሊጥና ብመስከረም ትበሃል መርከብ ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ ንኸይድ እሞ ኣደይ ድማ ኣብ ዓሰብ ስለዝነበረት ምስ ወደይ ክመውት ኢላ ናብ ባጽዕ ብመርከብ ክትጓዓዝ ከላ ደባይ ተዋጋእቲ ኤርትራ ናይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሲላቶም ነታ ኣደይ ዝነበረታ መርከብ የቃጽልዋ።
ኣደይን ካልኦትን ካብቲ ሓዊ ባርዕ ክሃድሙ ናብ ባሕሪ ዘሊሎም ይኣትዉሞ ሲቪል ሙኻኖም ምስ ረኣዪ ሻዕብያ የድሕንዎም።
በዓል ኣደይ ናብ ሳሕል ከምዝተወሰዳ ሰሚዕና። ዓባየይ ግን እታ ኣደይ ዝነበራታ መርከብ ተቓጺላ ምስ ሰምዐት ንግሆ ንግሆ ከምዚላ ትበኪ ኔራ።
ማይ ድዩ በሊዑኪ?
ሓዊ ድዩ በሊዑኪ?
ዓሳ ድዩ በሊዑኪ?
"ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ግና እደይ ደዊላ ብ ህይወት ከምዘላ ነጊራትና። ልብና ተመሊሳ።
ኣነን ኣደይን ድሕሪ ናጽነት ተጋዳሊት ኮይና፡ምስ ኣተወት ተራኺብና" ክብል ተዘከሮታት ቅብጸት ካብ ባሕሪ ብ ጭልፋ ኣዘንቲዩልና ።
ለበዋን ርእይቶን ሳሚ ብዛዕባ መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ኤርትራን ኢትዮጵያን
"እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንዓመታት ሃረር ዝበልናዮ ናይ ጸሎትና መልሲዩ። ዝመጽእ ዘሎ ዘመንና ስደት፡ ጥሜትን ኩናትን ዘይብሉ ሰላም ዝበዝሖ ክኸውን'ዩ ድሌተይን ባህገይን" ይብል።
"ዋላ'ኳ ክልተ መንግስቲ ክልተ ባንዴራ እንተኾንና ሓደ ዝገብረና ነገራት ይበዝሕ'ዩ ዝበዝሕ ብምባል፡ ነዚ ድማ ኣነ ምስክርየ ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ሓድነትና፣ ኣብ ሓደ ዝገብሩና ነገራት ከነቕልብ፤ ተተሓሒዝና ክንብልጽግን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክንበጽሕ ክንሰርሕ እላቦ'ዉን ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ "እዚ ረኺብናዮ ዘለና ሰላም፡ ድማ ኢድ ሰብ ዝገበረቶ ኣይመስለንን። ብድሕሪኡ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ኣምላኽ እዩ ጌርዎ ኢለየ ዝኣምን።
እዚ ሰናይ ነገር ከምዝቕጽል፡ድማ ኣይጠራጠርን እየ" ይብል።
"እቲ ቀንዲ መፍትሕ ተዋሂቡና'ሎ ተሪፉና ኣሎ ንብሎ ብብሓደ ከምዝምላእ'ዩ" ክብል ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም መፈጸምትኡ ከምዝሪኢ ተስፉኡ ብጽኑዕ ገሊጹ።