ኣምሓራ፡ ቦርድ መርመራ ኣብ ጎጃም ዝተፈፀመ ‘ቅትለት’ ከፃሪ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ቦርድ መርመራ ህጹጽ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ጎጃም ከተማ መርዓዊ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ከፃሪ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኣደ መንበር እቲ ቦርድ ዶክተር ነጃት ግርማ፡ ንቢቢሲ ከምኡ ዝበለት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ከባቢ ብውሕዱ 45 ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝቐተሉ ጸብጻብ ምቕራቡ ስዒቡ እዩ።

እቲ ቦርድ ናብ ከተማ መርዓዊ ብምኻድ ምፅራያት ከካይድ እምኳኑ፡ምክትል ኣደ መንበር ወሲኻ ሓቢራ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብውሕዱ 45 መንነቶም ዘረጋገጽኩዎም ዝበሎም ሰባት፡ ብ20 ጥሪ 2016 ዓ.ም ግእዝ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ "ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም" ብዝብል ከምዝተቐትሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ እቲ ቅትለት ኣብ ገዛ ናብ ገዛ ብተፍትሽን፡ ኣብ ጽርጋያታት ኣብ ልዕሊ ዝተረኽቡ ሰላማውያን ሰባትን ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።

ካብዚኦም ሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይቲ፡ ብጥይት ተሃሪማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞተት ቢቢሲ ካብ ክኢላታት ሕክምና ሰሚዑ።

እቲ ቅትለት ካብ ዝፍጸም ክልተ ሰሙን ዝሓለፎ ዀይኑ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ተቐባቢለንኦ እየን።

እንተዀነ፡ ምክትል እቲ መርማሪ ቦርድ፡ ብፅዕንቶ ፀብፃባት ሚድያ ከምዘይምርሑ ተዛሪባ።

ብተወሳኺ ዕድመ ስልጣን እቲ ቦርድ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተናውሐን ምርመራታት ንምክያድ ኩነታት ፀጥታ ከምዝደረቶምን ተዛሪባ።

ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ዕጡቓት ፋኖን ምስ ዘሎ ጎንፂ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብሃበተረኽበ ዝፍፀም ቅትለት ስክፍታኦም ይገልፁ ኣለው።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብቲ ክልል ኣብ ሰለስተ ዞባታት ጎጃም ልዕሊ 65 ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተቐቲሎም።

ዶክተር ነጃት፡ ብሰንኪ ኩነታት ጸጥታ እቲ ዞባ፡ መርመርቶም ናብቶም ካልኦት ጥሕሰት ተፈጺሙሎም ዝተባህለ ከባቢታት ንምኻድ ኣጸጋሚ ምንባሩ ኣብሪሃ።

ንሳ፡ ብዛዕባ ቅትለት መርዓዊ መርመራ ድሕሪ ምክያድ፡ ዝረኸብዎ ውጽኢት ንህዝቢ ክሕብሩ ምዃኖም ሓቢራ።

እቲ ኣብ ከተማ መርዓዊ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ንሰዓታት ምስተዋግኡን ዕጡቓት ፋኖ ካብታ ከተማ ምስ ወጹን ምዃኑ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ብዛዕባ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ከተማ መርዓዊ ዘለዎም ስክፍታ ምግላፆምን ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ምሕታቶምን ዝዝከር እዩ።

ብሰንኪ እቲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝቐፀለ ግጭት፣ ነበርቲ ግዳይ ይዀኑ ከምዘለዉ ይዝረብ።