ኣዋሽ ኣርባ፡ ‘ሰባት ብዘይ ክሲን ብዘይ ፍርዲን ንኣዋርሕ ዝእሰሩሉ ወተሃደራዊ መዓስከር’

ኣዋሽ ኣርባ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 220 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዞባ ዓፋር ዝርከብ ቦታ እዩ።

ክሊማ እቲ ከባቢ ውዑይ፡ መሬቱ ድማ ሑጻ ዝበዝሖ ብምዃኑ፡ ንወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝተመርጸ ይንገር።

እንተዀነ እቲ መዓስከር ኣብ ቀረባ እዋናት ብተደጋጋሚ ከም ቤት ማእሰርቲ የገልግል ከምዘሎ ይግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝተኣወጁ ኣዋጃት ህጹጽ እዋን፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ካብ ከተማታት ርሒቘም ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣስሩ ተራእዮም እዮም።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቶም መዓስከራት ንጃምላዊ ማእሰርቲ ምቹእ ስለዝዀኑን ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ስለዘለዎምን እዩ ዝብሉ ገለ ሰባት ኣለዉ።

ብኣንጻሩ እቶም መዓስከራት ብተፈጥሮ በዳሂ ኣብ ዝዀኑ ቦታታት ስለዝተመስረቱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክስምዖም፡ ሓተትቲ ከይረኽቡ፡ ካብ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክርሕቑ ንምግባር ዝውዕሉ እዮም ኢሎም ዝኸሱ እውን ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝተፈጸመሎም ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓደ እቲ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝርከብ እዩ።

ኣዋሽ ኣርባ ብፍላይ ኣብ እዋን ህዝባዊ ተቓውሞታትን ህጹጽ ኣዋጃትን ንእሱራት ብጅምላ ንምቕጻዕ ተመራጺ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም እሱራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግህሰት፡ ኣዋሽ ኣርባ "ምድራዊ ሲኦል" ከምዝዀነ ይገልጹ።

እዚ ቀጺሉ ዝቐርብ ዛንታ፡ ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዘስካሕክሕ ግዜ ዘሕለፉ እሱራት እዩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዳጐኒ ልዕሊ ኣርብዓ መዓልታት ከምዘሕለፈ ይዛረብ።

እቲ ሰብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምስተኣወጀ ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

"ምስ ዕጡቓት ፋኖ ርክብ ኣለካ" ብዝብል ከምዝተኣሰረ ይገልጽ።

እዚ ሰብ ሕጂ’ውን ናይ ጸጥታ ስክፍታ ስለዘለዎ፡ ንድሕነቱ ክበሃል ስሙ ኣይንገልጾን፤ ብተወሳኺ መንነቱ ንምልላይ ዘኽእሉ ሓበሬታታት’ውን ተኣልዮም እዮም።

ፍጻመ ማእሰርቱን ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝነበሮ ተመኵሮን ብዝምልከት ግን ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃላት ከምዚ ዝስዕብ የዘንቱ።

ፍርቂ ለይቲ ሃንደበት ናብ ቀጽርና ጥሒሶም ኣትዮም

ብኣቈጻጽራ ግዜ እታ ሃገር ከባቢ 6:00 [ፍርቂ ለይቲ] እዩ ነይሩ። ገለ ሓይልታት ጸጥታ ሓጹር ዘሊሎም ናብቲ ኣነ ዝነብረሉ ቀጽሪ ኣትዮም።

ስድራይ ዝመጹ ሰባት ሓይልታት ጸጥታ ምዃኖም ምስ ፈለጡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም፤ መልሲ ግን ኣይረኸቡን።

ስድራይ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎይ ንዓይ ደልዮም ከምዝመጹ ኣይጠፍኦምን። ይዅን’ምበር፡ ብመሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዘየድሊ ዘዘንገዐት ኣደይ ተቘጢዓ ዳግማይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሓቲታ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ በዚ ተቘጢዖም ንኣደይ ክወቕዑ ትንዕ ምስ በሉ ዕግርግር ስለዝተፈጠረ ካብ ክፍለይ ወጺአ።

