ብመርድእ ናይቶም ኣብ ኲናት ዝሞቱ ሓዘን ዘንጸላለዋ ትግራይ

መርድእ ናይቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ንስድራቤታት ይንገር ኣሎ።

ነቲ ዛጊት ብዘይ ስሩዕን ብውሱን መልክዑ ስሩዕ ዝመስልን መርድእ ስዒቡ፡ ስድራታት ብሓባርን ብተናጸልን፡ ባህላዊ ስነ ስርዓት ዳግማይ ቀብርን (ግፍዒ ወይ ኣገወል) ሃይማኖታዊ ፍትሓትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ቢቢሲ የመልክቱ።

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ዝነብር ኣቶ ብርሃኑ ገብረ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ናይ ብርክት ዝበሉ ስድራ መርድእ ከምዝተነገረን ኣብታ ከተማ ደበና ሓዘን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብዚ ቀረባ ኣብ ከባቢታት ዓዲ ሽንድሑንን ደብርን ናይ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ መርድእ ተነጊሩ ኣሎ። ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝተኻየደ ግፍዒ ተሳቲፈ ነይረ፤ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ኣባላት ስድራቤቶምን መቕርባቶምን ሓዘን ተቐሚጦም ኣለዉ” ይብል።

ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ጣብያ ንዝሓለፈ ቀዳም ከምዝንገር ተሓቢሩ ምንባሩ ዝገልጽ ኣቶ ብርሃኑ፡ እንተዀነ ንቐጻሊ ሰሙን ከምዝተሓላለፈን ኣብ ጭንቀት ከምዘለዉን ይዛረብ።

“ካብዚ ከባቢና ወፊሮም ዘይተመለሱ መሓዙትናን ጐረባብትናን ኣለዉ። ኣዚና ፈሪሕናን ተጨኒቕናን ኣለና’’ ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ዝተረኸበ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ: መርድእ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝንገር ገሊጹ ነይሩ።

“ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንኽብሮም ብዝምጥን መንገዲ፡ ህይወቶም ንዝኸፈሉ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ሰማእታትና ብዕሊ መርድእ ጌርና፡ ንስድራኦም ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተዀነ ምሳኹም ኣለና ዝብል መልእኽቲ እነሕልፈሉ ክኸውን እዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ መንጐ ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ገጽ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ዕጡቓት ጐረባብቲ ክልላትን ብኻልእ ገጽ ኰይኖም ዘካየድዎ ደማዊ ኲናት ክንደይ ዝኣኽሉ ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ኣይተገለጸን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝሃለቑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኵሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ዝርከቡዎም ሰብኣዊ መሰላት ከምዝጠሓሱ ጽብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት የመልክቱ።

ብፍላይ ኣብታ ማእከል ዓውደ ኲናት ዝነበረትን ንዝበዝሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ዕጽዋን ዝነበረት ትግራይ ብዙሓት ሰባት ብመጥቃዕቲ፡ ስእነት ምግብን መድሓኒትን ንሞት ተቓሊዖም እዮም።

ኣብዚ ቕንያት ካብ ከተማ መቐለ ናብ ከተማ ሽረ ዝተጓዓዘ ኣቶ መዓርግ ሓየሎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ መርድእ ይካየድ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ካብ መቐለ ተበጊስና፡ ብሓውዝየን ካብኡ ድማ ተንቤን ኣቢልና ኢና መጺእና። ብዙሕ ናይ ሓዘን ነጸላ ዝተኸደነ ሰብን ናይ ቤተክርስትያን ጽላላትን ኢኻ እትርእይ ። ዝሓተትናዮም ሰባት ድማ ናይ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ እዩ ይብሉና፡” ኢሉ።

ኣብ ደቡባዊ ትግራይን ካልኦት ንስራሕ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝረኣየ ዝገልጽ ኣቶ መዓርግ ሓየሎም እቲ ኣገባብ መርድእ ስሩዕ ከምዘይኰነን ብቕልጡፍ ክውገን ከምዝግባእን እዩ ዝኣምን።

“ኣብ ቀረባ ናብ ከባቢ ዓዲ ጉዶም እውን ከይደ ነይረ። ኣብኡ እውን ተመሳሳሊ እዩ ዘሎ። ኣብኡ እኳ ዋላ ኲናት እናሃለወ እውን ስድራቤታት ይንገሩ ነይሮም እዮም።

“ኣብ ከምዚ ኵነታት ናይ መረዳእታ ጸገም ክህሉ ይኽእል እዩ። ሓበሬታ ናይ ዘለዎም ሰባት ግን እንተዘርድእዎ ይሓይሽ። እምበር ዓመት ምሉእ ነጸላ ክትርእይ ግቡእ ኣይኮነን፡" ይብል።

ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝነብር ኣቶ ዳኒኤል እውን ተመሳሳሊ መርድእ ይካየድ ከምዘሎን፡ እቲ ኣገባብ ግን ስርዓት ዝተኸተለ ብዘይ ምዃኑ ብዙሕ ስነልቦናዊ ሃስያ የውርድ ከምዘሎ ይዛረብ።

“ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓዘን እዩ ዘሎ። ኩሉ ነጸላ ገልቢጡ እዩ ዝኸይድ።”

“እቲ ማሕበረሰብ ብዘይ ስሩዕ መንገዲ እዩ ዝንገሮ ዘሎ። ብዙሕ ምንግልታዓት ኣሎ። ደሃይ ደቆም ዘይፈለጡ እውን ኣብ ከቢድ ጨንቀት እዮም ዘለዉ። ኣብ ዝተነገረ መርድእ እናኸዱ ደሃዮም ናይ ዘየሎ ደቆም እውን እዮም ዝበኽዩ፤ ዝፈልጥዎ ነገር የለን። ብፍላይ ደሃይ ደቀን ዘይፈልጣ ኣዶታት ኣብ ዓብዪ ጸገምን ስነ ልቦናዊ ጉድኣትን እየን ዘለዋ “ ይብል።

ኣይተ ዳኒኤል ከምዝብሎ፡ እቲ ዛጊት ዝካየድ ዘሎ ስነ ስርዓት መርድእ፡ ወለዲ ናብ ምድብ ቦታ ደቆም ብምኻድን ንብጾቶም ብምሕታትን ብዘረኽብዎ ሓበሬታ እምበር ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ኣይኮነን።

“ገለ እዋን ካብ ክፍለ ሰራዊቶም ደብዳበ ተላኢኹ ይበሃል፤ ገለ እዋን ድማ ብጾቶም ዝነበሩ ዝቐበሩዎም ከምዝነገሩዎም ኢና እንሰምዕ። ሓውሲ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘለዎ ይመስል። “

ንስራሕ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ድርቂ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ዳኒኤል ነዚ ሓዘን ተወሲኽዎ እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ከምዘስተውዓለ ይገልጽ።

ምኽንያት ምድንጓይ መርድእ ዝምልከት ድማ “በዝሒ ቁጽሪ ስዉኣት ዝፈጠሮ ስግኣት፣ ስድራ ንምድባስ እኹል ዓቕሚ ዘይምህላውን፡ መርድእ ኣብ ምንጋር እውን ኣብ መንጐ ወታሃደራውን ፖለቲካውን መሪሕነት ኣፈላላይ ዘሎ ይመስለኒ” ክብል ግምቱ ይዛረብ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑ ይርከብ።

ይኹን እምበር፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ረድኤት ድው ድሕሪ ምባሎም ግን ኣብ ትግራይ ሕጂ እውን ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብመዚ ይገልጹ።