ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ነበርትን ሓይልታት ፀጥታን ተጋጭዮም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፍኖተ-ሰላም፡ ጂጋን ደምጫበን ኣብ መንጐ ሓይልታት ፀጥታን መንእሰያትን ብዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዘውረደ ነበርትን ሰብመዚ እቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነባሪ ከተማ ፍኖተ-ሰላም፡ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዝተወልዐ ግጭት መንቀሊኡ ኣብ ካልእ ቦታ ዘጋጠመ ግጭት ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ፍኖተ-ሰላም ዝነበረ ጸገም ጸጥታ ጸገም ብቕድሚ ትማሊ ሶኒ [5 ሰነ 2015 ግእዝ] ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ከምዝተበገሰ ዝሓበረ እቲ ነባሪ፡ መበገሲ ናይቲ ግጭት ኣብ ከተማ ደምጫ ዘጋጠመ "ህይወት ሰባት ዝጠፍኣሉ" ግጭት ምዃኑ ኣረዲኡ።

በዚ ምኽንያት፡እቲ ንሱ "ህዝባዊ ተቓውሞ" ኢሉ ዝገለጾ ክስተት ኣብታ ከተማ ከምዘጋጠመን ኣብ ልዕሊ ሰባት ብጥይት ጉድኣት ከምዝወረደን ገሊጹ።

"ሰራዊት ምክልኻል ናብ ፍኖተ ሰላም ይመጽእ ኣሎ ዝብል ወረ ተዘርጊሑ ነይሩ። ስለዚ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ፍኖተ-ሰላም እንተኣትዩ ‘ዕጫ ደንበጫ ክወርደና እዩ’ ብዝብል መንእሰያት ኣብ ሰዓታት ምሳሕ ተኣኪቦም መእተዊ ናይታ ከተማ ዓጽዮም። ካብዚ ሓሊፎም ድማ መእተውን መውፅእ ከተማ ባህርዳር ዓጽዮምዎ፡” ኢሉ።

ነበርቲ፡ “ሰራዊት ምክልኻል ናብታ ከተማ ክኣቱ የብሉን” ከምኡ'ውን “ፋኖ ዕጥቁ ክፈትሕ የብሉን” ዝብል ተቓውሞ የስምዑ ምንባሮም እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ነበርቲ "ብሰላም ሓሳቦም ይገልጹ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሓደ ካብ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ መንግስቲ ናብቲ ህዝቢ ተኲሱ ጕድኣት ከምዘውረደ" እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ይገልጽ።

ነዚ ስዒቡ ፖሊስ እታ ከተማ ብዝኸፈቶ ተዅሲ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ናብታ ከተማ ከምዘይኣተወ ብምግላጽ ድማ፡ ትማሊ ሰሉስ 6 ሰነ 2015 ኣ.ግ ናብ ባህዳርን ኮሶ በርን ዝወስድ ጽርግያታት ተኸፊቱ ምንቅስቓስ ሰባትን መካይንን ከምዝጀመረ ተዛሪቡ።

ነበርቲ ከተማ ጂጋ ብወገኖም፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ከተማኦም ዝርከቡ መንእሰያት ብምእሳሮም ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ገሊጾም።

ይዅን እምበር መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ድሕሪ ዝገበርዎ ጻዕሪ እቶም መንእሰያት ስለዝተፈትሑ እታ ከተማ ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ተመሊሳ ኢሎም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ሓላፊ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ዘመኑ ታደለ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህቡ'ኳ እንተዘይደለዩ እቲ ግጭት ከምዘጋጠመ ግን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ኣብ ከተማታት ፍኖተ ሰላም፡ ጂጋን ደምበጫን "ምዕጻው መንገድን ምቍራጽ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ከምዝነበረ” እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ኣቶ ዘመኑ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ግጭት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ክህብ ከምዘይክእል ተዛሪቡ።

ሰንበት 4 ሰነ 2015 ምሸት ኣብ ከተማ ደንበጫ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ ነቲ "ምንቅስቓሳት" ክብል ዝገለጾ ግጭት መንቀሊ ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

ኣብተን ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝዀነት ባህርዳር ዝርከባ ከተማታት ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ኣብዚ እዋን ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝተመልሰ እቲ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን እውን ኣብ ደንበጫን ፍኖተ ሰላምን ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሆስፒታላትን ነበርቲን እተን ከተማታት ብምጥቃስ ኣቃሊሐን ኣለዋ።