ብመኪና ናብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል ኣምሪሖም። ኣብ መንገዲ ግን ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣብ ጽርግያ ክወቕዑኒ ጀሚሮም።

ብቐጻሊ፡ "ፋኖ እንተ ኣድሒኑካ ክንርኢ ኢና!" ይብሉኒ ነይሮም። ገለ ካብቶም ሓይልታት ጸጥታ "ኣብ ገጹ ከይትወቕዕዎ! ኣብ ገጹ ከይትወቕዕዎ!" ክብሉ ጥራይ ይሰምዖም ነይረ። ኣብ ገጸይ ናይ ምውቃዕ ምልክት ምእንቲ ከይርአ ድማ ኣብ ከባቢ ኣፍልበይን ኩሊተይን ወቒዖምኒ።

ለይቲ 8፡00 [ሰዓት ክልተ] ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል በጺሕና። ለይቲ ኣብኡ ወጊሑ። ንጽባሒቱ ንተፍትሽ ናብ ገዛይ ወሰዶምኒ። ገዛይ ፈቲሾም፤ ዝዀነ ነገር ስለዘይተረኽበ ናብቲ ዝነበርክዎ መሊሶምኒ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ መንጐ ለይቲ 10፡00ን 11፡00ን [ሰዓት 4-5] ብመቝሕ ተኣሲረ ምስ ካልኦት ጥርጡራት ጕዕዞ ኣጀሚሮምና።

"ናበይ ትወስዱና ኣለኹም፡ ንቤተሰብ ክነፍልጥ" ኢልና’ኳ እንተሓተትና "ንሕና'ውን ኣይንፈልጥን፤ ስቕ ኢልኩም ኪዱ" ዝብል መልሲ ጥራይ ሂቦምና።

ከባቢ 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ድማ ኣብ ከተማ ኣዋሽ ኣርባ በጺሕና።

ምስ ኣባላት ባይቶ ተጸንቢረ

ኣብ ጫፍ ከተማ ኣዋሽ ኣርባ ንጸጋም ተጠውዩ ኣስታት 12 ኪሎ ሜተር ምስ ተጓዓዝና ‘ማእከል ስልጠና ምዕራባዊ እዝ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ ዝብል ናብ ዝተጸሓፎ ሰፊሕ መዓስከር ኣቲና።

ሓጹር የብሉን። እቲ መእተዊ ግን ብሓጺን ዝተሰርሐ ኣፍደገ ኣለዎ። ብድሕሪ እቲ ቀጽሪ ድማ ሩባ ኣዋሽ ይርከብ።

ኣብቲ መረባ ዓቢ ኣደባባይ ኣሎ። ኣብ ጥቓኡ መመገቢ ሰልጠንቲ ኣሎ። ሕልፍ ኢልካ ብዚንጐ ዝተሰርሑ ሓሙሽተ መኽዘናት ይርከቡ። ድሒረ ከምዝሰማዕክዎ፡ እቲ ሓደ መኽዘን ኣቑሑ፡ እቶም ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝኸድዑ ወተሃደራት እዮም።

ካብቶም መኽዘናት ቀጺሉ ብመንደቕ ዝተሃንጸ ሰፊሕ ኣዳራሽ ኣሎ።

ኣብኡ ምስ በጻሕና ካልእ መርማሪ ቃልና ወሲዱ። ብዛዕባ ጥዕናይ ምስ ሓተቱኒ፡ ብሰንኪ እቲ መግረፍቲ ንምትንፋስ ከምዝተጸገምኩ ነጊረዮም። ‘ኣብዚ ሕክምና ክትረክብ ኢኻ ኢሎም ናብቲ ኣዳራሽ ኣእትዮምኒ።

