እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'መርድእ ንምንጋር ገንዘብ ዝሓቱ ሰባት ኣለዉ - ገበን እዩ’ ጀነራል ታደሰ
ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ትግራይ መርድእ እቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ብወግዒ ከም ዝንገርን ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅን ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን መርድእ ናይቶም ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ንስድራቤታት ይንገር ምህላው ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ነይሮም።
ነቲ ዛጊት ብዘይ ስሩዕን ብውሱን መልክዑ ስሩዕ ዝመስልን መርድእን ድማ፡ ስድራቤታት ብሓባርን ብተናጸልን፡ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዳግማይ ቀብርን (ግፍዒ ወይ ኣጐወል) ሃይማኖታዊ ፍትሓትን ክካየድ ተራእዩ’ዩ።
ነዚ ኣመልኪቱ ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ጸጥታን ዝዀነ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብመንግስቲ ደረጃ ስሩዕ መርድእ ስውኣት ዝንገረሉ መዓልቲ ዝምልከት ኣብ ግምት ክኣትው ዝግባኦም ነገራት ብምንባሮም ተደናጕዩ’ዩ ኢሉ።
እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኲናት ብውሑድ ካብ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮን መምሃራንን፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦት ክፋላት እቲ ሕብረተሰብን ኣብቲ ሰራዊት ከም ዝነበሩን እዋን ክረምቲ ብምጽንሑን ምዃኑ ጠቒሱ።
“ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ግዜ ንመርጽ ነይርና። ክረምቲ እንተዘይኰነ ይሓይሽ ዝብል መጽናዕቲ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ መስከረም’ውን ተመሃሮ 12 ክፍሊ ፈተና ዝወስድሉ ስለ ዝዀነ፡ ዝተጋደሉ ወይ ዝተሰውኡ መሓዙት ዘለውዎም ኣለው፣ ንፈተና ክዳለው ካብ ሰራዊት ዝተመለሱ ኣለው፤ እዚኦም ካብቶም ክርድኡ ዝኽእሉ’ዮም። እዚ ብፍላይ ነቶም ተፈተንቲ ዝህውኽ ንኸይኸውን ብዙሓት ነገራት ኣብ ግምት ክኣትው ነይሩዎም” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልል፡ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ድሒሩ ዝስዓበ ኲናትን እቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ከይወሰዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መርድእ ዝንገረሉ መዓልቲ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ መስከረም (ማለት’ውን ካብ 29 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ንሒደት መዓልታት ዝወሃብ ፈተና ክኸውን ከም ዝተወሰነ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣረዲኡ።
“እቲ ኣዋጅ ድሕሪ ፈተና ክኸውን’ዩ፤ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ክነርድእ ኢና። ብኡ’ውን ዝእወጅ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሓዘን ግዜ ክህሉ’ዩ” ይብል።
ኣብዚ ግዜ ምምሕዳር እቲ ክልል ዘውጽኦም መምርሒታት ከም ዘለው ብምጥቃስ፡ ክሳብ እቲ መርድእ ተነጊሩ ዝውዳእ መሓውር ጸጥታን ፖለቲካን፡ መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ካልእን ነዚ ቀዳምነት ዝገበሩ ከም ዝዀኑ ኣመልኪቱ።
