ኢትዮጵያ ዘይትደልዮ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

ኣብ ኢትዮጵያ ጸጥታዊ ስግኣታትን ግህሰት መሰላትን እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኵነታት መርሚሩ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮምያን ዓፋርን ዘሎ ኵነታት ከም ዘተሓሳስቦ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ፡ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ" ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር "ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ክቕጽሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ልዑል ስግኣት” ምህላው ይጠቅስ።

ከበድቲ ገበናት ዝበሃሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ኰይኖም ከም ምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምዃኖም ይሕብር።

እቲ መርማሪ ኮሚሽን ኵሎም ናብዞም ገበናት ከቃልዑ ዝኽእሉ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ከም ዘለዉን ብምግላጽ፡ ካብዚኦም ቀጻልነት ዘለዎም ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ዘይምርግጋእን ተሓታትነት ዘይምህላውን ክጥቀሱ ዝኽእሉ ስግኣታት እዮም ኢሉ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን መሓመድ ቻንዴ ዑስማን፡ "ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያን ኣብ መጻኢ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ከበድቲ ገበናትን ኣዝዩ የሻቕለና" ኢሉ።

ሰብ ሞያ እቲ ኮሚሽን ከም ዝብልዎ፡ ኣብታ ሃገር ብደረጃ ዓለም "ንከቢድ ገበናት ከብጽሑ ዝኽእሉ ስግኣታት" ከም ዝረኣዩ’ዮም ዝኣምኑ።

እዚ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ዝቘመ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ከበድቲ ግህሰት መሰላት፡ ሰፋሕቲ መጥቃዕታትን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ዘይምህላውን "ልዑል ሓደጋ ተወሳኺ ገበናት ከንጸላሉ ገይሩ ኣሎ” ክብል ገምጊሙ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ ብስምምዕ ሰላም እኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ግን "ከበድቲ ግህሰታት” ይፍጸሙ ከም ዘለው ኣመልኪቱ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ገበናትን ከም ዝተፈጸሙ ሰኒደ እየ ይብል።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለትን ጃምላዊ ማእሰርትን ብዝምልከት ዝወጽኡ ጸብጻባት ስክፍታታት ከም ዘልዓሉ እውን ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን፤ ቅድሚ ሕጂ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘቕረቦ ጸብጻብከም ዝነጸጐ ይዝከር።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ብመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ፍታሕ ከም ዝገብረሎም ብምግላጽ ኣገዳስነት እቲ ኮሚሽን ዝምልከት ተቓውሞኡ ከስምዕ ጸኒሑ ኣሎ።

ብተወሳኺ እዚ ዓለምለኸ ጕጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስራሕ ግዝኡ የብቅዕ ዘሎ ኰይኑ ኢትዮጵያ ኣገዳስነት እቲ ጉጅለ ከብቅዕ ክትደፍእ ጸኒሓ ኣላ።

ይዅን እምበር ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስልጣን እቲ ኮሚሽን ክናዋሕ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።