እቲ ኣዳራሽ ከም በዓል ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክርስቲያን ታደለ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዮውሃንስ ቧያለው፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ (ዶ/ር) ካሳ ተሻገርን ካልኦት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ዝተኣሰሩሉ እዩ።

ኣብቲ ኣዳራሽ ብድምር 66 እሱራት ነይርና።

እቲ ከባቢ ኣዝዩ ዋዒ ስለዝዀነ ክዳን ተኸዲንካ ክትሓድር ከቢድ እዩ። ገለና ብልዕትና ጥራይ ሸፊንና ኢና ኰፍ ንብል ነይርና።

ንግሆ ባኒን ሻሂን፡ ምሳሕን ድራርን ድማ ጸብሒ ትምትሞ ምስ ባኒ ይቐርበልና። ኣብተን ኣብኡ ዝጸናሕኵለን ኣርብዓን ሓሙሽተን መዓልታት፡ መግብና ዳርጋ ኣይተለወጠን።

ብርግጽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት መጺኡ ምስ ረኣየና ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጤል ይሓርዱ ከምዝነበሩ ኣይክሕድን፤ ግን እኹል ኣይነበረን።

ንሽቓቕ እንተዘይኰይኑ ካብቲ መኽዘን ምውጻእ ኣይፍቀድን። ንሽቓቕ እውን እንተዀነ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።

ንግሆ ካብ 1፡00 ክሳዕ 1፡30 ከምኡ’ውን ምሸት ካብ 11፡00 ክሳዕ 12፡00 ብጕጅለ ከፋፊሎም ንሽንቲ ናብ ጫካ ይወስዱና።

ኣብ ጥቓ እቲ ጫካ ኣስታት 50 ዝዀኑ ንመቓብር ዝተዳለዉ ዝመስሉ ጐዳጕዲ ኣለዉ። ኣብኡ ኢና ደገ ንወጽእ ነይርና።

ካብዚ ሰዓታት ወጻኢ፡ ሽንቱ ዝመጾ ሰብ፡ ኣብ ሃይላንድ [ኣብ ፕላስቲክ መትሓዚ] ካብ ምሻን ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ዋዒ ስለዝዀነ ማይ ዘይምስታይ ከቢድ እዩ። ማይ እንተሰቲና ድማ ሽንቲ ኣሎ። ስለዚ ገሊኦም ሽንቲኦም ክቆጻጸሩ ወይ ዝሰትይዎ ማይ ከጕድሉ ይፍትኑ ነይሮም። እዚ ግን ዝከኣል ኣይነበረን።

ቃልሲ ምስ ሬሳ ፍሒሩ ከምዘውጽእ ዝንገረሉ እንስሳ

እቲ ዝተኣሰርናሉ መኽዘን ብብሎክ ዝተሰርሐ እዩ። ብድሕሪ እቲ መኽዘን፡ ኣብ ልዕሊ እኩብ ሓመድ ብእምኒ ምልክት ዝተገብረሎም ኣስታት 100 መቓብራት ኣለዉ።

ማዕጾ እቲ መኽዘን ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ እንተተዓጽዩ ኣየር ስለዘይኣቱ ግፍትን ይብል እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይዕጾን።

ካብ ጀነሬተር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንረክብ ኢና፤ ምሸት 4፡00 [ሰዓት 10] ግን ይጠፍእ። ጸዓት ንምቝጣብ ዘጥፍእዎ ይመስለኒ።

ሽዑ እቲ ካብ ከልቢ ቅሩብ ዝንእስ ጸሊም፡ ነዊሕ ጭራ ዘለዎ እንስሳ፡ በቲ ዝተገፍተነ ማዕጾ ኣቢሉ ይኣቱ፤ እቲ ‘ኣውጭኝ’ ዝብልዎ እንስሳ ሬሳ ፍሒሩ ከምዘውጽእ ይንገር

እቲ ዝኣተወ እንስሳ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ቀሊል ኣይኰነን።

እቶም ኣቐዲሞም ዝኣተዉ እሱራት፡ ካብቲ ብሓጺን ዝተሰርሐ መደቀሲታት ዝስሓብ በትሪ ሓጺን ኣዳልዮም ብእኡ ብምውቃዕ ከውጽእዎ ይፍትኑ።