“ኣብቲ ሰለስተ (ናይ ሓዘን) መዓልታት ኵሉ ነገር ጠጠው ዝብለሉ መዓልቲ’ዩ ክኸውን። ክሳራና ከቢድ እንተዀነ’ውን ሓዚንናን በኺናን እንውድኦ ኣይኰነን፤ ርእስና ኣድኒንናን እንውድኦ ኣይኰነን። ስለዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ርእስና ኣቕኒዕና ናብ ሕራነ ክንቕይሮ ኣለና” ኢሉ።
‘ገንዘብ ተቐቢሉ ከነርድኣኩም ዝብሉ’
በቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ከምዝሃለቑ ጸብጻበት ይሕብር።
እንተዀነ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ተዋጋእቲ ከም ዝሞቱ ዛጊድ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ንኽልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጹ ዝሰርሐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሃለቝ ተዛሪቡ ነይሩ።
ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ብዘይካ ካብ ምምሕዳር እቲ ክልል ወጻእ ዝርከባ ከባቢታት ዞባታት ምዕራብ፡ ደቡብን ምብራቕን ትግራይ፡ ብርክት ዝበሉ ደሃይ ደቈም ዘይረኸቡ ስድራቤታት ክከላበቱ ጸኒሖም ኣለው።
ሰብ መዚ እቲ ክልል መርድእ ብስሩዕ መንገዲ ብዘይምንጋሮምን ብምድንጓዮምን ስድራቤታት ንጭንቀትን ምክልባትን ተቓሊዖም ዝብል ነቐፌታ ክቐርብ ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ‘መርድእ ውላድኩም ንኽንነግረኩም፤ ዝተሰውእሉ ቦታ ንክንሕብረኩም’ . . . ብዝብል ዓሰርታት ኣሽሓት ገንዘብ ይቕበሉ ከም ዝነበሩ ወግዓዊ ብዘይኰኑ መገድታት ይዝረብ ነይሩ።
“ኣስክሬን ንምምጻእ፣ ኣበይ ከም ዝተወሰውአ መረዳእታ ኣለኒ እናበሉ ከም ስራሕ ዝሓዙዎ ሰባት ምህላዎም ንፈልጥ ኢና፤ ገበን’ዩ። ወለዲ ግን ድሃይ ውላዶም ንምፍላጥ ምንቅስቓስ ኣየድልዮምን፤ ንሕና ኢና ናብኦም ኬድና ንዛረቦ” ክብል ሌተናል ጀነራል ታደሰ ገሊጹ።
መንግስቲ ነዚ መን የዋድዶ ከም ዘሎ'ኳ እንተዘይፈለጠ “ብርግጽ ክዝረብ ዝክኣል ግን ብመንግስቲ፡ ብሰራዊት ወይ ብውድብ ዝምራሕ ዘሎ ኣይኰነን” ክብል እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ “ኣስክሬን፡ ኣዕጽምቲ ሰማእታት ከነምጽኣልኩም ብዝብል ምንጪ ገንዘብ ዝገበሩ ደላሎ ኣለው። እዚ ኣሎ ኢሎም ዘርእዩዎ ዘለው ግን ትኽክለኛነቱ ዝፈልጦ፣ ዝምስክረሉ የለን፤ ንሕና ኢና ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይና ዝተወግኣሉ፡ ዝተሰውኣሉን ዝተቐብረሉን ቦታ ንፈልጥ። እቲ በብኸባቢኡ ዝግበር ዘሎ ግምታዊ ምዃኑ ብምርዳእ መርድእ ክሳብ ዝንገር ብትዕግስቲ ክንጽበ ይመክር” ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣዕጽምቲ ስውኣት ካብ ዝዀነ ቦታ ምልዓል ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ ገሊጹ።
“ዳርጋ ኵሉ ኣስክሬን ስውኣት ናብ ትግራይ ኣምጺእናዮ ኢና። ኣበይ ከም ዘዕረፍናዮ ንሕና ኢና ንፈልጥ” ብምባል ካብዚ ወጻኢ በብውልቂ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣብ ትግራይ ኣንጻራዊ ሰላም'ኳ እንተሰፈነ፡ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ዛጊድ ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን።
ድሕሪ ምውላዕ እቲ ኲናት ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራ ዝኣተወ ሰፋሕቲ ግዝኣታት እቲ ክልል'ውን ዛጊድ ናብ ንቡር ክምለስ ኣይከኣለን።
በዚ ድማ፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ክልል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምጥፍፋኡን ትካላት ረድኤት ዕደላ ምግቢ ብምቍራጾምን ሰባት ከምዝሞቱ'ውን ሰብመዚ እቲ ክልል ይገልጹ።