ብሰንኪ እቲ ዋዒ ከምኡ’ውን ኣናጹ፡ ተመንን እቲ ‘ኣውጭኝ’ን ስለዝኣትዉ፡ ድቃስ ኣይወስደናን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ልምምድ ተዅሲ ዝበሃል ብለይቲ ዝግበር ኰይኑ ከባህርረና’ዩ ዝሓድር።

እኹል መግቢ፡ ማይን ድቃስ ብጸሎት’ውን ትረኽበሉ ቦታ ኣይኰነን። ነቲ ዝረሃጸ ኣካላትና እናሓኸኽና ምሕዳር’ምበር ካልእ ኣማራጺ የብልናን።

ነብስኻ ንኽንሕጸብ ሪጋ - ሓንሳእ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ

መካይን ቦጥ ምክልኻል ማይ ሒዘን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ ባስካታት ይመልኣ። ብሪጋ ስለእንሕጸብ፡ ሓደ ሰብ ንኽሕጸብ እንተወሓደ ዓሰርተ መዓልቲ ክጽበ ኣለዎ። እዚ ምስቲ ዋዒ ተደሚሩ ከቢድ ብድሆ እዩ ነይሩ።

ክንሕጸብ ከለና ነንበይንና ኣይኰነን። ብድሕሪ እቲ እንበልዓሉ ገዛ፡ ብቴንዳ ዝተሓጸረ ቦታ ኣሎ፤ ኣብኡ ኣብ ሜዳ ኢና ንሕጸብ። እዚ ዕድል ንምርካብ ብትዕግስቲ ምጽባይ የድሊ። እዚ ንመብዛሕትና ዘዋርድ እዩ ነይሩ።

እቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እውን እንተዀነ ከቢድ እዩ።

ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ካብቲ ኣዳራሽ ክንወጽእ ከለና ከም ምሩኻት ኮፍ ክንበል ንግደድ ነይርና።

ኣብ ርእሲኡ ድማ ከቢድ ጸገም ጥዕና ነይሩ፤ ምስ ስድራ ኣይንራኸብን፤ ተሌፎን ኣይፍቀድን። ፌደራል ፖሊስ ኣብ ወርሒ ግዜ ሓለውቲ ንምቕያር ክመጹ እንከለዉ እዮም ስድራና ዝገደፉልና መልእኽቲ ዝህቡና። ኣብ በረኻ በይነይ ዝተረፍኩ ኰይኑ ይስማዓኒ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ዝበጽሓና ምፍርራሕ ቀሊል ኣይኰነን፤ "ንምክልኻል ተንኪፍኩም ብሰላም ክትነብሩ ድዩ?!" እናበሉ የፈራርሑና ነይሮም።

ካብ "ርእስኻ በቲነ ከዕርፈካ’የ" ካብ ዝብል ምፍርራሕ ጀሚሩ ክሳብ ኣጽዋር ምትኳስን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጸርፊን ልሙድ እዩ ነይሩ።

ምሉእ ለይቲ መደገፊ ኣብ ዘይብሉ መንበር

ካልእ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ዝርአ ብድሆ፡ ብለይቲ ዝካየድ መርመራ እዩ።

ለይቲ ነቲ ዝደለይዎ ሰብ ወሲዶም ብውልቂ ይምርምሩዎ። እዚ ንዓይ እውን ኣጋጢሙኒ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ባዶ ኣዳራሽ ኣብ መደገፊ ዘይብሉ መንበር ኮፍ ኣቢሎምኒ።

ብዛዕባ ምስ ፋኖ ዘለኒ ምትእስሳር ብተደጋጋሚ ሓቲቶምኒ፤ “ዝዀነ ርክብ የብለይን። ብዛዕባ እቲ ትብልዎ ዘለኹም ዝፈልጦ ነገር የለን” ኢለ መሊሰሎም። እቲ ብመልሰይ ዝሰልከዮ መርማሪ፡ ካልእ ሓላዊ ጸዊዑ፡ ‘እናረኣኻዮ!’ ኢልዎ ደቂሱ። ኣብቲ መደገፊ ዘይብሉ መንበር ሕቝይ እናተንቀጥቀጠ እታ ለይቲ ወጊሓ።

ከምዚ ዝበለ መርመራ ንሰሙን ዝኣክል መዓልታዊ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ሕቝኻ ብኸመይ ክሰርሕ ይኽእል?

ኣብቲ ቀጽሪ ብዘይካ ቀዳማይ ረድኤት ካልእ ኣገልግሎት ሕክምና የለን። ብኸቢድ ምስ ሓመምና ናብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝወስዱና።

ኣነ’ውን ብሰንኪ እቲ መግረፍቲ ብኸቢድ ሓሚመ ንሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲደ እየ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝዀኑ እሱራት እውን ብተደጋጋሚ ክሓሙ ተዓዚበ እየ።

ኣቶ ዮውሃንስ ቧያለው እግሩ ስለዝቘሰለ ብእግሩ ክኸይድ ኣይክእልን ነይሩ። ብተደጋጋሚ ካልኦት ጸገማት ጥዕና ከጋጥምዎ’ኳ እንተተዓዘብኩ፡ እኹል ሕክምና ክረክብ ግን ኣይረኣኹን።

ሕማመይ ምስ ገደደ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል መሊሶምኒ

ኣብ መዳጐኒ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስ ጸናሕኩ ብጥዕናዊ ምኽንያት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምጺኦም ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል ኣሲሮምኒ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል፡ ካብ ኣዋሽ ኣርባ ቅርብ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ዘመዝገብናዮ ሰብ እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ክሓተና ይፍቀደሉ ነይሩ።

ብኸምዚ ኵነታት ንኣዋርሕ ጸኒሐ። ብድሕሪኡ ምስ ካልኦት እሱራት ስልጠ ተሃድሶ ክንወስድ ተነጊሩና።

ነቲ ስልጠና ክንወስድ ከምዘይንደሊ ገሊጽና። ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ግን እቲ ስልጠና 'ዘተ' ዝብል ስም ተዋሂብዎ።

ኣብ ኮልፌ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንሓደ ሰሙን ኣሰልጢኖምና። እቲ ስልጠና ብዛዕባ ሰላም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት እዩ ነይሩ።

ናይ ምዝራብ ነጻነት ነይሩና። ኣብቲ መምርሒ ስልጠና ዝተጠቐሱ ሓሳባት ብዝምልከት ብነጻነት ተኻቲዕና።

እቶም ኣሰልጠንቲ ሓሳባትና ይቕበሉ ነይሮም። እቲ ስልጠና ዓርቢ መዓልቲ ምስ ተዛዘመ ቀዳምን ሰንበትን ኣብኡ ጸኒሕና። ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ "ተፈቲሕኩም ኢኹም፤ ንብረትኩም ሒዝኩም ንገዛኹም ኪዱ!" ተባሂልና።

ንልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲርና።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሕክምና እየ ዝርከብ።

ሕጂ’ውን ኣብ ኣዋሽ ኣርባ እሱራት ኣለዉ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተፈጠረ ግጭት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣወጀ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን መራሕትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።

ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ብሄር መሰረት ዝገበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ ከቃልሓ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ካብቶም ብዙሓት ዝተኣሰሩሎም መዳጎኒ ማእከላት ሓደ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዘጋጠመ ግጭታትን ኲናትን፡ ጋዜጠኛታትን ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ብዘይ ክሲ ይኹን ፍርዲ ኣብዚ መዓስከር ተኣሲሮም እዮም፤ ሕጂ’ውን ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣለዉ።

ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ውልቀ ሰባት ኣብተን መዳጐኒ ማእከላት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጸም እዮም ዝገልጹ።